ድለ

ናይ ቅስጥንጥንያ ፓትሪያርክ፡ ናይ ኡክራይን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ሓዋርያዊ ርእሰ ምሕደራ ናይ ቅስጥንጥንያ ፓትሪያርክ፡ ናይ ኡክራይን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ሓዋርያዊ ርእሰ ምሕደራ 

ናይ ቅስጥንጥንያ ፓትሪያርክ፡ ናይ ኡክራይን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ሓዋርያዊ ርእሰ ምሕደራ

በቲ ናይ ቅስጥንጥንያ ኦሮዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ውሳኔ ምኽንያት ሰላምን ፍቕሪ ንኽርስቶስን ምሰረት ብምግባር ገዳማትን ቅዱሳት ስፍራን ንዓይዶ ንዓይ ይግብኣኒ ብዝብል ውሳኔ ናብ ምብሓት ከይጓየያ ናይ ቁስጥንጥንያ ቅዱስ ሲኖዶስ ሓደራ ይብል።

ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ እቲ ኣብ 1686 ዓ.ም. ናይ ኡክራይን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ትሕቲ ሓዋርያዊ ምሕደራ ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዝብል ዝነበረ ሲኖዶሳዊ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘስፈሮ ሓሳብ ዘይቅቡል እንክብል ካብቲ ስምምዕ ገዛእ ርእሱ ከምዘውጽአ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ነቲ ናይ 1686 ዓ.ም. ስምምዕ ዝሓክኽ ዝወሰዶ ሓድሽ ውሳኔ ቅድም ክብል ዘጽደቖ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ብወግዒ ዝገለጾ ግና ዕለት 12 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. እዩ፡ እቲ ናይ ቍስጥንጥንያ መግለጺ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ 1686 ዓ.ም. ዝተወስደ ውሳኔ ናይቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኩነት ግምት ዝሃበ ከምዝነበረን ንሱ ኸኣ ናይ ኪየቭ ፓትሪያርክ ዝስይም ናይ ሞስኮ ፓትሪያርክ እዩ ዝብል ኰይኑ ኣብ ኣደ ቤተ ክስርቲያን ቍስጥንጥንያ ሕገ ቀኖናዊ ጽግዕተይና ይዅን ዝብል ከምዝነበረን፡ ነዚ ዅሉ ጠቒሱ ኵለን ኣብቲ ታሪኻዊ ጉዳይ ዝምልከተን ኣቢያተ ክርስቲያን፡ በቲ ናይ ቅስጥንጥንያ ኦሮዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ውሳኔ ምኽንያት ሰላምን ፍቕሪ ንኽርስቶስን ምሰረት ብምግባር ገዳማትን ቅዱሳት ስፍራን ንዓይዶ ንዓይ ይግብኣኒ ብዝብል ውሳኔ ናብ ምብሓት ከይጓየያ ናይ ቁስጥንጥንያ ቅዱስ ሲኖዶስ ሓደራ ይብልን።

ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት፡ ምስ ናይ ወጻኢ ኣቢያተ ክርስቲያን ርክባት ጉዳይ ኣቦ መንበር ሜጥሮፖሊታ ሂላሪዮን ሊቀ ጳጳስ ናይ ቮሎኮልምስክ ናይ ሞስካ ፓትሪያርክ ነቲ ናይ ቍስጥንጥንያ ኦርቶዶካዊት ቤተ ክርስቲያን ውሳኔ ግቡእን ብቑዕን መልሲ ክህበሉ ከምዝዀነ ኣፍሊጦም፡ እቲ ኣብ 1686 ዓ.ም. ናይ ኪየቭ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ናይ ሞስካ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ውህድንቲ ዝብል ውሳኔ ግዚያዊ ከምዘይነበረ ናይ ቍስጥንጥንያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣጸቢቓ ትፈልጦ እያ ከምዝበሉን፡ እዚ ናይ ኡክራይን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ምሕደራዊት ወይ ድላይ ኣውቶቄፋሎስ ድሕሪ 1991 ዓ.ም. ነጻነት ኡክራይን ዝዒቡ ዝመጸ እዩ ኢሎም።

ናይ ቅስጥንጥንያ ፓትሪያርክ፡ ናይ ኡክራይን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ሓዋርያዊ ርእሰ ምሕደራ
15 October 2018, 17:23