ድለ

ኣብ ሓደ መጽሓፍ፥ ታሪኽ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሰምዩ ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ሓደ መጽሓፍ፥ ታሪኽ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሰምዩ ብፁዓን ካርዲናላት 

ኣብ ሓደ መጽሓፍ፥ ታሪኽ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሰምዩ ብፁዓን ካርዲናላት

ካብ ማእከል ናብ ወሰናስን ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን፡ ዝብል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘንጸባርቕ ስሜት፡ ናብቶም ዝተናዕቁን ትሑታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም፡ እቲ ማእከል ዘሎ ዘይፍሉጣት ገይሩ ዝሓስቦም

ዕለት 12 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍርናንቸስኮ ካርዲናላት ብዝብል ኣርእስቲ ናይቶም ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሰምዩ ብፁዓን ካርዲናላት መንነት ዘዘንትው ጋዘጠይና ፋቢዮ ማርከሰ ራጎና ዝደረስዎ መጽሓፍ ኣብ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ማርኰኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብ ማእከል ናብ ወሰናስን ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን፡ ዝብል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘንጸባርቕ ስሜት፡ ናብቶም ዝተናዕቁን ትሑታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም፡ እቲ ማእከል ዘሎ ዘይፍሉጣት ገይሩ ዝሓስቦም፡ ናብቲ ማሕበራዊ ፈሰስ (ሰርት ኣልቦ ዝኸውን አሎ ሕብረተሰ) ዝፈጥሮም ከም ውዳቕ ናብ ዝሓስቦም ዝብል ሓውርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘቃልሕን ስሜት ምዃኑ ናይቲ መጽሓፍ መቕድም ዝደረሱ ናይቲ ናይ መላእ ኵላዊት ቤተ ርክስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ እተሰምየ ማሕበር ኣቦ መንበር ፊሊፒናዊ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ የመልክቱ።

እቲ መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ዝተሓትመ ክኸውን እንከሎ፡ ብጠቕላላ ናይቶም 24 ቅዱስ ኣቦና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ካርዲናል ናይ ዝሰመይዎም ሊቀ ጳጳሳት ታሪክ ዘዘንትዎ እዩ፡ ካብኣቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ናይ ታንጎ ጳጳስ ናይ ኦቻይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሶኣነ ፓቲታ ፓኢኒ ማፊ ፓፑዋ ነው ጊኒን ዒራቕን ፐሩን ጃፓንን ሓይቲን ዝውክሉ ብፁዓን ካርዲናላት ዘጠቓልልን ምዃኑ ማሶቲ የመልክታ። 

ኣብ ሓደ መጽሓፍ፥ ታሪኽ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሰምዩ ብፁዓን ካርዲናላት
15 April 2019, 17:11