ድለ

2018.09.03 suor carla venditti 2018.09.03 suor carla venditti 

ብዙሓት ደቀንስትዮ ካብ እዋናዊ ጊልያነት ንምድሓን ክቱር ተገዳስነት

ደቀንስትዮ ብፍላይ ብዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጁለታት እናተሃድና ኣብ እዋናዊ ጊልያነት ወዲቐን ንዝርከባ ካብቲ ዝርከባሉ ክብሪ ሰብ ዝሓክኽ ተግባር ናጻ ንምውጻእ

ኣብ ኢጣሊያ ዝባ ላዚዮን ኣብሩዞን ኣባል ማሕበር ደናግል ሓዋርያት ