ድለ

መደብ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሰላማውን ናጻን ክኸውን ጳጳሳት ጻውዒት የቕርቡ መደብ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሰላማውን ናጻን ክኸውን ጳጳሳት ጻውዒት የቕርቡ 

መደብ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሰላማውን ናጻን ክኸውን ጳጳሳት ጻውዒት የቕርቡ

መራጺ ሕዝቢ ናይ ህዝቢ ጥቕሚ ዘነቓቕሕን ምእንቲ ናይ ኵሉ ረብሓ ዝዓዪ ኣካል ምልላይ ቀንደነይና ተግባሩ ገይሩ ክንቀሳቐስን

ዕለት 8 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሕዝባዊ መረጻ ክካየድ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ብምኽንያት እዚ መደብ’ዚ ኣመልኪቱ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንመላእ ካቶሊካውያንን ንሰብ ጽቡቕ ድላይን ዝብል ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሰላማውን ናጻን ግልጽን ምርጫ፡ ዝብል ጻውዒት ዝተነብሮን እዚ መታን ክረጋገድ ኩሉ ክጽልን ሓደራ ዝብል ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሃገሮም ዕለት 8 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ንዝካየድ ሕዝባዊ መረጻ ምኽንያት ኣብ ማሪያንሂሉ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ሓቢሩ፡

ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘነቓቕሑ መራሕቲ ምልላይ

መራጺ ሕዝቢ ናይ ህዝቢ ጥቕሚ ዘነቓቕሕን ምእንቲ ናይ ኵሉ ረብሓ ዝዓዪ ኣካል ምልላይ ቀንደነይና ተግባሩ ገይሩ ክንቀሳቐስን፡ ደላይ ናይ ሓባር ጥቕሚ ተባዕን ብሱልን ጥበበይናን ዝብሉ ከም መምዘኒ ተጠቒሙ ኣብታ ሃገር ዘፍርሕ ዘሎ ናይ ኵሉ ጾሮ ዘብእስ ድኽነት ዘስፍሕ ምግባረ ብልሽውና ንምውጋእን፡ ስእነት ስራሕ ንምጉዳልን ድኽነት ንምውጋድን መጠን ዓመጽን ብፍላይ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ትሕት ዕድመ ሕጻናት ዝፍነው ንምውጋድ ዝዓዩ ደሞክራሲ ዝከላኸልን ኩሉ ዜጋ ኵሩዕ ወዲ ሃገር ኰይኑ ክስምዖ ዘተባብዑ ኣካላት ከለልዩ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ከምዘተሓሳሰቡ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ዓመጽን ምፍርራሕን

ናይ ምክብባርን ምቅብባልን ሃዋሁ ንምፍጣር ዘብቅዕ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ሃገር ሰብኣዊ ክብርን ምሰልን ከም ማዕቅን ገይሩ ይሕሸኒ ዝብሎ አካል ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ እዩ፡ ስለዚህ ናይ ኵሉ መራጺ ሕዝቢ ጸጥታን ደሕንነትን መንግስቲ ክውሕስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣተሓሳሲቦምን ምኽባር ሕጊ ክሰፍሕን፡ ብምሰረት ሕጊ ዝመሓላለፍ ናይ ምርጫ ውጻኢት ኵሉ ክቕበሎ እውን ብዓንተውኡ ሓደራ ይብሉ።

ግደ መራኸቢ ብዙሃን

መራኸቢ ብዙሃን ስምዒታውያን ካብ ምዃን ተቖጢበን ብሓላፍነትን ብጉቡእነትን ምርጫ ዘለዎ ክብሪ ግምት ብምሃብ ምስቲ ምርጫ ዝህልዎ ክብርን መራጺ ሕዝቢ ዘለዎ ክብሪ ዝተኻኸል መደብ ፈነወን ድዩ ዓውደ ክትዕ ድዩ ዓውደ ዘተ ክህልወን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ሓደራ ቢሎም፡ ናይ ኵሉ ዜጋ መሰልን ክብርን ክኽበር፡ ዘነቓቕሓን ናይ ድኻታትን ዝተናዕቁን ዜጋታት ጉዳይ ዝጣበቓ፡ ስለ ናይ ሃገርን ሕዝብን ሓድነትን ሰላምን ጸጥታን ደሕንነትን ዝዓያ ይኹና ይብሉ።  

መደብ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

 

14 February 2019, 17:37