ድለ

ካቶሊካዊ ንምቅስቓስ ምህዳር፥ ብሓባር ምስ ቅዱስ ኣቦና ንለውጢ ሰብኣዊ ልቢ ካቶሊካዊ ንምቅስቓስ ምህዳር፥ ብሓባር ምስ ቅዱስ ኣቦና ንለውጢ ሰብኣዊ ልቢ 

ካቶሊካዊ ንምቅስቓስ ምህዳር፥ ብሓባር ምስ ቅዱስ ኣቦና ንለውጢ ሰብኣዊ ልቢ

ሰብኣዊ ስስዔን ህርፋንን ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ዝኽሰት ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ዘስዕቦ ሰብኣውን ምህዳራውን ስቓይን እነርእዮ ዘይተገዳስነት መልሲ ክኸውን ኣይክእልን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕርሻ ልምዓት ሓልዮ ማሕበር ዘካየዶ መበል 42 ዓውደ ጉባኤ ንምኽፋት ተረኺቦም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ካብ መላዕ ዓለም ምዝ ተዋጽኡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ደቀባትን ዘካየድዎ ርክብ ካቶሊካውያን ምንቅስቓስ  ሓልዮ ምህዳር ዘካይዶ ክንክን ፍጥረት ተፈጥሮን ነተን ኣብ 2005 ዓ.ም. ኣብ ኣማዞን ኣብ ምክልኻል ፍጥረትን ተፈጥሮን ደቀባትን ዝዓያ ዝነበራ ዝተቐትላ እናቴ ዶሮትይ ስታንግ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝኸፈለኦ ናይ እምነት ሰማዕትነት ዘቃልሕ ምዃኑ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ  - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ናይ ደቀባት ሕዝብታት ስቓይን መከራን ድምጺ ብምዃን ፍጥረትን ተፈጥሮን ኣብ ምኽባር ሕዝቢ ዓለም ነቒሑ ክዓይን ብፍላይ ሃብቲ ተፈጥሮ ንምውናን ንናይ ግሊ ረብሓ ጥራሕ ዝብል ዓይነት ምቁጽጻርን ምምዝማዝን ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ዓለም ዝረአይ ናይ ተፈጥሮ ምዝባዕን ዘስቦ ሰብኣውን ከባብያውን ምህዳራውን ማህሰይቲ ንምውጋድ፡ ትኽክለይና ኣጠቓቕማ ሃብቲ ተፈጥሮን ምዕሩይን ንማንም ዘይንጽል ኣጠቓቕማን ይኣኽለኒ ዝፈልጥ ንናይ ጽባሕ ትውልዲ ዝሓስብ መደብ ልምዓት ኣገዳሲ ምዃኑ ይተሓሳስቡ።

ሰብኣዊ ስስዔን ህርፋንን ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ዝኽሰት ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ዘስዕቦ ሰብኣውን ምህዳራውን ስቓይን እነርእዮ ዘይተገዳስነት መልሲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡ ስለዚህ ጉድለት ምትሕብባርን ምትሕስሳብን ነቲ ዝርአይ ቅልውላው ንምውጋድ ዘድልዩ ማዕቀናት ክይኽበሩን ይድርኽ ነቶም ዝረአዩ ጸገማት የብእስ፡ ስለዚህ ብጽኑዕ ናይ ሕውነት መንፈስ መዓጹ ንናይ ትውልዲ ጽባሕ ርህው ንምግባር ዝዓዪ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሎማውነት ዘይዕጸው ዓይነት ኣነባብራ ምስዓብ ወሳኒ ምዃኑ የመላኽቱ።

ነቲ ቅዱስነቶም ዝገልጽዎ ሓሳብ ምስቲ ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ ምህዳር ዝኽተሎ ዕላማ ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ ምዃኑ ካቶሊካዊ ምንስቅቃስ ምህዳር ጨንፈር ኤውሮጳ ኣወሃሃዲት ቸቺሊያ ዳሎሊዮ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን፡ ናይ ህዝብታት ልሙዕ ማሬን ምጉባጥን ካብ ሕዝብታት ናይ ሕርሻ መሬት ምምንዛዕን ዝብሉ እዋናዊ ናይ ዓለም ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዝምልከት ጉዳይ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝካየደ ናይ ኣማዞን ሲኖዶስ ካብ ዝመያየጠሎም ርእሰ ጉዳያት ሓደ እዩ፡ ዕለት 12 ለካቲት 2005 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ከባቢ ኣማዞን ዝተቐትላ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዜጋ ገዳማዊት እናቴ ዶሮትይ ስታንግ ኣብ ጐድኒ ደቀባት ኣማዞናዊ ከባቢ ዓለም ዝቃለሳን ንናይ ሕዝቢ ኣማዞንን ደቀባትን ክብርን መሰልን ዝጣበቓ ዝነበራ ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበላ ፍትሒ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ብፁዓን እያቶም እናበላ ንግብኡ ምጥቃም ተፈጥሮን ዝምህራ ዝነበራ ዘቃልሐኦ ዝነበረ ትምህርቲ ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገልጽዎ ሓሳብ ዝሰማማዕን ዝማላእን ምዃኑ ዳሎሊዮ ይሕብራ።

ካቶሊካዊ ንምቅስቓስ ምህዳር፥ ብሓባር ምስ ቅዱስ ኣቦና ንለውጢ ሰብኣዊ ልቢ
18 February 2019, 16:15