ድለ

ኤርትራ፡ ዕጽዋ ተሪፉ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ቤት ክንክን ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ዕጽዋ ተሪፉ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ቤት ክንክን ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን 

ኤርትራ፡ ዕጽዋ ተሪፉ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ቤት ክንክን ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

ብጠቕላላ 22 ኣገልግሎት መውሃቢ ክንክን ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብወሳኔ መንግስቲ ኤርትራ ከምእተዓጸወን፡ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምዕጻው መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርቲያን

ናይ ሃገረ ኤርትራ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘገልግላ ኣባይቲ መውሃቢ ክንክን ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጠቕላላ ኵለን 22 ኣባይቲ ሕክምና ከዕጸዋ ከምዝገበረ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብቲ ኣባይቲ ህክምና ዘገልግላ ደናግል ንመውሃቢ ሕክምና ዝጥቀማሉ መሳርዕ ኩሉ ካብቲ ንብረት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ሕክምና ብዘይ ምንም ኣምቢተይናነት ከምዘውጸኣን፡ ኣብ መወዳእታ እታ ተሪፋ ዝነበረበት ኣብ ዛገር እትርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከምእተዓጸወት ሎሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዛገር እትርክብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣገልግሎት መውሃቢ ክንክን ጥዕና ብናይ መንግስቲ ሓይሊ ጸጥታ በስገዳድ ከምእተዓጸወን እተን ኣብቲ ቤት ሕክምና ዘገልግላ ዝነበራ ደናግል ብሓይሊ ካብቲ ቤት ሕክምና ክወጻ እውን ክመእተገዳ ዝሓበረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣስዒቡ፡ እቲ ኣብታ ካብ ከተማ ኣስመራ ኣስታት ሳላሳ ኪሎሜትር ርሕቐት ኣብ እትርከብ ቑሸት ዛገር ዝነበረ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንወላድ ኣዴታትን ከምኡ እውን ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘቕርብ ዝነበረ ክኸውን እንከሎ፡ ብጠቕላላ 22 ኣገልግሎት መውሃቢ ክንክን ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብወሳኔ መንግስቲ ኤርትራ ከምእተዓጸወን፡ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምዕጻው መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርቲያን፡ ኣብ ኤርትራ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብታ ሃገራዊ ቅዋምን ዘይብላን ውዱብ ርእሰ ብሔርን ሓጋግን ሕዝባውን ባይቶ ምርጫ ፈጺሙ ኣብ ዘይተኻየደላን ሃገሮም፡ ሃገራዊ ዕርቅን ፖለቲካዊ ሕዳሴን ክካየድ ዝጽውዕ ንዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ግብረ መልሲ ከይኰነ ከምዘይተርፍ ይንገር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ እቲ ዝፈጸሞ ዕጽዋ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተቐዋማት ኣገልግሎት መውሃቢ ክንክን ጥዕና፥ ናይ ሃይማኖት ተቐዋማት፡ ኣብ ኣገልግሎት መውሃቢ ክንክን ጥዕናንን ኣባይቲ ትምህርትን መደባት ሕርሻን ንኣረጋውያን ዝወሃብ ኣገልግሎትን ዝምልከት ኩሉ ንጥፈታት ውሱን ክኸውን ዝብል ኣብ 1995 ዓ.ም. ብዝተኣወጀ ሕጊ መሰረት እዩ እንክብል ይምልሽ።

ኤርትራ፡ ዕጽዋ ተሪፉ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ቤት ክንክን ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን
09 July 2019, 18:37