ድለ

ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን፡ ድልድል እምበር ፈላላይ መናድቕ ኣየድልን ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን፡ ድልድል እምበር ፈላላይ መናድቕ ኣየድልን 

ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መክሲኮን፡ ድልድል እምበር ፈላላይ መናድቕ ኣየድልን

ቅዱስ ኣቦና ስደተይናታት ምእንጋድን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ምውህሃድብ ብዝብል መደብ ብምእላይ ኣብ ዝእንገድሉ ሃገር ተላልዮም ክነብሩ ዘኽእሎም ዕድል ክፍጠረሎምን እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብኣጽንዖት ኣስሚሮም

ናይ መክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ዕለት 15 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ መንጐ ሃገሮምን መክሲኮን ዘዳብው ከባቢ ክቐውም ዝደልይዎ ዘለዉ ፈላላይ መንደቕ ክህነጽ ምዃኑ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጾም ብምቅዋም ፈላላይ መናድቕ ዘይኰነ ዘራኽብ ድልድል እዩ ዘድልይ እንክብሉ ንዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናቶም ገይሮም ተመሳሳሊ መልእኽቲ ናብ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ከምዘመሓላለፉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር እቲ ኣብ መንጐ ሃገሮምን መክሲኮን ዘዳብው ከባቢ ከቑምዎ ዝደልዩ ዘለዉ ፈላላይ መናድቕ ንኽህነጽ ዘብቅዕ ርእሰ ማል ዋላ’ኳ ናይ ሃገሮም ሕዝባዊ ባይቲ ዘይጸደቖ ይዅን ብሕጹጽ ናይ ውሳኔ ኣዋጅ ብዝብል ምስምስ ንኻልእ ዝተመደበ ሃብቲ ገንዘብ ክጥቀሙ ምዃኑ ከምዝገለጹ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብፁዓን ጳጳሳት መክሲኮ ከም ኣሕዋቶም ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ፈላላይ መንደቕ ዘይኰነ ዘራኽብ ድልድ እዩ ውሕስነት ሰላምን ጸጥታን ቢሎም፥

ምእንጋድን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ምውህሃድን

ብፁዓን ጳጳሳት መክሲኮ ድሕሪ እቲ ኣብ ሃገሮም ዝተኻየደ ናይ መላእ ናይ ስደተይናታት መእለዪ ጉዳይ ዝምልከት ዓውደ ጉባኤ ፍጻሜ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቅዱስ ኣቦና ስደተይናታት ምእንጋድን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ምውህሃድብ ብዝብል መደብ ብምእላይ ኣብ ዝእንገድሉ ሃገር ተላልዮም ክነብሩ ዘኽእሎም ዕድል ክፍጠረሎምን እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብኣጽንዖት ኣስሚሮም ኣብ መክሲኮ ዝርከባ መእለይ ስደተይናታት ብዝተወሃሃደ መገዲ ክዓይን ኣብዚ መዳይ ቤተ ክርስቲያን ብመርሕነት ክትዓዪ እውን ምዃና ከምዘረጋገጹን፡ እቲ ሰነድ ናይ መክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሞንተርይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሮገሊዮ ካብረራ ፖለዝን ዋና ሓፊኦም ናይ ሞንተርይ ተሓባባሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣልፍረዶ ገራርዶ ሚራንዳ ጉዋርዲዮላን ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበር ናይ ሲውዳድ ኹኣረዝ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ጓዳሉፐ ቶረስ ካምፖስ ክታም ዝተነብሮ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ። 

ድልድል እምንበር ፈላላይ መናድቕ ኣየድልን
20 February 2019, 17:46