ድለ

ቃፍላይ ስደተይናታት፡ ናይ ታፓቹላ ጳጳስ፥ ከም ኣመንቲ ሓገዝ ንምቕራብ ጽውዓት ኢና ቃፍላይ ስደተይናታት፡ ናይ ታፓቹላ ጳጳስ፥ ከም ኣመንቲ ሓገዝ ንምቕራብ ጽውዓት ኢና  

ቃፍላይ ስደተይናታት፡ ናይ ታፓቹላ ጳጳስ፥ ከም ኣመንቲ ሓገዝ ንምቕራብ ጽውዓት ኢና

ሰብኣዊ ፍጡር ንሓድ ሕዱ ዝደላለይን ዝደጋፈን ክኸውን ኣለዎ፡ ኣብቲ ዝሳቐይ ሓውኻ ገዛእ ርእስኻ ኣንብር ናይ ስቓዩ ተኻፋሊ ኵን

ማሕበረሰብና ብድኽነት ዝነብር እውን እንተዀነ ነቶም ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኽስደዱ ኣብ እግሪ ጉዕዞ ብመክሲኮ ዝሓልፉ ንዘለዉ ቃፍላይ ስደተይናታት ሓገዝ የቕርብ ከምዘሎ ኣብ መክሲኮ ናይ ታፓቹላ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኻይመ ካልደሮን ላልደሮን ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ልዕሊ 7 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ማእከላይ ከባቢ ላቲን ኣመሪካ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኽስደዱ ዝጓዓዙ ዘለዉ ቃፍላይ ስደተይናታት ካብ ዕለት 13 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ጉዕዞ ዝርከብ ኣብ መክሲኮ ግዝኣት ቻፓስ ኣብ እትርከብ ሰበኻ ታፓቹላ ዝሓለፈ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይታ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኻይመ ካልደሮን ካልደሮን ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ጸኣት ስደተይናታት ንቤተ ክርስቲያን ከም ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ንመላእ ዓለም መንግስታትን ዓቢይ ናይ ሕልና ደወል ከምዝዀነን ኣብ ዓለም እንኽተሎ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካ ኣብ ሕቶ ዘእትው እዩ ኢሎም፡ ናይ ሰበኻኦም ሕዝቢ ኣብ ድኽነት ዝነብር እውን እንተዀነ ነቶም ስደተይናታት ሓገዝ ይቕርብ ኣሎ፡ መን ይኹን ማንም ሰብ ከም ሰብ ክሕገዝን ክድገፍን ኣለዎ፡ ብዝተፈላለየ ዓመጽን ምዝመዛን ድኽነት ኣልቦ ዕድልን ስእነት ጸጥታህ ውሕስነትን ብሩህ መጻእን ናብ ስደት ዘቕንዕ ሕዝቢ እቲ ንስደት ዝዳርጎ ምኽንያት ኵሉ ክውገድ ናይ ኵሉ ምትሕብባር የድሊ ኢሎም።

ከም ሰብ እምነት ጸዋዕታና ደገፍ ምቕራብ እዩ

ማንም ይዅን ማንም ሕጋዊ ስደተይና ድዩ ዘይሕጋዊ ብዘየገድስ ቤተ ክርስቲያን ከም ቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ከም ሕዝበ እግዚአብሔር ሰብኣዊ ድጋፍ ምቕራብ እዩ ጸዋዕታኦም፡ ሕጋዊ ዘይሕጋዊ ዝብል ፍርዲ ንመንግስታት እዩ ዝምልከት፡ እቲ ካብ ማእከላይ ከባቢ ላቲን ኣመሪካ ዝተበገሰ ቃፍላይ ስደተይናታት ብሰበኻኦም ከምዝሓለፈን ሕዝቦም እታ ርካቡ እናካፍፈለ ነቶም ስደተይናታት ከምዝዓንገለን እውን ገሊጾም፡

ቃፍላይ ስደተይናታት፡ ናይ ታፓቹላ ጳጳስ፥ ከም ኣመንቲ ሓገዝ ንምቕራብ ጽውዓት ኢና
25 October 2018, 16:51