ድለ

በዓለ ልደት ኣብ ምስሪ፥ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና መንእሰያት ብሓባር በዓለ ልደት ኣብ ምስሪ፥ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና መንእሰያት ብሓባር  

በዓለ ልደት ኣብ ምስሪ፥ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና መንእሰያት ብሓባር

መንእሰይ ምስሪ ብሓቂ ክፉትን ኣብ ናይ ዘተ ባህሊ ዝኣምንን እዩ፡ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ተስፋን ዘተን ኢኻ ተተንፍስን ተስተማቕርን ምስ በሉ፡ ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ መላእ ምስሪ ከበሃል ይከኣል ሃዋሁ በዓል እዩ ዝረአይ ዘሎ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ፍልልይ ዘሎ ሓድነት እዩ ዝምስክር

ኣብ ምስሪ ከተማ እስክንድሪያ ናይ ዝርከብ ናይ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ናይ ባህሊ ተቕዋም ኣመሓዳሪ ምስራዊ መንእሰይ ሳሚ ክረታ፥ ብምኽንያት በዓለ ልደት፡ ክርስቲያንን ኣስላምን መንእሰያት ብሓባር መታን ከብዕሉ ብቋንቋ ዓረብ ዝተዳለው ናይ በዓለ ልደት መዛሙር ብክርስቲያን መንእሰያት ከምዝቐረበን፡ ኣብ ዝተሰናደወ መደብ ምርኢት ብዙሓት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ከምእተሳተፉ ብስልኪ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ግብረ ሽበራ ክፍጸም እዩ ዝብል ፍርሒ እውን እንተነበረ በዓለ ልደት ዝእግዚእነ ዓወት ኣብ ልዕሊ ፍርሕን ጽልእን ምግምማዕን ብምዃኑ ነዚ ፍቕሪ’ዚ ምምስካር ክርስትያናዊ ጸዋዕታ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ምስሪ ኣብነት ባህላውን ሃይማኖታውን ዘተ እያ፡ እዚ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝተዓደለቶ ህያብ ሎሚ ተደጋጋሚ ግብረ ሽበራ በኽረርቲ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፍጸመላ ሃገር እውን እንተዀነት ነቲ ምዃናዊ ባህላ ጠሪሹ ክሓኮን ከጥፍኦም ዝከኣል ኣይኰነን፡ ኣብቲ ዝቐረበ ምርኢት መዛሙር ልደት ልዕሊ 500 ሕዝቢ ከምእተሳተፈን፡ ናይቲ ምርኢት መርሕ ቃል ከኣ ልደት ንኹሉ ዝብል ከምዝነበረ ገሊጾም። ካቶሊክ ምእመናን ውሁዳን እውን ይኹኑ ምስ ኣሕዋቶም ምእመና ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ብሓባር ናይ ሰላምን ዘተን ባህሊ ኣብ ምምስካር ከምዝርከቡ ገሊጾም።

ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ በዓል ሃይማኖት ምስልምና ነሕዋቶም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእክት ብምቕራብ ጥራሕ ዘይኰነ ሓቢሮም ኣብ ሓጐሶም ዝካፈሉ እያቶም። መንእሰይ ምስሪ ብሓቂ ክፉትን ኣብ ናይ ዘተ ባህሊ ዝኣምንን እዩ፡ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ተስፋን ዘተን ኢኻ ተተንፍስን ተስተማቕርን ምስ በሉ፡ ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ መላእ ምስሪ ከበሃል ይከኣል ሃዋሁ በዓል እዩ ዝረአይ ዘሎ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ፍልልይ ዘሎ ሓድነት እዩ ዝምስክር፡ ርእሰ ብሔር ኣብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ካብ ዝሕረዩሉ 2014 ዓ.ም. ንነጀው ዝረአይ ዘሎ እወታዊ ኩነት እውን ነቲ ምቅርራብ እዚዩ ይተባባዕ ከምዘሎን፡ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣል ሲሲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምስሪ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ዝገብሩሎም ኣቀባብላን ባዕሎም ርእሰ ብሔር ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካይሮ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎም ዘርኣይዎ ቅርበት ብሓቂ ዘይርሳዕን ነቲ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝንበር ዘሎ ዘተን ምቅርራብን ዘበራተዔን እውን ምዃኑ ክረታ ገሊጾም።

ኣብ 2017 ዓ.ም. በዓለ ሆሳዕና ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፈጸመዎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ፡ ስለዚህ ግብረ ሸበራ ክፍጸም ዝከኣል እዩ ዝብል ፍርሒ ኣሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር እምነት ሓይልን ጽንዓትን እዩ፡ ኩሉ ኣብ በዓለ ልደት ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ ምስታፍ ኣይክቦኸርን።

ድሕሪ 2017 ዓ.ም. ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓባር ዘተን ተበጽሖታቱን

ኣብ ምስሪ ድሕሪ እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2017 ዓ.ም. ዘካየድዎ ምብጻሕን ካይሮ ኣብ ዝርከብ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መንበረ ጥበብ ሃይማኖት ምስልምናን ተረኺቦም ኣብቲ ዛዕባ ዘተን ርክብን ዝተሰናደው ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎምን ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን ምስ ዓቢይ መምህር ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዒማም ዶክተር ኣሕማድ ኣል ጣይብ ተራኺቦም ብሓባር ዘካይድዎ ዘተን ስዒቡ እውን ዒማም ዶክተር ኣሕማድ ኣል ጣይብ ብምኽንያት በዓላት ሃይማኖት ክርስቲያን ንቕዱስ ኣቦና ዘመሓላልፍዎ መእኽትታት ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም ነቲ ናይ ሓባር ዘተ ድጋፎምን ኣገዳስነቱን እዮም ዘረጋግጹ፡ ኣብ ግብሪ እውን ይውዕል ኣሎ ዝበሉ ክረታ ኣስዒቦም፡ ዘተ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ መንጐ ባህልታትን ስልጣኔታትን እውን ይተባባዕ ከምዘሎን ግልጽነት ቅንዕናን ጽንዓትን ዝሓትት ናይ ዘተ ባህሊ እዩ፡ ብሓባር ኩሉ ተኻኣሊ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።  

በዓለ ልደት ኣብ ምስሪ፥ ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና መንእሰያት ብሓባር
27 December 2018, 17:11