ድለ

መንግስቲ ኣስራኤል ኣብ ሃገሩ ዝርከብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንብረት ከምዘይህግር ኣፍሊጡ መንግስቲ ኣስራኤል ኣብ ሃገሩ ዝርከብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንብረት ከምዘይህግር ኣፍሊጡ 

መንግስቲ ኣስራኤል ኣብ ሃገሩ ዝርከብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንብረት ከምዘይህግር ኣፍሊጡ

ኣብ እስራኤል ናይ ዝረክባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ብዛዕባ እቲ ቅድመ ንድፈ ሕጊ ዘለዎም ስክፍታን እቲ ቅድመ ንድፊ ንናይ እስራኤል ሕዝባዊ ባይቶ ከይቀረበ ብዓንተውዑ ክስረዝ ዝብል ሕቶኦም ንምቅራብን ዝባዕባኡ ንኽመኽሩ ምስ ናይ እስራኤል ጉዳያት ዞባዊ ርክባት ሚኒስተር ጻኪ ሓነግቢ ከምተራኸቡን፡

ዕለት 21 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ሕዝባዊ ባይቶ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ዝርከብ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን መሬት ክህግርን ንናይ ግሊ ኣውፈርቲ ሓብቲ ገንዘብ ምሻጥ ኣብ ዝብል ቅድመ ንድፈ ሕጊ ኣማእኪሉ ከምዝመኸረን፡ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ መንግስቲ እስራኤል እቲ ቅድመ ንድፈ ሕጊ ከየጽድቖ ናብ ናይ እስራኤል መራሔ መንግስቲ ነታንያሁ ጻውዒት ከምዘቕረቡን መንግስቲ እስራኤል እውን ብወገኑ ማሕበረሰብ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ እስራኤል ዓቢይ ስፍራ ዘለዎን ኣገዳስን ክፍሊ ሕብረተሰብ እስራኤል ምዃኑ ገሊጹ ውሕስነት ከዝሃቦም ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ እስራኤል ናይ ዝረክባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ብዛዕባ እቲ ቅድመ ንድፈ ሕጊ ዘለዎም ስክፍታን እቲ ቅድመ ንድፊ ንናይ እስራኤል ሕዝባዊ ባይቶ ከይቀረበ ብዓንተውዑ  ክስረዝ ዝብል ሕቶኦም ንምቅራብን ዝባዕባኡ ንኽመኽሩ ምስ ናይ እስራኤል ጉዳያት ዞባዊ ርክባት ሚኒስተር ጻኪ ሓነግቢ ከምተራኸቡን፡ ሚኒስተር ሓነግቢ እውን ብወገኖም መንግስቲ እስራኤል ብኣቢያተ ክርስቲያን ዝውነን መሬት ክህግርን ክሸይጥን ድላይ ከምዘይብሉን ገሊጾም፡ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ እስራኤል ሕጋዊ መሰል ዝጥሕስ ምንም ዓይነት ውሳኔ ከምዘይሓልፍ ኣረጋጊጾም፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ መንጐ መንግስቲ እስራኤልን ኣቢያተ ክርስትያናት ኣብ እስራኤል ቀጻሊ ርክባትን ዘተን መታን ክህሉ ዝድግፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ኣራኻቢ ናይ ዕዮ መስመር እውን ክህሉ እዩ ኢሎም።

መንግስቲ እስራኤል ዘቕረቦ ናይ ሕጊ ንድፊ ክእገድ ጸቕጢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ናይ እስራኤል ናይ ሕግን ፍትሕን ጉዳይ ሚኒ. ኣየለት ሻከድ ዝድግፍዎ እቲ ኣብ ኣስራኤል ዝርከብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መሬት ሃገሪካ ንናይ ግሊ ትካትላትን ኣዋፈርቲ ሃብቲ ገንዘብ ምሻጥ ዝብል ቅድመ ሕገ ንድፊ ዕለት 21 ኣብ ናይ እስራኤል ሕዝባዊ ባይቶ ምይይጥ ዝተገብረሉ ርእሰ ጉዳይ፡ ጠቕላላ እተን ኣብ እስራኤል ዝርከባ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን፡ ናይ ላቲን ስርዓት እትተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኣርመን ቤተ ክርስቲኢያንን ካልኦት ብጠቕላላ ናይ 13 ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ዘቕረብዎ ናይ እስራኤል ርእሰ ብሔር ክእግድዎ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝተመሓላለፈ ናይ ጥርዓን ጻውዒት፡ ነታንያሁ እወታዊ መልሲ ክህብሉ  እቲ ሕጊ ዝቃወም ጸቕጢ ካብ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዝቐረበ ዘ ታይምስ ኣተሰመይ ኣብ እስራኤል ዝሕተም ዕለታዊ ጋዜጣ ክሕብር እንከሎ፥

እቲ ቅድመ ንድፈ ሕጊ ዘጽንዕን ኣርቂቑ ዘቕርብ ናይ እስራኤል ሕዝባዊ ባይቶ ናይ ሕጊ ጉዳይ ዝሓልይ ድርገት መልሱ ከጽንዖን ኣርቒቑ ከቕርቦ እንክብሉ ነታንሁ ዝሃብዎ ውሳኔ እቲ ቅድመ ሕገ ንድፊ ዝእግድ ዘይኰነስ ንሓደ ሰሙን ዘመሓላልፍ ምዃኑ ዝገለጸ ዘ ታይምስ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣስዒቡ፡ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትክተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብዓረበይና ቋንቋ ኣብ ዘቕርቦ ወግዓዊ መረብታዊ ገጽ፡ ርእሰ ብሔር ነታንያሁ እቲ ቅድመ ንድፊ ሕግ ክውገድ ድላይ ዘለዎ እውን እንተመሰል እቲ ዘይምድላዮም ዝገልጽ ወግዓዊ መገልጺ ካብ መንግስቲ እስራኤል ኣይተመሓለፈን ክብል ከምዝሓበረ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣስራኤል ኣብ ሃገሩ ዝርከብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንብረት ከምዘይህግር ኣፍሊጡ
26 October 2018, 17:19