ድለ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ 

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ

70 ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋተሞምን ካልኦት 100 ዝግመቱ ሃለዋቶም ከምዘይተረኽበን ናይቲ ጨንፈር ሊቢያ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ማሕበር ሓላፊ ጁላይን ራይኽማን ገሊጾም ካብ ጠቕላላ 137 ከምዝተረፉን ሸውዓተ ኣብ ቤት ሕክምና ከምዘኣተዉ

ካብ ሊቢያ ብጠቕላላ 300 ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዘሳፈራ ክልተ ነኣሽቱ ናይ ሞተር ጀላቡ ካብ ትሪፖሊ ብምብራቓ ሸነኽ 120 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ፊት ከተማ ሆምስ ኣብ ዘሎ ናይ ባሕሪ በሪ ብዘጋጠመን ሓደጋ ምኽንያት ልዕሊ 150 ዝግመቱ ስደተይናታት ከምዝሞቱ ክሕበር እንከሎ፡ ብዛዕባ እዚ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ሞት ሓደጋ ምኽንያት ሮማ ዝርከብ ብማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ዝመሓደር ማእከል ኣስታሊ ሓልዮ ስደተይናታት ኣብ ሊቢያ ዝርከቡ ስደተይናታት ብጠቕላላ ብሕጋዊ መገዲ ክወጹ ዝድግፍ ፍልዩ መደብ ምድሓን ስደተይናታት ክህሉ ጻውዒት የቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሊቢያ ናይ ደብ ኣልቦ ሓኻይም ማሕበር ጨንፈር ኣባላት ናይ ምድሓን ስርሒት ከምዘካየደን፡ 70 ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋተሞምን ካልኦት 100 ዝግመቱ ሃለዋቶም ከምዘይተረኽበን ናይቲ ጨንፈር ሊቢያ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ማሕበር ሓላፊ ጁላይን ራይኽማን ገሊጾም ካብ ጠቕላላ 137 ከምዝተረፉን ሸውዓተ ኣብ ቤት ሕክምና ከምዘኣተዉ ይሕብሩ።

እቶም ካብ ሞት ሓደጋ ዝተረፉ ኣብ ሊቢያ ናብ ዝርከብ ናይ ስደተይናታት ማእከል ከምእተወሰዱን፡ እዚ እውን ንገዛእ ርእሱ ሕይወቶም ምድሓን ዘይኰነ ንሓደጋ ምቅላዕ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣቢሉ 38 ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ እንከለዉ ብናይ ሊቢያ ሓለዋ ጸጥታ ዶባት ባሕሪ ተረኺቦምን ታጁራ ናብ ዝርከብ ማእከል ስደተይናታት ከምእተወስዱ ራይኽማን ይገልጹ።

ኣስታሊ ማእከል ስደተይናታት

ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝተመስረተ ሮማ ዝርከብ ናይ ስደተይናታት ማእከል ኣስታሊ፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጥም ዘሎ ሞትን ማሕሰይትን ማእሰርትን መግረፍን ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው ብጠቕላላ ነቶም ኣብ ሊቢያ ዝርከብ ስደተይናታት ካብ ሊቢያ ንኽወጹ ፍልዩ መደብ ሕብረት ኤውሮጳ ወሳኒ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ ብሕጋዊ መገዲ ዝወጽሉ ዕድል ምፍጣርን የድሊ እንክብል ንሕብረት ኤውሮጳ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ
26 July 2019, 17:09