ድለ

ኒካራጉዋ፥ ብፁዕ ኣቡነ ኣይፋል ንዓመጽ ሕራይ ንዘተ ኒካራጉዋ፥ ብፁዕ ኣቡነ ኣይፋል ንዓመጽ ሕራይ ንዘተ 

ኒካራጉዋ፥ ብፁዕ ኣቡነ ኣይፋል ንዓመጽ ሕራይ ንዘተ

ዋላ’ኳ ዓመጽ እንተሎ ደለይቲ ሰላም ምዃን ከምዘድልን፡ እታ ኢየሱስ ዝተቐበረላ መቓብር ባዶ እያ፡ ኢየሱስ ተንሲኡ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ ማሕበራዊ መቓብር ተዓጺና ኣይንንበር

ኣብ ኒካራጉዋ ናይ ማናጉዋ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ባኤዛ፡ ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ስለገስዎ ስብከት፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ቅልውላው ብቑዕን ፍቱንን መፍትሒ ዘተ ጥራሕ እዩ ዝብል ሃሳብ ከምዘስመሩሉ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ ዘቕረብዎ ጻውዒቲ ዘተ፡ ነቲ ሎሚ ዕለት 23 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ንምፍታሕ ዝብገስ ናይ ሓባር ዘተ ምኽንያ ዝገበረ ምዃኑ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ሰርጆ ቸንቶፋቲ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ናብ ሮማ ኩሪያ ሮማና ተቐይሮም ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንኽፍጽሙ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎም ናይ ማናጉዋ ሰበኻ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቪዮ ኾሰ ባኤዝ ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምቃሎም፡ ኣብ ሰበኻ ማናጉዋ ኣብ እትርከብ ቁምስና ቅዱስ ክርስቶስ ዘኤስኪፑላስ ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥

ኒካራጉዋ ናይ ፍትሕን ናጽነን መሬት ክትከውን

ኣብ ትንሳኤ ኢየሱስ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ዋላ’ኳ ዓመጽ እንተሎ ደለይቲ ሰላም ምዃን ከምዘድልን፡ እታ ኢየሱስ ዝተቐበረላ መቓብር ባዶ እያ፡ ኢየሱስ ተንሲኡ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ ማሕበራዊ መቓብር ተዓጺና ኣይንንበር፡ ኒካራጉዋ መቓብር ዘይኰነስ ፍትሕን ናጽነትን ናይ ዝፈትዉ ሃገር ክትከውን ተላብዮም።

ተስፋ ኣብ ዘተ፡ ኣይፋል ንዓመጽ

ናይ ዝዀነ ይኹን ቅልውላው እንኰ መፍትሒ ዘተ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ተስፋ ኣብ ዘተ ምግባር የድሊ ቢሎም። ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን እምነትኩም ንበሩን ካባኹም ተስፋ ክምንዝዕ ዝኽእል ሓይሊ ብፍጹም የሎን፡ ናብ ምርጫ ዓመጽ ዝድርኽ ሓይሊ ተሳዒሩ እዩ፡ ኣብ ናይ ፍቕርን ዕርቅን ሓይሊ ተኣማመኑ ንዓመጽን ግርጭት ዝድርኽ ምኽንያት ኩሉ ኣይፋል በሉ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።

ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ንኒካራጉዋ

ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንኒካራጉዋ እውን ዘኪሮም፥

እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ጐይታ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ኣሚቱ እቲ ኣብ ኒካራጉዋ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ጻዕሪ ምእንቲ ናይ መላእ ሕዝቢ ረብሓን ክኸውን ልቢ ኩሉ ሕዝቢ የብርህ

ከምዝበሉ ክፍልፈጥ እንከሎ፡

ጉባኤ ዘተ

ኣብ ኒካራጉዋ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ዋልደማር ሶመርታግን ናይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ውድብ ወኪል ልዊስ ኣንገል ሮሳዲላን ዘሳተፈ ሽዱሽተ ናይ መንግስትን ሽዱሽተ ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብ ኣባላት ኣሳቲፉ ዝካየድ ጉባኤ ዘተ ሎሚ ዕለት 23 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ከምእተበገሰ ክንገር እንከሎ፡ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ሰላም ዘተ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበርን ኣብ ዝብሉ ግና ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ዘይወዓሉ ስምምዓት ከምእተበጽሔ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብዛዕባ ፍትሕን ሕንጸት ደሞክራስን ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ነጥብታት ዘተ ይካየድ ከምዘሎ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ምንጪ ዜና ይሕብሩ።

ኒካራጉዋ፥ ብፁዕ ኣቡነ ኣይፋል ንዓመጽ ሕራይ ንዘተ
23 April 2019, 16:54