ድለ

ሓው ቢያጆ ከም ስደተይና ኣብ ኤውሮጳ

ሓው ቢያጆ ኮንተ 55 ዓመት ዝዕድመኦም ዓለማዊ መእመን ልኡካነ ወንጌል ኣብ 1993 ዓ.ም. ናይ ተስፋን ፍቕርን ተልእኾ ማሕበር ዝመስረቱን ነቲ ሓዉን ሓብቱን ምቕባልን ምእንጋድን ዝተሳእኖ ሕዝቢ ኤውሮጳ ሕልና ንኸበራብሩ

ኢጣሊያዊ ተወላዲ ፓለርሞ ዓለማዊ ልኡካነ ወንጌል መሰራቲ ተልእዀ ተስፋን ፍቕርን ድኻታትን ስደተይናታትን ናይ ኣእምሮ ስንኵላንን ግዳም ሓደርን ዝኣልይ ዝሓለፈ ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. እቲ ድኻታትን ህሙማንን ዝእለዩሉ ማእከል ብቕዱስ ኣቦና ዝተበጽሔን ኣነ እውን ስደተይና እየ ብዝብል መርሕ ቃል እቲ ዝነቐጸ ሕልና ኤውሮጳ ንምብርባር መደብ ጉዕዞ እግሪ ከምዝጀመሩ ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ ዝበጽሕወን ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ስደተይናታት ዜጋታት ኢጣሊያ ክራኸቡን ኤውሮጳ እቲ ዓቢይ ትጽቢት ዝግበረሉ እውነተይና ውህደት ክውን ክኸውን ከምዝሓትቱ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ካብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣነ እውን ስደተይና ክኸውን ካብ ኢጣሊያ ክወጽእ እየ፡ እዚ ኸኣ ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝስደዱን ዝመዛበሉን ኣሕዋትን ኣሓትን ቅርበቶን ንኸረጋግጹን ናይ ስቓዮም ዘጓንፎም ኵሉ መከራ ብጭቡጥ ተካፋሊ ንኽዀኑ ዘበገስዎ ናይ ኣነ እውን ስደተይና እየ ዝብል ናይ እግሪ ጉዕዝ ሓው ቢያጆ ዝጠቐሱ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡ ሓው ቢያጆ ኮንተ 55 ዓመት ዝዕድመኦም ዓለማዊ መእመን ልኡካነ ወንጌል ኣብ 1993 ዓ.ም. ናይ ተስፋን ፍቕርን ተልእኾ ማሕበር ዝመስረቱን ነቲ ሓዉን ሓብቱን ምቕባልን ምእንጋድን ዝተሳእኖ ሕዝቢ ኤውሮጳ ሕልና ንኸበራብሩ ከም ስደተይና ናብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ክዞሩ ምዃኖ ይሕብሩ።

ሓው ቢያጆ እቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ቅድሚ ምብጋሶም ኣብ ዘማሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ከም ስደተይና ካብ ኢጣሊያ እወጽእ ቢሎም፡ ብመርከብ ካብ ፓለርማ ናብ ጀኖቫ ገዛእ ርእሶም ስደተይና ክገብሩን እቲ ናይ ሰላምን ተስፋን መልእኽቲ ናብቲ ፈተናን ስደተን ኣሳዶን ኣብ ዝረአየሉ ከባቢ ከብጽሑ ምዃኖም ከምዝገለጹን፡ ካብ ጥቅምቲ 2018 ክሳብ መጋቢት 2019 ዓ.ም. ሓው ቢያጆ ኣብ መዓልቲ ናይ 25 ኪሎ ሜትር ጉዕዞ እግሪ ከምዝፈጸሙን፡ ዕለት 9 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ሰዓት ሓሙሽተ ጀኖቫ ኣብ ዝርከብ ወደብ ከምዝበጽሑን ቀጺሎም ናብታ ብዙሓት ናይ ኢጣሊያ ደቡብ ከባቢ ተቐማጦ ናብ ዝተሰደዱላ ከተማ ሚላኖ ክነቕሉ እዮም።

ቢያጆ ቀጺሎም ስዊዘርላንድ ጀርመንን በልጂምን ብምኻድ ምስ ናይ በርገሳውያንን ናይ ሃይማኖት ኣካላትን ከምኡ እውን ምስ ስደተይናታት ዜጋታት ኢጣሊያ ክራኸቡን ኣብ ብራሰልስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ሕንጻ ክበጽሑን እቲ ዓቢይ ትጽቢት ዝገበረሉ ሕልሚ ዜጋታት ኤውሮጳ ዝዀነ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ብዘይ ኣድልዎን ኣፋላላይን ዝኽበረሉን ሰብን ምህዳርን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝኽበረላ ኣብነት ተኻኣልነት ሕንጸት ብሉጽ ዓለም ዝዀነ እውነተይና ውህደት ኤውሮጳ ክረጋገጽ ዝብል ሕቶ ከቕርቡ ምዃኖም ዲ ቡሶሊ ኣፍሊጦም።

ሓው ቢያጆ ከም ስደተይና ኣብ ኤውሮጳ
10 July 2019, 17:39