ድለ

20171028 መሬት ሕርሻ 20171028 መሬት ሕርሻ 

29 ሓምለ 2019ዓምፈ መዓልቲ ሃልኪ-ልዕሊ-ዓቕሚ መሬት

ብመሰረት ዊኪፐድያ ነጻ መዝገበ ቃላት፣ መዓልቲ ሃልኪ-ልዕሊ-ዓቕሚ መሬት (Earth Overshoot Day “EOD”), ወይ`ውን ኣቐዲሙ ዕቃበ ተፈጥሮኣዊ መዓልቲ ዕዳ (Ecological Dept Day “EDD”) ብዝብል ዝፍለጥ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዝመጽእ ኮይኑ፣ ዓመታዊ ብደቂ ሰባት ዝሃልኩ ነገራት ካብ’ቲ ኣብቲ-ዓመት መሬት ከተፍርዮ እትኽእል ንላዕሊ ከምዝኾነ ዘመልክት ኢዩ። እዚ ማለት ነቲ መሬት ዓመታዊ እተፍርዮ ባህርያዊ ሃብቲ፣ ብዓመታዊ ደቂሰባት ዘህልዅዎ ባህርያዊ ሃብቲ ድሕሪ ምክፋል ብቁጽሪ ኣብ ዓመት ዘለዉ መዓልታት(365) ተራቢሑ ዝህበካ ውጽኢት የመልክት።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

እዚ ብቁጠባዊ ዓይኒ ምስ ዝርአ፣ ደቂ ሰባት ኣብ ምክፋል ዕዳ ተፈጥሮኣዊ ዕቃበ (EOD) ይኣትዉ ከምዘለዉ ዘመልክት ኮይኑ፣ ብሕጽር ዝበለ ደቂሰባት ልዕሊ መጠን ወይ ካብ ዘድልዮም ንላዕሊ ባህርያዊ  ሃብቲ ተፈጥሮ ከምዘህልኹ ዘዘኻኽር ዓመታዊ መዓልቱ ዕለት 29 ሓምለ 2019ዓምፈ ከምዝውዕል ተፈሊጡ።

እዚ መዓልቲ’ዚ ብግሎባዊ መርበብ ኣሰር (Global Footprint Network) ዝተጸንዐ ትካልን ብብዙሓት ካልኦት መኽሰብ ኣልቦ ማሕበራት፣ ከም ግሎባዊ መጽናዕቲ ሓበሬታ መርበብ ኣሰርን (Information about Network calculations)፣ ሃገራዊ ዕቃበ ተፈጥሮኣዊ ኣሰርን (National Econlogical footprint) ዝኣመሰሉ ተኽተልቶም ተሓጊዞም ቀጻሊ ጎስጓስ ከምዝገብሩ ይፍለጥ።

ድሕረ ባይታ

ናይ መጀመርያ ዳህሳሲ ናይ’ዚ መዓልቲ-ሃልኪ ልዕሊ-ዓቕሚ-መሬት (Earth overshoot) ዝብል ኣምር፣ ብብርጣንያዊ ኤንድሪው ሲምስ ዝበሃል መስራቲ ናይ ሓድሽ ቁጠባ መሰረት ፎልቂ ፍጥረት (Think thank new economics foundation) ዝተባህለ ትካል ኢዩ። ግሎባዊ መርበብ ኣሰር (Global Footprint Network)  ምስ ቁጠባዊ ሓድሽ መሰረት (New Economics Foundation) ዝበሃላ ትካላት ሓቢረን ጎስጓስ ብምግባር ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ ማለት ኣብ’ዛ መሬት ዝተወሰነን ብግዜ ዝውዳእን ባህርያዊ ሃብቲ ከምዘሎ መላእ ህዝቢ ዓለም ኣፍልጦ ንኽህልዎ ዝሰርሓ ትካላት ኮይነን፣ ትካል ግሎባዊ መርበብ ኣሰር (Global Footprint Network) ኣብ ሃልክን ቀረብን ባህርያዊ ኣገልግሎትን ኣተኲሮም ናይ ኣፍልጦ ኣገልግሎት ብምሃብ፣ ኣብ ካብ 8 ኣዋርሕ ዘይበዝሕ ጊዜ ነቲ ዓመታዊ መሬት ክትህቦ እትኽእል ናይ ዝሕደስ ባህርያዊ ሃብትን ዝተበከለ ኣየርን (CO2) ከምዝሃልኽ ይሕብሩ።

