ድለ

ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝተኣትወ ናይ ሰላም ቃል ኪዳንን ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝተኣትወ ናይ ሰላም ቃል ኪዳንን 

ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝተኣትወ ናይ ሰላም ቃል ኪዳንን

ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ሰላም ብዓጀብን ብወግዕን ኣብ ልዕሊ እቲ ጨካን ወግእ ዝነገሰሉ ዕለት እውን እንተዘይኰነ፡ እቲ ቶክሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ እቲ ብምድርን ብባሕርን ብኣየርን ዝፍጸም ዝነበረ ዕንወትን ሕልቂት ክቋርጽ ገይሩ ንሰላም በራትን መገድን ከፊቱ እዩ፡

ዕለት 11 ሕዳር 1918 ዓ.ም. እቲ ናይ 15 ሚልዮን ሕዝቢ ሕይወት ንሞት ዝዳረገ ቀዳማይ ውግዕ ዓለም ኣብ ሓደ ክፍሊ መጓዓዝያ ባቡር ካሬታ ውሽጢ ናይ ጀርመን ወከልቲ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ካምፔይኘ ቶክሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝተፈራረሙሉ ዕለት ትማሊ ተዘኪሩ ውዒሉ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ዕለት 1 ታሕሳስ 1918 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ጉባኤ ኣስተንትኖ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ዘስካሕክሕን ዘሰንብድን ዓቢይ ሕልቂትን ትርጉም ዘይብሉ ሞት ዝተራእየሉ እንክብሉ ዝገለጽዎ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ መወዳእታ እነሆ ኣብቂዑ እንክብሉ ነቲ ዕለት 11 ሕዳር 1918 ዓ.ም. ቀዳማይ ውግእ ዓለም ደው ክብል ዝተበጽሔ ስምምዕ ጠቒሶም ዝገለጽዎ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዝዘከርዎን፡ በነዲክቶስ መበል 15 Quod Iam Diu - ድሮ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝነበረ ኰነ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ናይ በዓል ሓደ ገጽ ዓዋዲት መልእኽቲ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምዝዛሙ ዓቢይ ሓጐስ ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም እዛ ዕለት’ዚኣ ምሉእ ዓለም ብሓንቀውታ ዝጽበያን ማሕበረ ክርስቲያን ብዘይ ሕለል ጸሎት ዝምህለላ ዝነበርትን ኣንሕና ሓላፍነት ዘሎና ከኣ ናይ መላእ ሕዝቢ ዓለም ረብሓ ውሑስ ዝዀነላን ኣጽዋር ውግእ ዝዕበሰላን ኩሉ ኣብ ስምምዕ ሰላም ከብል እነቕርቦ ዝነበረና ጻውዒት ዝተኸወነላ ዕለት እያ እንክብሉ ከምዝገለጹ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ይምስክሮ።

ዕንወትን ህልቂትን ዘቋረጸሉ ዕለት

ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ሰላም ብዓጀብን ብወግዕን ኣብ ልዕሊ እቲ ጨካን ወግእ ዝነገሰሉ ዕለት እውን እንተዘይኰነ፡ እቲ ቶክሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ እቲ ብምድርን ብባሕርን ብኣየርን ዝፍጸም ዝነበረ ዕንወትን ሕልቂት ክቋርጽ ገይሩ ንሰላም በራትን መገድን ከፊቱ እዩ፡ እቲ ውግእ ድሮ ዝነበረ ዘበለ መዓልቲ፡ ክውን ዘበለ ምኽንያት ንምስትውዓል ናብቲ ሰገር ኩሉ ዝዀነ በቶም ናይ ጻድቃንን ለወሃትን ብዘዕርግዎ ጸሎት ብምሕረቱ ተለዓዒሉ ኩነት ናብ ዝቕየር ድሕነት መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘውሓዞ ንብዓትን ስቓይን፡ ምርግጋእ ክህልዎ ናብ ዝገበረ ልዑል ተብል፡ ።

እቲ ኣብ ኮምፐይኘ ዝተበጽሔ ቶክሺ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከምዘሎ ኰይኑ ሰብኣዊ ፍጥረት መሊሱ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እውን ክእለኽ ተራእይዩ እዩ። ዕለት 28 ሰነ 1919 ዓ.ም. ናይ ቨርሳይልስ ውዕሊ ተፈረመ፡ ኣብ ልዕሊ ጀርመን ብዙሕ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ጸቕጢ ኣንበረ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ጀርመን ማሕበረ ብሔራውያን ናብ ስልጣን ክመጹ ምኽንያት ኰነ፡ ድሕሪ ነዊሕ እዋን እቲ ናይ ዕለት 11 ሕዳር 1918 ዓ.ም. ቶክሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝነጸጐ ዝመስል ዝነበረ ውግእ ከም ብሓድሽ ደበኽ በለ፡ እቶም ዕለት 11 ሕዳር 1918 ዓ.ም. ኣብ ካምፒየኘ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝፈረሙ ኣባላት መንግስቲ ጀርመን ዝንበሩ ብምሉኦም ኣብ ሃገሮም ብዝነበረ ማሕበር ብሔራውያን ከዳዓት ተባሂሎም፡ እቲ ንጀርመን ክትውቃዕ ዝገበረ ስምምዕ ዝተቐበልኩም ዘይ ሃገራዋን ተባሃሉ።

1940 ዓ.ም. ነቲ ናይ ካምፒየኘ ስምምዕ ዝግልብጥ ኵነት ተበገሰ

ኣብ 1940 ዓ.ም. እቲ ዕለት 11 ሕዳር 1918 ዓ.ም. ኣብ ዓለም መገድን በርን ሰላም ኣርሀወ ዘበለ ናይ ሰላም ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ዝቕይር መላእ ዓለም ናብ ዘዕንው ካልኣይ ውግእ ዓለም ተኣትወ፡ ነዚ  ዕለት 2 ሰነ 1940 ዓ.ም. ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዘለጹ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ከምዝነበሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር እንከመልክት፡ እቲ ናይ ዕለት 11 ሕዳር 1918 ዓ.ም. ናይ ሰላም ስምምዕ ሕነ ናይ ምፍዳይ ዳልይ ከም ሕቡዕ ድላይ ዝነበሮ ክሳብ ዝመስል ዓለም ናብቲ ዕለት 1 መስከረም 1939 ዓ.ም. ዝተበገሰን ዕለት 2 መስከረም 1945 ዓ.ም. ናብ ዘብቅዔ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣሰጋገረ።

ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝተኣትወ ናይ ሰላም ቃል ኪዳንን
12 November 2018, 16:48