ድለ

ኰሎምቢያ፡ ኣልቫረዝ ቦተሮ፥ ናይ ጳጳሳት ጻዕሪ ንናይ ሰላም ኪደት ሓይሊ እዩ ኰሎምቢያ፡ ኣልቫረዝ ቦተሮ፥ ናይ ጳጳሳት ጻዕሪ ንናይ ሰላም ኪደት ሓይሊ እዩ 

ኰሎምቢያ፡ ኣልቫረዝ ቦተሮ፥ ናይ ጳጳሳት ጻዕሪ ንናይ ሰላም ኪደት ሓይሊ እዩ

ኣብ ከይዲ ናይ ሰላም ዘተን ብሔራዊ ዕርቅን ምጽናዕ ዝብል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኰሎምቢያ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ዝሃብዎ ምዕዳን

ናይ ኮሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 6 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ከተም ቦጐታ ኤኮኖሚ ነገልግሎት ሰብኣዊ ክብርን ንናይ ሓባራዊ ጥቕምን ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይቲ ቤተ ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኤልኪን ፈርናንዶ ኣልቫረዝ ቦተሮ ምስ ቫቲካን ራዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ብስልኪ ኣብ ዘካየደዎ ቃለ መሕትት፡ ጻዕሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኰሎምቢያ ንናይ ሰላምን ዕርቅን ኪደት ሓይሊ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ኢማዕርነታውነት ዘጉልሕ ከይዲ ኤኮኖሚ ኣብ ዝሰፍሓላን ኣብ መንጐ ድኻታትን ሃብታማትን ዘሎ ፍልልያት ኣዚዩ ክብ ኣብ ዝብለላን ናይ ሰላም ስምምዕ ኪደትን ትግባሬታቱን ሰለይ ኣብ ዝብለላልን ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ናይ ተፈጥሮ ሃብታ ንውልቃዊ ረብሓ ኣብ ዝመዝመዘላ ዘላ ሃገረ ኰሎምቢያ ኤኮኖሚ ንናይ ሰብኣዊ ክብርን ንሓባራዊ ጥቕምን ኣገልግሎት ክውዕል ምዝታይ ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር መፍትሒ ኩሉ ሓቅን ፍትሓውነትን ማዕርነትን ምዃኑ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ነዚ ሓሳብ ከምዘስመረሉ ንናይ ኰሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓድሽ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዝተሓርዩ ብፁዕ ኣቡነ ኤልኪን ፈርናንዶ ኣልቫረዝ ቦተሮ ሓቢሮም፥

በርገሳውያን መራሕትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማጐትቲ

ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ ኰሎምቢያ ኣዚዩ ብዘሰፍክ ደረጃ ዝሰፍሕ ዘሎ መጥቃዕትን መቕተልትን ኣብ ልዕሊ በርገሳውያን መራሕትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማጐትቲን ብዙሕ ከምዘተሓሳስቦምን ኣብ 2018 ዓ.ም 72 ሰባት ከምእተቐትሉን ኣብ መባእታ 2019 ዓ.ም. እውን ውጥረትን ዓመጽን ቀጺሉ ኣብ ዜጋታት ዓቢይ መጉዳእቲ የውርድ እውን ምህላዉን፡ ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ክውገድን ብፍላይ ብናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጸም ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ መጥቃዕትን ቅትለትን ኩሉ ክውገድ ኵለ መዳያዊ ሕንጸት ብምቕራብ ትቃለስ ከምዘላ ኣብቲ ዘካየድዎ ጉባኤ ሓቢሮም ብፍላይ ምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ኣብ መንእሰያት ዘስዕቦ ዘሎ ውልቃውን ሰብኣውን ማሕበራውን ማህሰይቲ ማንም ብሱቕታ ክሓልፎ ዘይብሉ ኣብ ኩሉ መድረኻት ቀዳምነት ዝወሃቦ ርእሰ ጉዳይ ኰይኑ ሃገርን ሕዝብን እዚ ሰብኣውን ማሕብራውን መንሽሮ ንምውጋድ ብሓባር ክዓጥቕ ከምዘለዎ ከምዘተሓሳሰቡ እዞም ናይ መደሊን ሰበኻ ተራዳኢ ጳጳስን ናይ ኰሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓድሽ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ቦተሮ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡

