ድለ

በስመ ወልድ በስመ ወልድ  ታሪኽ

በስመ ወልድ

ወደይ ብፍርዲ ሞት ይስኣን ደሓር እውን ንጹሕ እዩ ይበሃል፡ ብጀካ ምሕረት ኵሉ ደረት ኣለዋ

ብዘይ ወዓሎን ብዘይ ዘፈጸሞን ወደን ዝተኣሰረን ስዒቡ ብጥይት ክቕተል ተበይንዎን ዝተቐትለን ነቲ ሓደ ወደን በዚ ኢፍትሓዊ ፍጻሜ’ዚ ዝሰኣና ኣደ፥ ኣደታት ንጸረ ፍርዲ ሞትን መግረፍትን ዝንቀሳቐስ ማሕበር ዝመስረታ ታማራ ቺኩኖቫ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ዳቪደ ዲዮኒሲ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ታሪኽን ክገልጻ እንከለዋ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጀካ ምሕረት ካልእ ኵሉ ደረት ኣለዎ፥ ዝብላ ተወላዲት ኡዝበኪስታን ወደን ወዲ 21 ዓመት ዝዕድሚኡ ዲሚትርይ ቺኩኖቭ ብዘይ ፈጸሞ ገበን ተኸሲሱን ተኣሲሩን መቕተልቲ ብጥይት ዝብል ፍርዲ ሞት ተበይንዎ ዕለት 10 ሓምለ 2000 ዓ.ም. ከምእተቐትለን፡ ነዚ ስዒቡ ኣዴታት ንጸረ ፍርዲ ሞትን መግረፍትን ዝብል ማሕበር መስሪተን ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም እናተንቀሳቐሳ ታሪኸን የዘንትዋ፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ልዕሊ ወደን ዝተፈጸመ ግፍዒ ከይሓሰበኦ ሎሚ ኩሉ ዓቅመንን ፍልጠተንን ኣብ ባህሊ ጸረ ፍርዲ ሞትን መግረፍትን ኣብ ምክልኻል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክንቀሳቐሳ ከምዝገበረንን፡ ብፍላይ ኣቢያተ ማሕቡስ ንምስባእ (ሰብኣውነት ዝዓስሎ ክኸውን)፡ ኣብተን መግረፍቲ ዝፍጸመለን ሃገራት ብዙሕ ዝንቀሳቐሳን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ በይሎሩሲያ ኣተኵይረን ይዓያ ከምዘለዋ ሓቢረን፡ ኣብ ሃገረን እውን ከይተረፈ ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ናይ ሞት ፍርዲ ፍቑድ ዝብል ዓንቀጽ ክውገድ ዝገብረኦ ጐስጓስ ብቅዱስ ኢጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅሳስ ዝተደገፈን እቲ ጻዕረን ኣብ 2008 ዓ.ም. ናይ ሞት ፍርዲ ዝሓክኽ ሕጊ ከጸድቕ ከምዝገበረን፡ በዚ ናተን ጻዕሪ መሰረት መንግስቲ ሃገረን እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ውጉዝ ዝበሎ ውሳኔ ስዒቡ ብዙሓት ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎም ዝነበሩን ንናይ ሞት ፍርዲ ብየና ተቓሊዖን ዝነበሩ ሕይወት ከምዘድሓናን ዲዮኒዚ ይሕብሩ።

ዕለት 17 ሚያዝያ 1999 ዓ.ም. ናይ ወደን ቤት ጽሕፈት ብሓይሊ ጸጥታ ተኸቢቡን ተፍታሽ ምስ ተፈጸመ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣተሓሳሲብወን ብዛዕብኡ ከምዝሓተታን እቲ ተፍታሽ ናይ ሓይሊ ጸጥታ ልሙድ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ጥራሕ ምዃኑ ከምእተሓበረንን ይኹን ደኣ እምበር ካብታ ዕለት እቲኣ ወደን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምእተዳጐነን፡ ንሰን እውን ናብ ቤት ጽሕፈት መርማሪ ሓይሊ ጸጥታ ተወሲደን መርመራ ተገይሩለን መግረፍቲ እውን ከምዘጓነፈንን ብዛዕባ ወደን ዝፈልጠኦ ሓበሬታ ክህባ ብዙሕ ኣካላውን ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ጸቕጢ እውን ከምዝወረደን ሓቢረን፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ንወደን ክበጽሓን ክርእያን ከምዝኸኣላ ይገልጻ።

