ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ቅድሚ ጭቡጥ ጊልያነት ማንም ኣነ ንጹሕ እየ ቢሉ ኢዱ ዝሓጽብ ከምዘየለ ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ቅድሚ ጭቡጥ ጊልያነት ማንም ኣነ ንጹሕ እየ ቢሉ ኢዱ ዝሓጽብ ከምዘየለ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ቅድሚ ጭቡጥ ጊልያነት ማንም ኣነ ንጹሕ እየ ቢሉ ኢዱ ዝሓጽብ ከምዘየለ

ካብ ወጅህና እቲ ኣብ ቅድሚ ዝሳቐይ ሰብኣዊ ፍጥረት እንጥቀመሉ ናይ ዘይተገዳስነትን ሸለል ናይ ምባል ጉልባብ

ዕለት 2 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ምውጋድ ጊልያነት (ምውጋድ ንግድ ሰብ) ብዝተፈላለዩ ጸረ ንግድ ሰብ ብዘቃልሑ መደባት ተሰንዩ ኣብ መላእ ዓለም ተሓሲቡ ከምዝወዓለ ክምልከት እንከሎ። ብዙሓት ደቀንስትዮን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 40 ሚሊዮን ሕዝቢ ኣብ ጊልያነት ወዲቖም ከምዝርከቡን፡ ንጊልያነት ዝዳርጉ ዓበይቲ ምኽንያት፥ ውግእን ድኽነትን ምልካዊ ስርዓትን ከምኡ እውን እቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዕዳጋን ምዃኑ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብ ወጅህና እቲ ኣብ ቅድሚ ዝሳቐይ ሰብኣዊ ፍጥረት እንጥቀመሉ ናይ ዘይተገዳስነትን ሸለል ናይ ምባል ጉልባብ ነወግድ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራትን ግብረ ጊልያነትን ማንም ኣይምልከተንን ንጹሕ እየ ቢሉ ኢዱ ክሓጸብ ኣይክኣሎን፡ ዝብል ሓሳብ ቅዱስነቶም ዕለት 2 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ብትዊት ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ዝፈነውዎ መልእኽቲ ከምዝገለጹ ክፍለጥ እንከሎ፡

ልዕሊ ኣርብዓ ሚሊይን ዝግመት ሕዝቢ ብጊሊያነት ከምዝሳቐይ

ዕለት 2 ታሕሳስ 1949 ዓ.ም. ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝጸደቐ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ካብ ዝእወጅ 70 ዓመት የቝጽር ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ሎሚ ኣብ ዓለም ብዝተፈላለዩ ግብረ ምዝመዛን፡ ንዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ክብሪ ዝሓክኽ ተግባር ዝዳረጉን ንግድ ሰብ ብሰፊሕ ዘርአይ ምዃኑን፡ ናይ ገበን ጉጅለታት ብዘካይድዎ ካብ ቦታ ናብ ሰብ ናይ ምንቅስቓስ ተግባራትን ምልካውያን ስርዓትን ዝፍጽምዎ ጸቕጢ ምኽንያት ብዙሓት ዜጋታት ንሓድሽ ጊልያነት ተቓሊዖም ከምዝርከቡን፡ እቲ ዝማዕለበ ዓለም ዝጥቀመሉ መብዛሕቲኡ ናይ ዝተራቀ መጋበርያ ዕዮ በቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ካብ ዝምዝመዝ ናይ ተፈጥሮ ማዕድን ዝምረት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ማዕድን ኣብ ምውጻእ ዝዋፈሩ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ክዀኑ እንከለዉን ኣብቲ ስራሕ እውን ዝምዝመዙን ምንም ዓይነት መውሃቢ ኣገልግሎት ዘይብሎምን፡ መብዛሕቲኦም ከኣ ሕጻናትን ደቀንስትዮን ምዃኖምን ብዓመጽን ብኢሰብኣዊ ኩነት ንሓደጋ ዝተቓልዑ እያቶም።

ኣብ 2016 ዓ.ም. ዝወጸ ጽባጻብ ከምዝሕብሮ ካብቶም ጠቕላላ እቶም ብሓድሽ ጊልያነት ዝተጠቕዑ እቲ 70 ሚእታዊ ብሕጻናትን ደቀንስትዮን ዝሽፈን ምዃኑን እንከመልክት ልዕሊ 89 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ እውን ኣብ ሕይወቱ ሓንሳብ ይኹን ካብኡ ንላዕሊ እውን ብሓድሽ ጊሊያነት ምኩር ምዃኑ ክሕብር እንከሎ፡ ምብዛሕቲኡ ከኣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት የዕራብን ብብዝሒ ዝርአይ እዩ። 

03 December 2018, 16:46