ናይ ሰላም ስምምዕ ምስ ሶውራዊ ዕጡቓት ሓይሊ ኰሎምቢያ

ምስቲ ናይ ኰሎምቢያ ሰውራዊ ዕጡቓት ሓይሊ ግንባር ድሕሪ ናይ ሰላም ስምምዕ ናብ ናይ ፖለቲካ ውድብ ተቐይሩን ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ መዓልታት ልዕሊ 13 ሺሕ ዝግመቱ ናይቲ ግንባር ኣባላት ዝነበሩ ድሕሪ ናይ 2016 ዓ.ም. ናይ ሰላም ስምምዕ ዕጥቆም ከምዝፈትሑን ነዞም ኣባላት ሶውርያዊ ግንባር ንዝነበሩ ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ብሰላም ንኽነብሩ ዘብቅዕ ኰለ መደያዊ ድጋፍ ካብ ቤተ ክርስቲያን ይረኽቡ ከምዘለዉን፡ ኣብተን ብዙሓት ኣባላት ዕጡቓት ሓይሊ ዝወጹለን ንዝነበራ ካብቢታት ብፍላይ ዘተኰረ ድጋፍ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ሰላም ብሓደ መዓልቲ ዘይኰነ ብናይ ኩሉ ተዋሳእነትን ጽቡቕ ድላይን እዩ ዝሕነጽ፡ ስምምዕ መሰረታዊ እውን እንተዀነ ንበይኑ እዅል ኣይኰነን ስለዚህ እቲ ሰለይ ዝብል ዘሎ ትግባረ ናይ ሰላም ስምምዕ ሸቶኡ ክወቕዕ ኩሉ ኣብ ኪደት ሰላም ከከም ሓላፍነት እጃሙ ከበርክት ጻውዒት ከምዘመሓላለፈ ገሊጾም።

ምስ ብሔራው ሓርነት ግንባር ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ

ኣብ ኰሎምቢያ ምሉእ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሰላም ውሑስ ንምግባር ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ዝዋሳእ እቲ ገዛእ ርእሱ ብሔራዊ ሓርነት ግንባር ኰሎምቢያ ቢሉ ዝሰመየ ኣብ 2017 ዓ.ም. ምስ ዝነበረ መንግስቲ ዘበገሶ ናይ ሰላም ዘተ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቦጐታ ኣብ ዝርከብ ብሔራዊ ናይ ሓይሊ ጽጥታ ተቕዋም ዝተፈጸመ 21 ዜጋታት ንሞት ዝዳረገ ግብረ ሽበራ ምኽንያት ብውሳኔ ርእሰ ብሔር ኢቫን ዱከ ከምእተቛረጸን፡ ይዅን ደኣ እምበር ቤተ ክርስቲያን እቲ ናይ ሰላም ዘተ ክብገስ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ተነቓቕሕን ርካባት እውን ተካይድ ቢሎም፡ ጸገም ዘሎ እዩ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ናይ ሰላም ናይ ስምምዕ ዘተ ምቁራጽ መፍትሒ ኣይኰነን፡ ኣብ ከይዲ ናይ ሰላም ዘተን ብሔራዊ ዕርቅን ምጽናዕ ዝብል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኰሎምቢያ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ዝሃብዎ ምዕዳን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ቤተ ክርስቲያን ብምቅላሕ እቲ ናይ ሰላም ዘተ ክብገስ ተተባብዕ ኢሎም።

ጉዳይ ስደተይናታት

ብምኽንያት ሕድ ሕዳዊ ውግእን ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ምኽንያት ኰሎምቢያ ካብ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ብዝሒ ናይ ውሽጢ ስደተይናን ተመዛባልን ዝረኣየላ ሃገር እያ፡ ውሽጣዊ ምዝብልናን ስደትን ኣዚዩ ክብ ዝበለላ ሃገር እያ፡ ብኻልእ መዳይ እውን ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ቨነዝወላ ዝስደዱ ብዙሓት እያቶም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኰሎምቢያ ኣብቲ ምስ ቨነዝዋላ ዘዳብው ከባቢ ነቶም ስደተይናታት ብቐረባ ብምክትታል ኵለ መዳያዊ ደገፍ ተቕርብ፡ ብዙሕ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዘድልዩ ጉዳይ እዩ፡ ጽቡቕ ድላይ ዘይምዕባር ዝሓትት ምዃኑ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም። 

ኰሎምቢያ፡ ኣልቫረዝ ቦተሮ፥ ናይ ጳጳሳት ጻዕሪ ንናይ ሰላም ኪደት ሓይሊ እዩ
20 July 2019, 17:16