ወደን ክልተ ሰባት ቀቲልካ ዝብል ንዝቐረበሉ ክሲ ተቐቢሉን ገበነይና እየ ዝብል ሰነድ ክፍርም ተሓቲቱን ንሱ እውን ዘይወዓሎ ገበን ከምዝዀነን፡ ዝፈጸሞ ገበን ከምዘየለ ገሊጹ ኣይፍርምን ምስ በለ፡ ወይ ፈርም ወይ ክትቕተል ኢኻ ቢሎም ኣእዳዉ ኣሲሮም ሽጉጥ ደቂኖም እውን እተፈራርሕዎ እቲ ገበን ዘይፈጸመ ክነሱ ክፍርም ተገደ፡ ዕለት 10 ሓምለ ዝተበየኖ ፍርዲ ሞት ተፈጸመ፡ ኣብ ዝጽሕፈለይ ዝነበረ መልእኽቲ፡ ክብርቲ ኣደይ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ገበን ኣይፈጸምኩን፡ ሓደራኺ ኣይትረስዕኒ ከምዝበለንን፡ ንስኺ እታ ኣብዚ ዓለም ኣዝየ ዝፈትዋ ናይ ሕይወተይ ክብርቲ ኣካል ኢኻ ከምዝበለን ዘኪረን፡ ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዘን ብስመ ወልድ ብዝብል መርሕ ቃል ጸረ ናይ ሞት ፍርዲድን መግረፍትን ክንቀሳቐሳን ኣብዚ መዳይ ከተሓባብራን ዝተፈላለየ ጐስጓስ ከበግሳ ጀመራ፡ ሕነ ንምፍዳይ ዘይኰነ ምስ ሕጊ ዝፍጸም ጸረ ሕይወት ዝዀነ ፍርዲ ሞት ክውገድ ጻውዒት ኣብ ምቕራብ ዓጢቐን።

ዕለት 1 ጥሪ 2008 ዓ.ም. ኡዝበኪስታን ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ናይ ሞት ፍርዲ ዝፈቅድ ዓንቀጽ ክሕከኽ ገይራ ኣብ ዓለም ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጋተን ናይ ሞት ፍርዲ ዝፈቅድ ዓንቀጽ ኣብ ዝእለያ 134 ሃገር ተጸንበረት። ሓደ በቲ ንሰን ዘካየድኦ ጓስጓስ ጸረ ፍርዲ ሞትን መግረፍትን ምኽንያት ናጻ ዝወጸ ኤቭገንይ ጉግኒን ኣብ 2011 ዓ.ም. ናጻ ተለቒቑ ሎሚ ኣብ ታሽከንት ተማሃራይ ዘርኣ ክህነት ንምዃን ከምዝበቕዔ ኣዘኻኺረን ወደን ድሕሪ ሕልፈቱ መጋቢት 2005 ዓ.ም. ዋላ እውን እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተፈጸሞን ዝተቐትለን ይኹን ጉዳዩ ክጻረ ብጻዕረን ተሓቲቱ እቲ ገበን ከምዘይፈጸሞን ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ መርመራ ኰነ ዝተመሓላለፈ ፍርዲ ኢፍትሓዊ ዝብል ውሳኔ ተዋሂብዎ፡ ገበነይና ኣይኰነን ዝብል ፍርዲ ተዋህበ፡ ወደይ ብፍርዲ ሞት ይስኣን ደሓር እውን ንጹሕ እዩ ይበሃል፡ ብጀካ ምሕረት ኵሉ ደረት ኣለዋ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

በስመ ወልድ

Photogallery

በስመ ወልድ
18 July 2019, 17:13