ድለ

ዩኒሰፍ/ሕጻናት ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ መጥቃዕቲ! 2018 ንሕጻናት ሕስምቲ ዓመት ዩኒሰፍ/ሕጻናት ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ መጥቃዕቲ! 2018 ንሕጻናት ሕስምቲ ዓመት 

ናይቶም ብዘይድላዮም ኣብ ግዱድ ዕስክርና ናይ ዝርከቡ ሕጻናት ዓመጽ ደው ነብል! ር.ሊ.ጳ

ሎሚ ዕለት 12 ለካቲት ዓለም ለኸ ዕለት ተጻይ ግዱድ ዕስክርና ሕጻናት ተዘኪሩ ውዒሉ። ኮይኑ ግን ተጻይ እዚ ድላይ’ዚ ኣብ መላእ ዓለምና ብዙሓት ሕጻናት ግዳይ ናይዚ ከምዝኾኑ ዩኒሰፍ ዝበል ኣካል ውድም ሕቡራት ሃገራትን ካልእ ኢንተርሶስ ዝበሃል ውድብን ይገልጹ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በቲ ትዊተር ዝበሃል መራኸቢ ብዙሓን ይድረስታኦም ገሮም ‘እቶም ብዘይ ድላዮም ተገዲዶም ኣብ ግጭት ኩናት ዝጥበሱ ዘለው ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሕጻናት መሰል ሕጻንነቶም ዝተገፉ ኮይኖም በጃኹም ነዚ ወደር ኣልቦ ዓመጽ’ዚ ደው ነብሎ` እንክብሉ ሓጺር መልእኽቲ ጽሒፎም።

ቅዱስነቶም ነዚ ኣጸያፊ ተግባር እዚ ሓንሳእ ናይ ዘመንና ትራጀዲ ሓንሳእ ወደር ኣልቦ ናይ ዘመንና ባርነት ሕጻናት እንክብሉ ብምግላጽ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነዚ ኣነዋሪ ተግባር እዚ ንምግታእ ዝተኻእሎ ከበርክት ካብ ምምሕጻን ዓዲ ኣይወዓሉን።

ዓለምለኸ ሕጊ መሰላት ደቂሰብ ምናዳ ንትሕቲ ዕድመ ኣብ ምክልኻል ዝርከቡ ኣካላት ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾነ ማንም ወዲሰብ ኣብ ቅርሕትን ውግእን ብቀጥታ ክሳተፍ የብሉን ዝብል ኣዋጅ እኳ እንተኣወጃ ብዙሓት ዕጡቃት ሓይልታት ግን ነዚ ዕሽሽ ብምባል ዓቅሚ ኣዳም ንዘበጽሑ ሕጻናት ኣስንኳይ ንክትርእዮ ንክትሓስቦ እኳ ዘስካሕክሕ ውግኣትን ዓመጻትን ይጸምድዎም ከምዝለው ዝተፈላለየ ጸብጻባት ይሕብር።

ከምዝዝከር ብ2000 ዓምፈ መሰላት ሕጻናት ኣብ ዝብል ኣዋጅ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣዋጅ 153 ዝኾና ሃገራት ክታመን ኣምቢረናሉ ነይረን። ኮይኑ ግን ከም መግለጺ ኣንድረያ ያኮሚኒ ወሃብ ቃል ዩኒሰፍ ኣብ ሃገረ ጣልያን ‘ብዙሓት ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ኣባላት ተዋጋኢ ሰራዊት ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ይዋግኡ። ዝገደደ ከኣ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ መርወዪ ጾታዊ ድላያትን ግዱድ መርዓን ኮይነን ይርከባ።’ ድሕሪ ቢሎም ኣብ ከም በዓለ ደቡብ ሱዳን የመን ልዕሊ 19 ሺሕ ትሕቲ ዕድመ ወተሃደራት ከምዘለው ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝገብሮ ጻዕሪ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ነጻ ክነውጽኦም እኳ እንተፈተና መሊሶም ስለዝወስድዎም ኣብ ብርቱዕ ጸገም ንርከብ ኢሎም። ንኣብነት ይብሉ ኣንድረያ ያኮሚኒ ግጭት ደቡብ ሱዳን ብ2013 ካብ ዝጅምር ልዕሊ 3 ሺሕ ሓራ ክነውጽእ ክኢልና፣ ምስ`ዚ ከኣ ንትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ሕጻናት ዝልክሙ ብዙሕ ግጭታት ኣሎ። ዝገደደ ከኣ ቤትትምህርታትን መዕቈቢ ሕሙማን ሆስፒታላትን ከይተረፈ ዝድፈረሉን ምንም ሓገዝ ክትገብረሉ ዘይከኣልን ኩነታት ኣሎ። ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምሥራቅን ወተሃደራዊ መሥልጠኒ ናይ ትሕቲ ዕደመ ኣዋዲዶም ንብዙሓት ግዳይ ዝገብሩ ኣለው። ኣብተን ተረሲዔን ብዙሕ ዘይዝረበለን ከም በዓል ሰራልዮን ኣይቮሪ ኮስት ዚኣመሰላ ሃገራት እውን ዕስክርና ትሕቲ ዕድመ ገና ይቅጽል ኣሎ እንክብሉ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም በተን ውዑል ዝፈረማስ ይኹን ዘይፈረማ ሃገራት ዝግበር ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂሰባት ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድሚ ከኣ ብፍላይ ምዃኑ ገሊጾም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
12 February 2019, 18:01