ድለ

ኣብ መንጎ ባንግላደሽን ምያንማርን ስደተኛታት ሮሂንግያ ኣብ መንጎ ባንግላደሽን ምያንማርን ስደተኛታት ሮሂንግያ  

ብዛዕባ ስደተኛታት ዝሓሊ ክፍሊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 12 ሚልዮን ንዝኾኑ ዜግነት ዘይብሎም ውሳኔ ክግበር ይጽውዕ!

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ትካል ክፍሊ ላዕላይ ኣባል ዝኾነ ናይ ስደተኛታት ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንዲ፣ ‘ንዘግነት ኣልቦነት ምእላዩ ክግበር ዘለዎ ቅኑዕ ነገር ምዃኑን እዚ ከኣ ብኩሉ መዳይ ማለት ብፖሊቲካስ ይኹን ሰብኣውን ስነምግባራውን መዳይ ቅኑዕ ተግባር እዩ’ ኢሉ።

ሙሴ ዮሓንስ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ትካል ወኪል ብሰኑይ ‘መንግስታት ንዜግነት ኣልቦነትን ከም ሳዕቤኑ ንልዕሊ 12 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ዘሳቂ ጉዳይ ንምውጋድ ወሳኒ ስጉምቲ ክወስዳ ኣለወን' ኢሉ። እዚ ጉዳይ እዚ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ከቢድ ምዃኑ ዝገለጹ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተናታት ሓልዮ ፊሊፖ ግራንዲ፣ ነዚ ጸገም እዚ ምውጋድ ከኣ ብሰብኣውን ሞራላውን ፖሎቲካውን ኣመለኻኽታ እቲ ክግበር ዘለዎ ቅኑዕ ተግባር ምዃኑ ገሊጾም።

ብመሠረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ሓደ ዜግነት ኣልቦ ሰብ ‘ማንም ሃገር በቲ እትምራሓሉ ሕግታት ዜጋይ ዘይትብሎ ሰብ እዩ`።  እዚ ናይ ዜግነት ኣልቦነት ጸግም ናይ ሓያሎ ዝተፈላለዩ ምክንያታት ሳዕቤን ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ዓሌታዊ ወይ’ውን ሃይማኖታዊ ሌላን ጉሌላን ዘስዕቦ ተነጽሎ፣ ወይውን ጾታዊ ፍልልይ ዘስዕቦ ጸገም ክኸውን ይኽእል።

መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰለት!

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓልዩ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንደ መግለጺኡ ብምቅጻል፣ ዜግነት ኣልቦ ዝኾኑ ሕዝቢ በቲ ናይዚ ጸገምዚ ዝለዓለ ምንጪ ኮይኑ ዝረኤ ናይ ዜግነት ሕግታት ብዘኸተሎ ፍልልይ ነተን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሳቶም ዝኾና ከም ትምህርቲ፣ ሕክምናን ናይ ሰራሕ ዕድልን፣ ንከይረኽቡ ገና ብዙሕ ዕንቅፋታት የጋጥሞም ኣሎ።

ነዚ ጸገም እዚ ንምብዳህ ድማ ኩሎም ፖሊኸተኛታት፣ መንግስታትን፣ ላዕለዎት ሓገግቲ ኣካላትን ነዚ ናይ ዜግነት ኣልቦ ጸግም ካብ ገጽ ምድሪ ብ2024 ዓም ንምውጋድ ወሳኒ ስጉምቲ ክወስዳን ክድግፋኦን ተማሕጺኖ። እዚ ከኣ ብሰብኣውን ስነምግባራውን ፖሎቲካውን ኣመላኽኽታ ክግበር ዘለዎ ቅኑዕ ሥራሕ እዩ። ኣብዛ ዓለምና ዝነብር ነፍሲወከፍ ሰብ ናይ ዜግነት መሰልን ኣነ ናይ`ዛ ሃገር ኣባል እየ ክብልን መስል ኣለዎ እንክብል ኣተሓሳሲቡ።

እልቢ ዘይብሎም ኣይላዕሊ ኣይታሕቲ ኮይኖም መንጎ መንጎ ይነብሩ!

እዚ ብግራንዲ ዝቀርብ ዘሎ ጻውዒጥ ድሕሪ እቲ ንዓሠርተ ዓመት ዝጸንሕ ነዚ ናይ ዜግነት ኣልቦ ጸገም ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ኣነ እውን ናተይ ዝብሎ ዜግነት ኣሎኒ ዝብል ወፍሪ ነቶም ብሚልዮናት ዝቁጸሩ በዚ ሃጸገምዚ ኣይላዕሊ ኣይታሕቲ ኮይኖም ዘለው መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ ሃገራት ኤስያን ኣፍሪቃን ንዝኾኑ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።

ከምቲ ጸብጻብ ንስደተኛታት ዝሓሊ ክፍሊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘመልክቶ፣  ኣብ መላእ ዓለም በዚ ናይ ዜግነት ኣልቦነት ጸገም ዘይተጸልወ ክፍሊ የለን! ገለ ሃገራት ብኣሽሓት ዝቁጸሩ  ኣባላተን በዚ ናይ ዜግነት ኣልቦነት ተጸልዮም ኣብ ሽግር ከምዘለዉ  ይሕብር።  

ባህርይ ናይዚ ናይ ዜግነት ኣልቦነት ብልክዕ ክንደይ ዝኾኑ ተጸልዮም ከምዘለው ወይውን ኣብ ሓደጋ ከምዘለው ክትፈልጥ ኣሸጋሪ ይገብሮ። ኮይኑ ግን ኣብ 2017 ዓም ብዝተገብረ ገምጋም ልዕሊ 70 ሃገራት 3.9 ሚልዮን ወልቀ ሰባት በዚ ኩነታት ተጸልዮም ምህላዎም ጸብጺበን።

እዘን 25 ሃገራት ካብ ምሉእ ዓለም ጥራሕ፣ ንጾታዊ ምጒናይ ከም ገበን ኣብ ሕግታተን ዘስፈራን ደቂ ኣንስትዮ ንደቀን መሰል ዜግነት ንከይውርሳ ዝእግድ ባህሊ ብምውጋድ ማዕረ ደቂተባዕትዮ መሰል ዘልበሳ ካብ ዓለም ምሉእ 25 ሃገራት ጥራሕ እየን።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
14 November 2018, 16:51