ኣብ መብዛሕትኡ ታሪኽ ዓለምና ደቂሰባት ንከተማታትን ትሕተቅርጽን፣ ንመግብን ካልኦት ምህርትታትን ከምኡ`ውን ምስ ዓቕሚ መሬት ዝሳነ ካርቦንዲኦክሳይድ ንምፍራይ፣ ባህርያዊ ሃብቲ ይጥቀሙ ከምዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ይኹን እምበር ካብ ምጅማር 1970ታት ጀሚሩ ሃልክታት ብናይ 2 ዕጽፊ ዓቐን ብምውሳኽ ነቲ ቀይሕ መስመር ሰጊሩ፣ ካብ`ቲ መሬት ዓመታዊ እተፍርዮ ንላዕሊብ 1.5 ብምዝያድ ክሃልኽ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ። እዚ ማለት ድማ ቅድሚ መፋርቕ 21 ክፍላዘመን ፕላኔት መሬት ዓመታዊ ኣብ 2 ዓመት እተፍርዮ ባህርያዊ ሃብቲ ከተህልኽ ትግደድ ምህላዋ ዝፍለትጥ ኮይኑ፣ ደቂ ሰባት ኣብ ዓመት 2 ክንዲ መሬት ዝኾና ፕላኔታት ዝፈርይኦ ባህርያዊ ሃብቲ ክሃልኩ ከምዝኾኑ የመልክት። ጎስጎስቲ ናይ ሃልኪ ልዕሊ ዓቐን መሬት (EOD) ከምዘመልክትዎ፣ ልዕሊ መጠን ሃልኪ ናይ ባህርያዊ ሃብቲ፣ ሳዕቤኑ ካብ ግዜ ናብ ጊዜ እንዳ ጎልሐ ይኸይድ ከምዘሎ ዘመላኽቱ ከም ምልውዋጥ ክሌማ፣ ለምዕታት ብፍጥነት ጋዝ ብምትፋእ ልዕሊ ስሕበት ኣግራብን ውቅያንሳትን ምዃን፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ምብራስ ኣግራብ፣ ምጽናት ዘርኢ፣ ፍረ ኣልቦ ምግፋፍ ዓሳ፣ ናህሪ ዋጋታትን ሕብረተሰብኣዊ ዘይምርግጋእን የስዕብ።

ነቀፌታ

ብሬክ ሱሩ (Breakthrough) ዝተባህለ ተቍዋም ብዛዕባ ልዕሊ መጠን ሃልኪ መሬትን (Earth overshoot Day) ክንደይ ዓቕሚ ናይ ክንዲ መሬት ይሃልኽ ንዝብል ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት መጽናዕቲ ተበጊሱ፣ ኣግራብን ምግፋፍ ዓሳን ገለ ካብቶም ብቅልጡፍ ዝትክኡን፣ ካብ ዝነበርሉ ንላዕሊ ክስስኑ ዝኽእሉ ምዃኖም ብምሕባር፣ እቲ መጠን ዕቤት ናይ ዝሕረስ መሬትን ንመጋሃጫ ዝፍለን’ውን እንተኾነ ማዕረ’ቲ ንኸምኡ ተፈልዩ ዘሎ ቦታታት እምበር፣ ልዕሊ መጠን ዝኸይድ ከምዘይኮነ ብምግልጽ፣ ነቲ ብልዕሊ መጠን ሃልኪ መሬት (EOD) ብዛዕባ መሬትን ማይን ዝተጠቅምሉ ኣገባብ መጽናዕቲ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ክሕብሩ እንከለዉ፣ እቲ ወድሰብ ዝተፍኦ ዝተበከለ ኣየር (CO2) ግን ልዕሊ ስሕበት (absorb) ከምዝኾነ ኣስሚርሉ። እዚ ማለት ደቂ ሰባት ካልእ ነዚ ዝተበከለ ኣየር ከሓድስ ዓቕሚ ዘለዎ በግራብ ዝመልአ መሬት የድሊ ብምባል ይገልጹ።

