ድለ

 	2019.02.03 ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣቡዳቢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ 2019.02.03 ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣቡዳቢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ  

መራሕቲ ምስልምና ነቲ ኣቐዲሙ ዝተኸተመ ሰነድ ሕውነታዊ ስምምዕ ተቀቢሎም!

ነቲ ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ዓቢ ኢማም ናይ ኣልኣህዛር ኣሕመድ ኣልጣይብን ኣብ አቡዳቢ፣ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ብሓባር ንዝኸተምዎ ሰነድ ንምድጋፍ 22 ዝኾኑ መራሕትን ሊቃውንትን ተኸተልቲ ምስልምና ካብ እስላማዊ ሕብረት ሱኒ፣ ሺዓ ከምኡ’ውን ሱፊ ዝተዋጽኡ 15 ገጻት ዝሓዘ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

እዞም 22 መራሕትን ሊቃውንትን እምነት ምስልምና ኣባላት እስላማዊ ሕብረት ሱኒ፣ ሺዓ ከምኡ`ውን ሱፊ ኮይኖም፣ ነቲ ካብ ዕለት 3-5 የካቲት 2019ዓምፈ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣቡዳቢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ስዒቡ ብቅዱስነቶምን ዓቢ ኢማም ናይ ኣልኣህዛር ኣሕመድ ኣልጣይብን ዝተኸተመን ‘ሕውነት ደቂ ሰባት ንናይ ሰላም ዓለምን ሓባራዊ ናብራን’ ዝተሰምየን ሰነድ ዳግም ብምምልካትን ሓባራዊ ዘተ ብምክያድን ከም መንገዲ ሰላምን መጋበሪ ሕድሕዳዊ ምፍላጥን ከምዘጽደቅዎ ተመልኪቱ።

ንምፍላጥን ምድግጋፍን ሕውነት የድሊ!

እዚ 15 ገጻት ዘለዎ ሰነድ እዚ እንታይ ተባሂሉ ይሰመ ምስ ተባህለ ኣብ ሃገረ ጣልያን ናይ ዝርከብ ማህበረሰብ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ኣቦ መንበር ዝኾኑ ኢማም ያሕያ ፓላቪቺኒ ምስቶም ናይ ሃገረ ፈረንሳ ማእከል ምርምር እምነት ምስልምናን ካልኦት ናኣሽቱ ጒጅለታትን ዝተዋጽኡ ምስቶም ብ2007 ናብ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 መልእክቲ ዝጸሓፉን ብ2016 ኣብ ማራከሽ ብዛዕባ ውሁዳን እምነታውያን ዝኸተሙን 138 ዝኾኑ ሊቃውንትን ‘ሕውነት ንኣገልግሎት ምፍላጥን ምድግጋፍን’ ዝብል ኣርእስቲ ሂቦም ክታሞም ኣምቢሮምሉ።

ንሕውነት ብግብሪ ንምምስካር ብዙሕነት ሓጋዚ እዩ!

ነቲ ቅዱስነቶም ምስ ዓቢ ኢማም ክታሞም ዘንበሩሉ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓልከስ 22 መራሕትን ሊቃውንትን ምስልምና ‘ብዙሕነት ከም ምግዛእን ምስዳዕን ወይውን ኣንጻር ተጻዋርነት ምቋም ዘይኮነስ እግዚአብሔር ከም ናይ ሕውነት ጸዋዕታ ዝሃበና ጸጋ ምዃኑ ብምእማን ክነብሮ ዘሎና ዓቢ ህያብ እዩ። ነቲ ኣብ ቊርዓን ሃይማኖታዊ ዘተ ከምዘድሊ ዘመልክቶ ከኣ ግዜኡ ከምዝበጽሔ የመልክተልና ኣሎ` ኢሎም።

ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ናይ ዘተ መርበብ ምህናጽ!

ናይ’ዚ ጽሑፍ እዚ ዕላማ ብኣገላልጻ ኢማም ፓላቪቺኒ ‘ብዛዕባ እቲ ዝወጸ ኣዋጅ ትሕቶኡን ቋንቋኡን ንምስትንታንን ብሕውነታዊ መንገዲ ንምዝታይን ኰይኑ እንተተኻኢሉ ከኣ ጽጹይ ኣሉታውን ኣዎንታውን ሚዛን ጌርካ ብዘይ ሕብእብእ ናይ ሥነሓሳብ ወይ ፖሎቲካዊ ነገራት እንተሎ ምእላይ ዘድልዮ ክትኣሊ እውን ይከኣል’ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ከኣ ‘እቲ ሰነድ ኣብ መንጎ ተኸተልቲ እስልምና ምምቅቃል ከምዘሎ የመልክት ኰይኑ ግን ብድፍኢት ናይቲ ዓቢ ኢማም ናይ ኣልኣዝሃር ንቅድሚት ክስጉም ክኢሉ። ሕጂ እውን እንተኾነ ኣብ መንጎ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ናይ ምምቅቃል ጸገም ከየምጽእ ክዝተየሉ ኣለዎ` ይብሉ። እቲ ዘተ ኣብ ምስ ክንዮ ዶባት እምነታት ሰጊሮም ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣስላምን እውን ኣብ በቦታኡ ሰብኣዊ ሕውነት ንምፍጣር ተበግሶ ክውሰድ እዚ ከኣ ኣብ ማሕበረኮማዊ ደረጃ ኣብ ዕለታዊ ናብራስ ይኹን ኣብቲ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ዝዋስኡሉ መካነ ጥበባት ንክድንፍዕ ናይ ዘተ መርበብ ምህናጽ ከምዘድሊ ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 July 2019, 19:08