ድለ

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን - ሩሲያ፡ ውጥረት ኣብ ውዕሊ ንድሩት ኣጠቓቕማ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን - ሩሲያ፡ ውጥረት ኣብ ውዕሊ ንድሩት ኣጠቓቕማ ኑክለሳዊ ኣጽዋር 

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን - ሩሲያ፡ ውጥረት ኣብ ውዕሊ ንድሩት ኣጠቓቕማ ኑክለሳዊ ኣጽዋር

ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ሩሲያ ነቲ ናይ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውዕሊ ጥሒሳ እንክብሉ ከሲሶም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ

ድሕሪ 32 ዓመት ዋሽንግተን ካብቲ ምስ ሩሲያ ዝፈረመቶ ንድሩት ኣጠቓቕማ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝብል ታሪኻው ስምምዕ ከተንሳሕብ ምዃኑ ብወግዒ ዘመሓላለፈቶ መግለጺ ኣብ ኤውሮጳ ንሓድሽ ውጥረት ምኽንያት ይኸውን ከምዘሎን ኣብ ምውናን ኑከልሳዊ ኣጽዋር ሓድሽ ውደራ ኣብ መንጐ ሃገራት ዘነቓቕሕ ክኸውን ከምዝኽእል ብዙሕ ስግኣት ይፈጥር ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገዛእ ርእሳ ካብቲ ኣብ መንጐ ሮናልድ ረጋንን ሚካኤል ጎርባቾቭ ኣብ 1987 ዓ.ም. ዝተበጽሔ ናይ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውዕሊ ንድሩት ኣጠቓቕማ ዝብል ስምምዕ ከተንሳሕብ ምዃናን እዚ ውሳኔ’ዚ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ማይክ ፖምፐኦ ብወግዒ ክትገልጽ ምዃና ክንገረ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ሩሲያ ነቲ ናይ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውዕሊ ጥሒሳ እንክብሉ ከሲሶም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ውዕሊ ከይብተኽ ክልቴኣተን ሃገራት ብምምይጥ መፍትሒ ንኽረኽባሉ ከምቲ እቲ ውዕሊ ዘመልክቶ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ግዜ ከምዘለወንን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኤውሮጳ 48 ሚሳይላታ ብምቛም ኣብ ልዕሊ ሞስኮ  ተጽእኖ ንፍምጥራ ድላይ ኣለዋ እንክብል ናይ ክረምሊን መንግስቲ ገሊጹ፡ ሞስካ ንግብረ መልሲ ስንድውቲ እያ ከምዝበለ ይንገር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸረ ኑክለሳዊ ኣጽዋር

ዕለት 7 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንናይ መላእ ሃገራት ዓለም ልኡካነ መንግስታት ኣብ ንጉሳዊ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ናይ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮት መገልጺ መልእኽቲ፥ ኣብ መንጐ ሃገራት ምትሕብባርን ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ርክባት ሜላ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሕ ዝደክምን ብብሔርተይናነትን ኣዚዩ ዝጥቃዕ ዘሎ መድብለ-ጐናውነት ለበስ ክኸውን ዝብልን፡ ከምኡ እውን ነቲ ግድን ዝዀነ ምልዛብ ብምኽባር  ናይ መላእ ኣህዛብ ረብሓ ምንዳይ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፡ ከምዚ እንተዘይኰነ ሓያል ኣብ ልዕሊ ድኻን ድኹምን ጸቕጢ ክገብርን ጸገማት ኣዚዮም እናገደዱ ከዱ እያቶም ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፡ ኣተሓሒዞም እውን ኣብ ዓለም ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክኽወን ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ንነጀው ሓድሽ ዝተራቐ ናይ ወግእን ኣዕናውን ኣጽዋር ምህዞ ተበራቲዑ ከምዘሎ ጠቒሶም፡ ዝሓለፈ ታሪኽ ዘይምዝካር ዘስዕቦ ሓደጋ ካብቲ ኣብ ታሪኽ ዝሓለፈ ዕንወትን ሕልቂትን ንላዕሊ ኣዚዩ ዝኸፍኤ ከምዝኸውን ዘየጠራትር እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ደጋጊሞም ዘስመሩሉ ሓሳብ ምዃኑ ይዝከር።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን - ሩሲያ፡ ውጥረት ኣብ ውዕሊ ንድሩት ኣጠቓቕማ ኑክለሳዊ ኣጽዋር
02 February 2019, 16:56