ድለ

ኣርጀንቲና፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ታሪኽ ሕይወት ብዓቢይ ስእላዊ ዓውደ ምርኢት ኣርጀንቲና፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ታሪኽ ሕይወት ብዓቢይ ስእላዊ ዓውደ ምርኢት 

ኣርጀንቲና፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ታሪኽ ሕይወት ብዓቢይ ስእላዊ ዓውደ ምርኢት

መሕትት፡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ስእላዊ ዓውደ ምራኢት ናይ በርጐሊዮ ተክለ ሰብነት ንምልላይን፡ ብፍላይ ብመንፈሳውን ሰብኣውን ቀልባውን ፍልጠትን ፍልቀቶም ዝትንትን ብዛዕባ ተክለ ሰብነቶም ዘብርህ

ወስታን ቃላትን፥ ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ ሓድሽ ፍልማዊ ህላዌ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዛዕባ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕይወት ታሪኽ ዘዘንትው ብናይ ረፓብሊክ ኣርጀንቲና ጥርናፊ ማሕበር ሰራሐይናታት ዝተዳለወ ስእላዊ ዓውደ ምርኢት ኣብ ኣብ ርእሰ ከተማ ቡወኖስ ኣይረስ ንምርኢት ከምዝቐረበ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኤውጀኒዮ ሰራ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ምርኢት ንምስንዳው ዝደረኸ ሓሳብ፡ ቅዱስነቶም ኣርጀንቲናዊ ብብዙሓት ዝፍለጡ እውን እንተዀነ ምስቶም ዘይፈልጥዎም ንምልላይን ር.ሊ.ጳጳሳዊ ተክለ ሰብነት በርጐሊያ ብምቕራብ ኣብ ቤት ኩሉ ንኽኣትዉን ክእንገዱን ዝብል ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብዛዕባ እዚ ምስ መንነትን ቅዱስ ኣቦና ዘላልይ ዓውደ ምርኢት ኣመልኪቶም ኣብ ኢጣሊያ ፐሩጂያ መንበረ ጥበብ ናይ ግብረ ገብ ፍልስፍና መምህርን ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ናይ ቅዱስ ኣቦና ስነ ቀልባዊ ሕንጸት ዝምልከት መጽሓፍ ንንባብ ዘብቅዑን ሓደ ካብቶም ናይቲ ዓውደ ምርኢት ኣሰናዳኢ ፕሮፈሰር ማሲሞ ቦርገዚ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ስእላዊ ዓውደ ምራኢት ናይ በርጐሊዮ ተክለ ሰብነት ንምልላይን፡ ብፍላይ ብመንፈሳውን ሰብኣውን ቀልባውን ፍልጠትን ፍልቀቶም ዝትንትን ብዛዕባ ተክለ ሰብነቶም ዘብርህ እዩ።

ናይቲ ዓውደ ምርኢት ረቛሒ ሓሳብ ጸዋዕታ ዝብል እዩ፡ እዚ ኸኣ ምስ ቅዱስ ኣግናዚዩስ ዘሎዮላ ዝተኣሳሰረን፡ ማለት ንሶም ከም ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ወዲ እቲ ማሕበር ምዃኖም ዝገልጾም ኣብ ክርስቶስ ዝተማእከለ፡ ሞይቱን ተንሲኡን ዝብል በቲ ሓደ ሸነኽ ጸጋ እግዚኣብሔር በቲ ሓደ ወገን ድማ ኣብ ታሪኽን ኣብ ዓለም ብቕጻልነት ክዋሳእ ዘለዓዕሎ ሰብኣዊ ናጽነት ዘመላኽት እዩ፡ ናይ በርጐሊዮ ጸዋዕታ ንወጌላዊ ልኡክነት እዩ፡ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብናቶም ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣምር፡ ቤተ ክርስቲያን ልእኽትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውዲ እትርከብ ቤት ሕክምና ዝብል፡ ካብ ገዛእ ርእሳ ወጻኢ ናብ እትብል፡ ነቶም ርሑቕ ዘለዉ ወንጌል እተበስር፡ እቶም ቀረባ ዘለዉ ውሑዳት ብምዃኖም፡ ስለዚህ እቲ ናይ ወንጌላዊ ልኡክነት ጸዋዕታኦም ብዝግለጽዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ኣቢሎም ይነብርዎ ኣለዉ፡ እዚ ዓውደ ምርኢት ብታሪኽ ሕይወቶም ኣቢሉ ነዚ ዘንጸባርቕ እዩ ኢሎም።

ካብቲ ስእላዊ ምርኢት ታሪኽ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባኦም ብድምቀት ዝገልጾ ክፍለ ተክለ ስብነት ኣሎ፡ እዚ ኽኣ ናይ ድኻ ር.ሊ.ጳ. ምዃኖም ዘነጽር እዩ፡ ናይ ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ብሓፈሻኡ ናይታ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን መግለጺ እዮም። ዓበይቲ ልበ ወለድ መጻሕፍት ብዙሕ ዘንብቡ፡ መጻሕፍቲ ናይ ዶስቶየቭስኪን ኣለሳንድሮ ማንዞኒን ግጥምታት ቦርገስን …. ካልኦትን፡ ጥልቂ ፍልስፍናውን ቲዮሎጊያውን ሕንጸት ዘለዎም፡ ብፈረንሳውያን ኢየሱሳውያን ሊቃውንት ጋስቶን ፈሳርድን ሀንሪ ደ ሉባክን ምልኩት ዝዀነን ብፍላይ ሮማኖ ጉዋርዲኒ ዘንጸባርቕ፡ ደሓር ብቮን ባልታሳር ምልኩት ዝዀነን፡ ኣብ ጭቡጥ ኵነት ዓለም ክጥሕሉ ዝድርዀም ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ሕንጸቶም ጥራሕ ዘይኰነ ጸላይነቶምን ዝነብርዎ ሰቂለ ህሊናዊ መንፍሳውነቶም እዩ፡ እቲ ዓውደ ምርኢት ብዝተኻእሎ መጠን ነዚ ኩሉ ዘንጸባርቕ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኣርጀንቲና፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ታሪክ ሕይወት ብዓቢይ ስእላዊ ዓውደ ምርኢት
16 July 2019, 17:05