ድለ

ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ፥ ተመክሮ ሓደስቲ ኤኮኖሚ ኣብ ዘተ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ፥ ተመክሮ ሓደስቲ ኤኮኖሚ ኣብ ዘተ 

ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ፥ ተመክሮ ሓደስቲ ኤኮኖሚ ኣብ ዘተ

እዞም ለውጢ ዘተባብዑን ዘነቓቕሑን ዝተፈላለዩ ማሕበራት እቲ ዘነቓቕሕዎን ዘተኣታትውዎን ለውጢ ኣብ ማሕብራውን ኤኮኖሚያውን መዳይ ኰይኑ፡ ብብሔራውን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ምትሕብባር ብምንቕቓሕ ኣብ ዓለም ዝረኣይ ድኽነት መንቀሊ ኣለልዩ ድኽነት ንምጥፋእን ዝረአይ ቅልውላው ምህዳር ንምውጋድ ብሓባር ሓድሽ ከይዲ ኤኮኖሚ ከምዘሎን ብምሕባርን ነዚ ንምቅቓሕ ዝብል ዕላማ ዝኽተሉ እዮም

ከባቢ ሮማ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት ምንቅስቓስ ማእከል ማርያም  ካብ ዕለት 2 ሕዳር ክሳብ ዕለት 4 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ነቢያዊ ኤኮኖሚ ኣብ ዝብል፥ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘቐድምን ዘተባብዕን ማንም ዘይንጽልን ፍጥረን ተፈጥሮን ዝከናኸን ካብቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ከይዲ ኤኮኖሚ ዝተፈልየ ፍትሓዊ ኤኮኖሚ ብሰፊሕ ዝመኸረን ኣብዚ መዳይ ዝተፈላለዩ ተመክሮታት ኣብ ዘቕረበ ዓውደ ጉባኤ ሸውዓት ዝተፈላለያ ካብቲ ዓለም ዘሎ ካልኣይ ኣማራጺ ኤኮኖሞ ዘንቀሳቕሱ ማሕበራት ኣሳቲፉ ከምእተኻየደ ተሕቢሩ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘረጋጽ ዓይነት ኤኮኖሚ ዝቐርቡ ኣገልግሎታትን ተመክሮታትን ብሰፊሕ ዝተተንተነሉን፡ ካብ ዝተፈላለያ ኣርብዓ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ካብቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዓይነት ከይዲ ኤኮኖሚ ካልኣ ኣማራጺ ከምዘሎ ዝሕብሩን ዘመላኽቱን ዝትግብሩን ክኢላታትን ሊቃውንትን ዝርከዎም ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ተጋባእያን ኣሳቲፉ ከምእተኻየደ ክሕበር እንከሎ፡

ነቢያዊ ኤኮኖሚ ዝኽፈሎ ዋጋ?

ካብቲ ዝርአይ ዘሎ ከይዲ ኤኮኖሚ ዝተፈልየ ፍትሓውን ናይ ኵሉ ጥቕሚ ዝብል ኤኮኖሚ  ከዘሎ ብቓል ጥራሕ ዘይኰነ ጭቡጥ ተመክሮታት ብምቕራብ፡ እቲ ነቢያዊ ኤኮኖሚ ከም መርሕ ዝኽተሎ ምእማንን ምትሕብባርን ምልዋጥን፡ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ፡ ማሕበረሰብ ዮሓንስ መበል 23 ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኖማደልፊያን፡ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ክንክን ምህዳርን። ምንቅስቓስ ራብዓይ ዓለምን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን ኣባይቲ ስድራን፡ ስሎት ሞብ እተሰምየን ዝተፈላለዩ ወልፍታት ንምውጋድ ዝዓይን ምንቅስቃ ኣፍቅሮተ ዘቤትን እተሰምዩ ሸውዓተ ማሕበራት ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ከምዝዀኑን፡ እዞም ለውጢ ዘተባብዑን ዘነቓቕሑን ዝተፈላለዩ ማሕበራት እቲ ዘነቓቕሕዎን ዘተኣታትውዎን ለውጢ ኣብ ማሕብራውን ኤኮኖሚያውን መዳይ ኰይኑ፡ ብብሔራውን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ምትሕብባር ብምንቕቓሕ ኣብ ዓለም ዝረኣይ ድኽነት መንቀሊ ኣለልዩ ድኽነት ንምጥፋእን ዝረአይ ቅልውላው ምህዳር ንምውጋድ ብሓባር ሓድሽ ከይዲ ኤኮኖሚ ከምዘሎን ብምሕባርን ነዚ ንምቅቓሕ ዝብል ዕላማ ዝኽተሉ እዮም።

