ድለ

ሕማምን ሞትን ኣብ ሊቢያ ኣባይቲ ማሕቡስ ስደተይናታት ሕማምን ሞትን ኣብ ሊቢያ ኣባይቲ ማሕቡስ ስደተይናታት  

ሕማምን ሞትን ኣብ ሊቢያ ኣባይቲ ማሕቡስ ስደተይናታት

ኣብ ናይ ስደተይናታት ቤት ማእሰርቲ ሊቢያ ዘሎ ናይ ጥዕና ጉዳይ ኣዚዩ ዘሰክፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ

ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ሊቢያ ደቡባዊ ከባቢ ትሪፖሊ ኣብ ዝርክቡ ናይ ዚንታንን ጋርያንን ናይ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት መጽንሒ ቤት ማእሰርቲ 22 ሰባት ብዝተፈላለዩ ሕማም ከምዝጥርጠር እውን ብሕማም ዓባይ ሰዓል ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ኣብ ዝእሰርሉ ኣባይቲ ማእሰርቲ ዘሎ ቅልውላው ክንክን ጥዕና ኣዚዩ ዘሰክፍ ምዃኑ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ካብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብ ዝሓለፈ 2018 ዓ.ም. ወርሒ መስከረም ንነጀው ኣብ ሊቢያ ቤት ማሕቡስ ዘይሕጋውያን ሰተይናታትን ካብ ሰለስተ ክልተ ንሞት ሓደጋ ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ጸብጻብ እቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ የረጋግጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ኣብቲ ኣብ ሊቢያ ኣብ መንጐ ናይ ኣል ሰራጅን ናይ ሃፍታርን ዕጡቓት ሓይሊ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ኣብ ዝካይድሉ ከባቢ ብሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ኣባላቱ ኣቢሉ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና የቕርብ ምህላኡ ክንገር ኣንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዚንታን ልዕሊ 900 ሚእቲ ሰባት ኣብ መዳጐን ሰፈር ከምዝርከቡ ኣብ ሊቢያ ናይ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ሓላፊት ጁላይን ራይኽማን ገሊጸን፡ ኣብ ናይ ስደተይናታት ቤት ማእሰርቲ ሊቢያ ዘሎ ናይ ጥዕና ጉዳይ ኣዚዩ ዘሰክፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ መቕዘፍቲ ክበሃል ከምዝከኣል እውን ሓቢረን፡ ካብ ነውሒ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ለብዒ ሕማም ዓባይ ሰዓል ከምዘስግእን፡ ኣብ ዚንታን ዝርከቡ 50 እሱራት ኣብ ከቢድ ኩነት ጥዕና ከምዝርከቡን፡ እቶም ኣዚዮም ዝተጐድኡ ናብ ጋርያን ናብ ዝርከብ መእለዪ ማእክል ከምእተዛወሩ ኣፍሊጠን።

ግብረ ሰናይ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም

ካብ ዕለት 25 ግንቦት ክሳብ ዕለት 19 ሰነ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ስደተይናታት ናብ ዝተፈላለዩ መእለዩ ሕሙማን ማእከል 16 ዝተፈላለዩ ምዝዋራት ከምዘካየደን፡ ዘድሊ ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ድጋፍ ብምቕራብ ይዋሳእ ከምዘሎን፡ ዝሓለፈ ዕለት 3 ሰነ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ውድብ፡ 93 ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ትሪፖሊ ናብ ዝርከብ ማእከል መእለይ ስደተይናታት ንኽኣትዉ ከምዝገበረን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሊቢይ ዝርከቡ ስደተይናታት ንኽወጹን ናብ ካልኦት ሃገራት ንኽጓዓዙ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉ ናይ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ማሕበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሕማምን ሞትን ኣብ ሊቢያ ኣባይቲ ማሕቡስ ስደተይናታት
24 June 2019, 16:29