ድለ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ 

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ

ነቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን ዘሎ ምሕዝነት ዝጻረርን ብፍላይ ሰላምን ጸጥታን ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምዕጻው ዘይኰነ ዘራኽብ ድልድል ምሕናጽ ዘረጋግጾ ምዃኑ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ መንጐ ሃገሮምን መክሲኮን ዘዳብው ከባቢ ዝቐውም ፈላላይ መንደቕ ንምሕናጽ ዘብቅዕ ርእሰ ማል ናይ ሃገሮም ሕዝባዊ ባይቶ ውድቂ ስለ ዝገበሮ ቅድም ክብል ንኻልእ ጉዳይ ተሰሊዑ ዝነበረ ርእሰ ማል ክጥቀሙ ምዃኖም ዝሃብዎ ናይ ሕጹጽ ኣገዳሲ ውሳኔ ኣዋጅ ብምቅዋም ናይታ ሃገር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ከምዘውጽኤ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ጋልቨስቶንን ሁዩስቶንን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዳኒኤል ዲናርዶ ምስ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ኣውስቲን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆይ ቫስከስ ብሓባር ርእሰ ብሔር ትራምፕ ዝሃብዎ ውሳኔ ብምቅዋም፥ ሕዝባዊ ባይቶ ነቲ ፈላላይ መንደቕ ንምሕናጽ ዘብቕዕ ርእሰ ማል ዝሓትት ናይ ፍቓድ ሰነድ ውድቒ ስለ ዝገበሮ፡ ቅድም ክብል ንኻልእ ጉዳይ ክውዕል ተመዲቡ ዝነበረ ርእሰ ማል ክጥቀሙ ዘፍቅደሎም ብሕጹጽ ናይ ኣገዳሲ ኣዋጅ ውሳኔ መሰረት ነቲ ሃገሮም ምስ መክሲኮ ዘዳብው ከባቢ ዝፈልይ ክቐውም ዝደልይዎ ዘለዉ ፈላላይ መንደቕ ስርሑ ክቕጽል ምዃኑ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን ዘሎ ምሕዝነት ዝጻረርን ብፍላይ ሰላምን ጸጥታን ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምዕጻው ዘይኰነ ዘራኽብ ድልድል ምሕናጽ ዘረጋግጾ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝገልጽዎ ሰብኣውን ማሕበራውን ትምህርቲ ዝጻረር እዩ እንክብሉ ተቓውሞኦም ከምዘስምዑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ
16 February 2019, 17:28