ኣማራጺ ከይዲ ኤኮኖምን ንኡሳን ልቓሕን

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ማሕበራት፡ ናይ ኩሉ ረብሓ ዝብልን ኣብ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘተኰረ ዘተባብዕዎ ኤኮኖሚ እንታይ ይመስልን ዘለዎም ተመክሮን ብምቕራብ ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደን፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ናይ ስነ ምሕዳርን ናይ ኤኰኖምን ሊቅ ጀፍረይ ሳችስን ሱታፌ ኣብ ኤኮኖሚ ዘነቓቕሑ ኢጣሊያው ናይ ኤክኖሚ ሊቅ ልውጂኖ ብሩኒን ኣብ ሓድሽ ኤክኖሚ ዘተኰረ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣሞርኵይዞም ሰፊሕ መደረ ከምዘስምዑን ናይተን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ዝሳተፉ ማሕበራት ልኡኻን ኣብ ሓድሽ ኤኮኖሚ ዝኽተልዎ መገዲን ዘኻዕበትዎ ተመክሮም እውን ከምዘቕረቡ ክፍለጥ እንከሎ፡

ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መተባብዒ ቃል

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ዓውደ ጉባኤ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፥ ነቢያዊ ኤክኖሚ ኣበርቲዖም ዝድግፍዎን ሕውነታዊ ፍቕርን ምትሕብባርን ወንጌላዊ ፍቕሪ ከነቓቓሕ ምዒዶም፡ ነቢያዊ ኤኮኖሚ ንማንም ዘይንጽል ብፋልይ ንድኻታትን ዝተሓረጉን ዝተነጸሉን ዝድግፍ ከምዝዀነ የዘኻኽሩን ማሕበራዊ ጥቕሚ ኣብ ምትብባዕን ምክንኻንን ኩሉ ክተግህ ጽዉዕ እዩ ከምዝበሉ ይምልከት።

ምዕባለን ክንክን ምህዳርን

ምስፋሕ ድኽነትን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ጥብቂ ምተእስሳር ዘለዎም ከምዝዀኑን እዚ እውን ንገዛእ ርእሱ ምስ ጸኣት ስደተይናታት ዝራኸብ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ዘስመሩሉ ሓሳብ ሰፊሕ ትንታኔ እውን ከምእተወሃበሉን፡ ድኻታትን ተፈጥሮን ኣውያቶም የስምዑ ኣለዉ፡  እዚ እውን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ዓለም ዝረአይ እዩ፡ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ክደጋገምን ጸኣት ስደተይናታትን ይምስክር።

ዝተፈላለዩ ውጥናት ንሓደን እንዀን ሸቶ

ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ሰብኣዊ ዘማእከለ ናይ ለውጢ ኤኮኖሚ ዘነቓቕሕ ማሕበር ዘቕርቦ ውጥን ኣለዎ፡ እቶም ዝቐርቡ ውጥናት ብሓባር ናብቲ ዘይንጽልን ድኽነት ዘውግድን ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘረጋገጽ ዝተፈላለዩ መገድታት ዝሕብሩ ክዀኑ ኣንከለዉ እቲ ክብጻሕ ዝሕብርዎ ሸቶ ግና ሓደ እዩ፡ ዝለዚህ ኩለን ተጋባእያን ማሕበራት ዘለወን ተመክሮ ኣብ ጠረጴዛ ብምቕራብ ጥርንፉ ተመክሮ ኰይኑ ንናይ ኤኮኖሚ ማእከላትን ንሰብ ትካትላትን ኣውፈርቲ ሃብትን ክቐርብን ኵሉ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ተጠቃሚ ክኸውን ብምድጋፍ፡ ካብ መዝማዚ ኤኮኖምን ንኣይነት ካብ ዝብል ኤኮኖሚ ምልቓቕ ምትሕስሳብን ምድግጋፍን ብምትብባዕን ኣብ ፍትሒ ዝቖመ ኤክኖሚ ምንቕቓሕ ኣገዳስን መገዲ ሰላም እውን ከምዝዀነ ልምዓትን ሰላምን ፍትሕን ዘይነጻጸጉ ምዃኑ ብምምልካኣት፡ ልምዓት ንበይኑ ሰላም ከመጽእ ከምዘይክእልን ልምዓት ንበይኑ ሰላም ከምዘይውሕስብ ብሰፊሕ ብምሕባር፡ ኤኮኖሚ ኣብ ፍትሒ ምስ ዝቐውም ናብቲ ኵለንተናዊ ምዕባለ ዝመርሕ ምዃኑ እቲ ዝተካየደ ዓውደ ጉባኤ የብርህ።

ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ፥ ተመክሮ ሓደስቲ ኤኮኖሚ ኣብ ዘተ
05 November 2018, 17:07