ድለ

ኢዳይ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ብርቱዕ ህቦብላ ኣብ ሞዛምቢክ ማላውን ዚምባብዌን ኢዳይ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ብርቱዕ ህቦብላ ኣብ ሞዛምቢክ ማላውን ዚምባብዌን  

ኢዳይ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ብርቱዕ ህቦብላ ኣብ ሞዛምቢክ ማላውን ዚምባብዌን

ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ እውን ናብቲ ዝተጐድአ ሕዝቢ ድጋፍ ንምቕራብ መግብን ኣፋውስን ናብቲ ስፍራ ንምብጻሕ ድሮ ብወለንተይናታት ኣባላቱ ኣቢሉ ይንቀሳቐስ

እቲ ኢዳይ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ብርቱዕ ኣብ ሰዓት 190 ኪሎ መትሪ ዝውንጨፍ ህቦብላ፥ ምዕልቕላቕ ማይ እውን ኣስዒቡ ኣብ ዚምባብዌ ምብራቓዊ ከባብን ኣብ ሞዛምቢክ ማእከላዊ ከባብን ኣብ ማላውን ናይ ብዙሓት ዜጋታት ሞትን ማሕሰይት ምጥፋእ ሃለዋትን ውድመት ንብረትን ከምዘስዓበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኤልቪራ ራጎስታ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ዝተኸስተ ህቦብላ ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝተራእዩ እቲ ዝበርትዔ ምዃኑ ክንገር እንከሎ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 14 መጋቢት ኣብ ሞዛምቢክን ማላውን ብዙሕ መጉዳእቲ ኣስዒቡ ናብ ዚምባብዌ ከምዝተጓዕዘን 150 ሰባት ንሞት ከምዝዳረገ ክንገር እንከሎ፡ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ዜጋታት ብዝሒ ክብ ክብል ከምዝኽእል እዩ ዝነገር ዝበላ ራጎስታ ኣስዒበን፡ ዓለም ሓቆፍ ቀይሕ መስቀል፡ ኣብ ሞዛምቢክ እታ ከቢድ መጉዳእቲ ዝወረዳ ናይታ ሃገር ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ተባሂሉ ዝንገረላ ከተማ ባይራ ከምዝዀነት ከመልክት እንከሎ፡ እታ ከተማ ምሉእ ብምሉእ ዳርጋ ዝወደመት ምዃና ናይታ ሃገር ናይ ከባቢ ጉዳይ ሚኒ. ቸልሶን ኮሬያ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሰን ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራጐስታ፥ ኣብታ ሃገር ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተኸስቱ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት እቲ ዝዓበየ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ የመልክታ።

ኣብ ማላዊ፥ ሕጹጽ ናይ መግብን ክንክን ትዕና ሓገዝ

ናይ  ቁምስና ብላንትይረ ቆሞስ ኣባ ፊሊፐ ዞንጎ፡ ኣብ ማላዊ ቅድሚ እቲ ህቦብላ ምዕልቕላቕ ማይ ተኸሲቱ ሓደጋ ሞትን ውድመት ንብረትን ከምዘስዓበን እቲ ህቦብላ ተወሲኽዎ ምኽንያት ዝተፈላለዩ ጸገም ኰይኑ፡ ብዙሓት ንሞት ሓደጋ ከቃልዕ እንከሎ ብዙሓት እውን ተመዛቢሎምን ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ሽግር ክወድቑ ከምዝገበሩ፡ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ እውን ናብቲ ዝተጐድአ ሕዝቢ ድጋፍ ንምቕራብ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ፡ መግብን ኣፋውስን ናብቲ ስፍራ ንምብጻሕ ድሮ ብወለንተይናታት ኣባላቱ ኣቢሉ ይንቀሳቐስ ከምዘሎን ብወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኡ ኣቢሉ ናይ ድጋፍን ጻውዒት ከምዘቕረበ ኤልቪራ ራጎስታ ኣፍሊጠን።  

18 March 2019, 16:18