ድለ

ኣብ ናይሮቢ ዋዕላ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ምህዳር ኣብ ናይሮቢ ዋዕላ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ምህዳር 

ኣብ ናይሮቢ ዋዕላ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ምህዳር

ኣብ ናይሮቢ ክሳብ ዕለት 15 መጋቢት ዝቕጽል ዛዕባ ክንክን ምህዳር ዝዝትይ ናይ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ራብዓይ ዋዕላ ዕለት 11 መጋቢት 2019 ዓ.ም. በቲ ዘጋጠመን መራሕቲ ኣየርን ሰራሕተይናታትን ተጓዓዝትን ብጠቕላላ 157 ሰባት ንሞት ዘቃልዔ ዘሕዝን ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምኽንያት ብናይ ሕልና ጸሎት ከምእተበገሰ

ኣብ ናይሮቢ ክሳብ ዕለት 15 መጋቢት ዝቕጽል ዛዕባ ክንክን ምህዳር ዝዝትይ ናይ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ራብዓይ ዋዕላ ዕለት 11 መጋቢት 2019 ዓ.ም. በቲ ዘጋጠመን መራሕቲ ኣየርን ሰራሕተይናታትን ተጓዓዝትን ብጠቕላላ 157 ሰባት ንሞት ዘቃልዔ ዘሕዝን ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምኽንያት ብናይ ሕልና ጸሎት ከምእተበገሰን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሰንደቕ ዕላማ ትሕት ቢሉ ክምእተሰቕለ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኤልቪራ ራጐስታ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይ ናይሮቢ ዋዕላ ቅድሚ ምክፋቱ ድማ መላእ ተጋባእያን ስለ እቶም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፈሪት ኣየር ዝሓለፉ ናይ ሓደ ደቒቕ ምእንቲ ዝኽሮም ናይ ሕልና ጸሎት ከምእተፈጸመን፡ ካብቶም በቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም 157 19 ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሰራሕተይናታት ከምዝነበሩ ይንገር።

ብድሆታትን ሸቶታት ናይቲ ዋዕላ

እዚ ክሳብ ዕለት ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ዓውደ ጉባኤ ካብ 193 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልኡካንን ናይ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ልኡካንን ናይ ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ህብረ ትካላት ኣመሓደርቲ ዘሳተፈ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ከባቢ ኣየርን ምዝባዕ ተፈጥሮ ኣየርን ከምኡ እውን ምዝባዕ ተፈጥሮ ኣየር ንምብዳህን ብከላ ኣየር ንኽንክይን ዝገብር ጻዕሪ ብዘማእከለ ሓሳብ ምንጽጻር ከምዘካይዱን፡ ብዛዕባ ምህዳርን ኣብ ብከላ ኣየር ግደ ዘይብሎም ብዛዕባ ዝተበጽሑ ሓደስቲ ምዕባለ ዕደ ጥበባትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ እውን ዝመክር ምዃኑ ራጐስታ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣቃልቦ ንናይ ሓባ ቤትናን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኣቃልቦን ክንክንን ናይ ሓባር ቤትና ዝምዕድ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ቀረባ መዓልታት ኣብቲ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ላዕለዋይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ምስ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ዘዳለዎ፥ ካ ዕለት 7 መጋቢት ክሳብ ዕለት 9 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሲኖዶስ ሓድሽ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሃይማኖታት ኣብ ንጽጽር ተቐባልነት ኣብ ዘለዎ መደብ ልምዓት ኣብ ምርግጋጽ ዘለወን ኣበርክቶ ንምልላይ ኣብ ዝመኸረ  ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፍሳውያን ላዕለዎት መራሕቲ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ  ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልእኽቲ ጋዜጠይና ራጐስታ የዘኻኽራ።

ኣብ ናይሮቢ ዋዕላ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ምህዳር
12 March 2019, 16:55