ግሎብዊ መርበብ ኣሰር (Global Footprint Network) ብዛዕባ ንናብራ ደቂ ሰባት ዘድልዮ ጠለባትን ቀጻልነት ደቂሰባት ዘውሕስን ኣመልኪቶም ክዛረቡ እንከለዉ፣ ድምር ናይ ኩሎም ኣብ’ዚ መድሪ ዘለዉ ጠለባት፣ ልዕሊ እታ ፕላኔት ከተሕድሶን ቀጻልነቱ ከተውሕሰሉን ትኽእል ዓቕሚ ከምዝኾነ ይገልጹ። ገለ ድማ ነዚ ሓቤሬታ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምሉእ ኣይኮነን፣ መኽንያቱ እዚ ኣብ ግምት ኣትዩ ዘሎ ንኹሎም ጠለባት ደቂሰባት  ኣየጠቓለለን፣ ብተወሳኺ’ውን ልዕለ-ግምት ናይ ባህርያዊ ትሕዝቶ ማለት እዚ ናይ’ዚ እዋን’ዚ ፍርያት ክሳብ ክንደይ ንናይ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ፍርያት ይጸልዎ፣ ማለት ከም ልዕሊ መጠን ትሕተ መሬታዊ ማይ ምጥቃምን ፍግረመሬትን ኣብ ናይ ቀጻሊ ፍርያት ዘስዕብዎ ሃስያ ብትኽክል ምፍላጥ የድሊ ይብሉ። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ጉዳይ ዘሎ ህልው ኣረኣእያ ናይ’ዚ ጊዜ’ዚ ብሓፈሻ ተፈጥርኣዊ ብርሰት ወይ ግሎባላዊ ሃልኪ ዘካተተ ኮይኑ ኣብ 2 ምዕራፋት ናይ ሩትለጅ ናይ ዘላቕነት መሓበሪ (Routledge Sustainability Indicator) ወከርናገል አን ቢን (Wackernagel A and B) ዝብል መጽሓፍ ብዕምቆት ተተንቲኑ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ስለ`ዚ ተፈጥሮኣዊ ኣሰር (Ecological footprint) ዝበሃል መዓቀኒ ናይቶም ዝተሓቱ ናይ ዘላቕነት ባእታታት ደኣ’ምበር ንመሰረታውያን መለኪዒታት ወይ ባእታታት ናይ ዘላቕነት ዘተቓልል ኣይኮነን ብምባል ይገልጹ።

መስራትን ፕረሲድንትን ናይ ግሎባላዊ መርበብ ኣሰር (Global footprint Network) ዝኾነ ማቲስ ዋከርናገል ከም ግብረ መልሲ ንናይ ብብሬክ ሱሩ ዝፍለጥ ተቊዋም፣ ጉዳይ ናይ ሕርሻ መሬት, ኣብ ተፈጥሮኣዊ ኣሰር (Ecological footprint) ብምክታት ኣብ ውሽጢ ሓቤሬታ ናይ ልዕሊ-መጠን-ሃልኪ-መሬት (Earth Overshoot Day) ክጠቓለል ከምስኽእል ክሕብር እንከሎ፣ ብዛዕባ ምዕባለታቱ ብዝምልከት ግን ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ውጻኢ ዝኾኑ ሓበሬታት ከምዘድልይዎን ናብ ዝዓበየ ግሎባላዊ ናይ ልዕሊ መጠን ሃልኪ ከምዝዝርጋሕን ብምስማር፣ ከም ናይ ልዕሊ መጠን ምግፋፍ ዓሳ ዝኣመሰሉ ሓቤሬታታት ካብ ናይ ደገ ሓቤሬታታት ከውሰዱ ከምዝግብኦም ግሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
29 July 2019, 14:18