ድለ

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን 2019 ዓ.ም.

እቲ ሓድሽ ምዓበለ ዕደ ጥበብ ዘለዎ ዕቑር ሓይልን ኣብ ዓለም ከምኡ እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ዓቢይ ኣበርክቶ ኣለሊኻ ንግብረ እከይ መሳለጢ ከይከውን ቀንዲ ዕላማኡ ምዕባለ ሰብኣውነትን ሰብኣውነት ምርኻብን ዝብል ምዃኑ ብኣጽንዖት ምፍላጥ

ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘሞንተሳኖ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ማእከል ዝገበረን ዛዕባ እዋናዊ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኵነት ብሓላፍነት ክንበር ዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ዝገበረ ፍልዩ ዓውደ መጽናዕቲ ተኻይዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵልና ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኢና (ኤፌ. 4,25) ብዝብል ቃል ኣደጊፎም ካብ መረብታዊ ርክብ ናብ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ናይ ሰበኻ ሮማ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ኣባ ዋልተር ኢንሰሮን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህይነተ ፓውሎ ሩፊኒን ጋዘጠይና ኣልዶ ካዙሎን ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ከምዘቕረቡን፡

ካብ ማሕበረሰባት ናብ ማሕበረሰብ

ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ፡ ብማሕበርሰባት ተፈላሊኻ ካብ ምንባር ናይ ውሁድ ማሕበረሰብ ምቕራብን ምልዋጥን ዘድሊ ምዃኑ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ በዚ ሓሳብ’ዚ መሰረት ተንቲኖምን ምስ ካልኦት ንምርኻብ ዘነቓቕሕ ምኻኑ የብርሁ። መርበብ ሓበሬታ ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ድርኽቶ ከምዘሎ ኰይኑ እዚ ዝምባለ ከይህሉ ዝግበር ጻዕሪ ኣገዳሲ እዩ፡ ስግኣታቱ ምግላጽ ማለት ብድብድቡ ኪደት ምዕባለ እደ ጥበብን ብስነ ኣሓዝ ዝተራቀ ምዕባለን ምንጻግን ምዅናንን ማለት ኣይኰነን፡ እዚ ከኣ እቲ ሓድሽ ምዓበለ ዕደ ጥበብ ዘለዎ ዕቑር ሓይልን ኣብ ዓለም ከምኡ እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ዓቢይ ኣበርክቶ ኣለሊኻ ንግብረ እከይ መሳለጢ ከይከውን ቀንዲ ዕላማኡ ምዕባለ ሰብኣውነትን ሰብኣውነት ምርኻብን ዝብል ምዃኑ ብኣጽንዖት ምፍላጥ ከምዘድሊ የመላኽቱ።

ናይ መርበብ ሓበሬታ ሓደጋ፡ ናይ ሓሶት ዜናን ናይ መርበብ ሓበሬታ ባሕታውነትን

ጋዜጠይና ኣልዶ ካዙሎ እውን ብወገኖም፡ መርበብ ሓበሬታ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጽኒዖም ምስ ሓበሩ፡ ብፍላይ ፍልጠትን ኣብ ዘይትግምቶ ግዜ ውሽጢ ምፍላጥ ዘንብር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ምናባዊ ምፍላጥ ነቲ ጭቡጥ ኩነት ዝትክእ ወይ ካብኡ ዘርሕቕ ክኸውን ከምዘይብሉን ምስ እዚ ተተሓሒዙ መርበብ ሓበሬት ንናይ ሓሶት ፈነወታትን ኣውን ምቹእ ባይታ ከምዝዀነን ካብዚ ሓደጋ እዚ ምጥቃቕ ከምዘድሊ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብሰፊሕ ከምዘተሓሳሰቡ መልእኽቲ ቅዱስነቶም እናጠቐሱ ምስ ኣብርሁ፡ መጥቃዕቲ ዝፍነወሉን ስም ካልእ እተጸልመሉን ካብኡ ሓሊፉ እውን መጋበርያ ዓለቘይናነት እውን ይኸውን ከምዝሎን ብፍላይ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ዝርአይ ዘሎ ዓቢይ ጸገም ምዃኑ ኣመልኪቶም። ብዙሓት ናይ መረብታዊ ባሕታውያን ብምዃን ካብ ጭቡጥ ዓለም ንገዛእ ርእሳዊ ምንጻል ይዳረጉ ኣለዉ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዘብርህዎ ሓሳብ መራኸቢ ብዙሓን  መራኸቢ እምበር ገማማዕን ናብ ብሕትውና ኣብ ምናባዊ ዓለም ዝድርኽ ካብ ምዃን ሓደጋ ንምዕቃቡ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ሕንጸት የድሊ ኢሎም።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን 2019 ዓ.ም.
06 June 2019, 17:35