ድለ

ኣብ ኮሎምቢያን ማዳጋስካርን ክልተ ካህናት ተቐቲሎም ኣብ ኮሎምቢያን ማዳጋስካርን ክልተ ካህናት ተቐቲሎም 

ኣብ ኮሎምቢያን ማዳጋስካርን ክልተ ካህናት ተቐቲሎም

ኣብ ኰሎምቢያ ካብ 2016 ዓ.ም. ንነጀው ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካላትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሟጐትትን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 431 ሰባት ከምእተቐትሉ

ኣብ ማዳጋስካር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ውሕስነት ጸጥታን ድሕነትን ክረጋገጽ ናብታ ሃገር መንግስቲ ጻውዒት ተቕርብ፡ ኣብ ኮሎምቢያ እውን ዘሎ ህልው ኩነታት ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣፍሊጣ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ኰሎምቢያ ንዝርከቡ ናይ ቨነዘወላ ስደተይናታት ዝድግፉን ዝተሓባበሩን ብፍላይ ሰብኣውን መንፈሳውን ኣገልግሎት ዘቕርቡ ዝነበሩ ኮሎምቢያዊ ካህን ኣባ ካርስሎስ ኤርነስቶ ኻራሚሎ ዕለት 18 ለካቲት ኣብ ርእሰ ከተማ ቦጐታ ደብባዊ ክፍለ ከተማ ቴራ ቡወና ኣብ ዝርከብ ቑሸት ከነድይ ከምእተቐትሉ ክሕበር እንከሎ፡ ናይቲ ከባቢ ሓይሊ ጸጥታ ምስቲ ከባቢ ተቐማጦ ሕዝቢ ብምትሕብባር ነቲ ግብረ ቅትለት የጻርይ ከምዘሎን፡ ከምዝበሃል እውን እቶም ቀተልቲ ካብቶም በቶም ካህን ካብ ዝእለዩ ሰባት ውሽጢ ከይኰኑ ከምዘይተርፍ እዩ ዝንገር ዘሎ።

ኣብ ማዳጋስካር ዕለት 9 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሶኣናቨላ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕንጸት ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣባ ኪኮላስ ታቶዲሶኣ ናብ ሕሙማን ቅዱስ ቁርባን ኣብጺሖም ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ሰሪዖም እናተመልሱ እንከለዉ ዝጓዕዙላ ዝነበሩ ላምብረታ ብገለ ገለ ሰባት ተዓጊታን ዘለዎም ገንዘብ ከረክብዎም ምስ ሓተትዎም እቶም ካህን ገንዘብ ከምዘይብሎም ምስ ሓበርዎም ቶኵይሶም ከምዝቐተልዎምን ክንገር እንከሎ፡ በዚ ጉዳይ’ዚ ተሓተትቲ ዝተባህሉ ሸሞንተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ሓይሊ ጸጥታ ከምዝወዓሉ ይንገር።

ናይ ኣንታናናሪቮ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣዶንኣርሰነ ራዛናኮሎና ሓይሊ ጸጥታ ናይ ሕዝቢ ጸጥታን ሰላምን ክውሕሱን ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ተመሳሳሊ ሓደጋ ቤተ ክርስቲያን ካብ እተካይዶ ኣገልግሎት ዘይትርፋ እዩ ቢሎም፡ ወትሩ ምስ ሕዝብን ኣብ መንጐ ሕዝብን እዩ ጸዋዕታኣ ከምዝበሉ ካብ ማዳጋስካር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወጸ መግለጺ የመልክት።

ኣብ ኰሎምቢያ ካብ 2016 ዓ.ም. ንነጀው ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካላትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሟጐትትን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 431 ሰባት ከምእተቐትሉን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናይ ኮሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ማሕበራዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጉዳይን ጨንፈር ካሪታስን ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ሄክቶር ፋቢዮ ህኢናኦ ጋቪሪያ ምስ ቫቲካን ነውስ ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ገለ ገለ ከባቢ ኮሎምቢያ ብናጻነት ምንቅስቓስ ዓቢይ ጸገም ምዃኑ ሓቢሮም ብፍላይ ኣብ ማሕበራውን ሰብኣውን መዳይ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ናይ ቤተ ክርስቲያንን በርገሳውያን ኣካላትን ሕይወቶም ብቐሊሉ ንሓደጋ ዝቃልዓላ ሃገር ትኸውን ኣላ ኢሎም። 

ኣብ ኮሎምቢያን ማዳጋስካርን ክልተ ካህናት ተቐቲሎም
21 February 2019, 17:39