ድለ

ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተማጓቲ፥ ኣብ 2018 ዓ.ም. ፍርዲ ሞት ምንካይ ኣብ ዓለም ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተማጓቲ፥ ኣብ 2018 ዓ.ም. ፍርዲ ሞት ምንካይ ኣብ ዓለም 

ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተማጓቲ፥ ኣብ 2018 ዓ.ም. ፍርዲ ሞት ምንካይ ኣብ ዓለም

እተን ናይ ሞት ፍርዲ ኣጽኒዔን ዝድግፋን ከይሕከኽ ዝካትዓ ሃገራት እውን ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርድን ትግባሬኡን ዘለወን ኣመለኻኽታ እናለወጣ ይኸዳ ከምዘለዋ

ኣምነስት ኢንተርናሽናል እተሰምየ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተማጓቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝተመሓላለፈ ፍርዲ ሞት ምስቲ ናይ 2017 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ፡ ካብ 993 ናብ 690 ከምዝወረደን ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ንነጀው 2018 ዓ.ም. ፍርዲ ሞት ኣዚዩ ዝነከየሉ ምዃኑ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ፡ ይኹን ደኣ እምበ ሕጂ እውን ካብ ምድር ዓለም ፍርዲ ሞት ጠሪሹ ከምዘይተወገደን ቅዱስ ኣቦና እውን ከይተሓለሉ ናይ ሞት ፍርዲ ምኽንያታዊ ዘብሎ ወይ ዝገብሮ ምንም ዓይነት ምኽንያት ከምዘየለ ይገልጹን፡ ናይ ሞት ፍርዲ ክወገድ ከይተሓለሉ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቻይና ኢራን ሱዕዲ ዓረብን ቨትናምን ዒራቕን እተን ናይ ሞት ፍርዲ ብብዝሒ ዝጠቀማ ሃገራት ክዀና እንከለዋ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብዘን ሃገራት እውን ፍርዲ ሞት እናነከየ ከምዘሎ ጸብጻብ ኣምነስት ኢንተርናሺናል ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ጃንካሎ ላቨላ ሓቢሮም።

እተን ናይ ሞት ፍርዲ ኣጽኒዔን ዝድግፋን ከይሕከኽ ዝካትዓ ሃገራት እውን ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርድን ትግባሬኡን ዘለወን ኣመለኻኽታ እናለወጣ ይኸዳ ከምዘለዋን ኣብ በይሎሩሲያን ጃፓንን ሲንጋፑርን ደቡብ ሱዳንን ሕቡራት መግስታት ኣመሪካን ፍርዲ ሞት ክብ ቢሉ ዝተረኣየለን ሃገራት ምዃናን ነቲ ሰነድ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ጠቒሶም ዝሓበሩ ላ ቨላ ኣስዒቦም፡ ኣብ ታይላንድ ካብ 2009 ዓ.ም. ንነጀው ፍርዲ ሞት ክብየን ከምዝጀመረን ኣብ ስሪ ላንካ ድሕሪ 40 ዓመት ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸም ይረአይ ከምዘሎ ኣመልኪቶም ኣብ 2018 ዓ.ም. ፍርዲ ሞት ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጋተን  ብሕጊ ዝሕኸኻ ድዩ ወይ ብተግባር ኣብ ዘይምጥቃሙ ዝርከባ ብጠቕላላ 142 ሃገራት ከምዝዀና ገሊጾም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ሞት ፍርዲ ኢምኽንያታዊ እዩ

ዕለት 17 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ሃገአ ቫቲካን ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸረ ፍርዲ ሞት ድርገት ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ብዘይ እንተን ብዘይ እንተዀነ ግና ናይ ሞት ፍርዲ ካብ ምድሪ ዓለም ክወገድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ናይ ሞት ፍርዲ ግብረ ጭካኔ ዝተመልኦ መቕጻዕቲ እዩ ከምዝበሉን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ሕይወት ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ፈጣሪ ጸጋ እዩ፡ ዋንኡ ንሱ ምዃኑ ዝገልጹ ከምዝዀኑን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን መዝገብ ትምህርቲ ሃይማኖት ኣውን ብዛዕባ ፍርዲ ሞት ዘመልክቶ ሓሳብ ቅቡል ዘብሎ እንክብሉ ዝገልጾ ምኽንያት ሎሚ ብኻልእ መገዲ ክፍታሕ ዘኽእል ተበጽሖታት ግምት ብምሃብ፡ ፍርዲ ሞት ምኽንያታዊ ኣይኰነን ብዝብል ሓሳብ ከምዝሓደሱን ማለት ናይ ሞት ፍርዲ ምኽንያታዊ ኣይኰነ ምኽንያታዊ ዘብሎ ምኽንያት የሎን ብዝብል ሓሳብ ከምእተሓደስዎ እውን ላ ቨላ ኣዘኻኺሮም፡

 ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ናይ ታሪኽ ትሕተ ቤት ክተርፍ

ፍርዲ ሞት ብነበረ ኣብ ታሪኽ ዝዝከር ክኸውን ከዘለዎ ኣብ ኢጣሊያ ንኣምነስት ኢንተርናሽናል ወሃቢ ቃል ሪካዶ ኑርይ፡ ምስ ቫቲካን ኣገልጎ ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡  ኣብ ዓለም ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ምንካይ ገጹ እዩ ዘሎ፡ እዚ ደስ ዘብል ዜና እዩ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ክትክእ ዝክእል ብዙሕ ሕጋዊ መጋበርያ ኣሎ፡ ምቕታል መፍትሒ ወይ ዓወት ኣይኰነን፡ ፍርዲ ሞት ካብ ዓለም ንሞት ፍርዲ ዘብጽሑ ተባሂሎም ዝግለጹ ገበናት ክንክይ ኣይገበረን ኢሎም።

ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተማጓቲ፥ ኣብ 2018 ዓ.ም. ፍርዲ ሞት ምንካይ ኣብ ዓለም
11 April 2019, 17:42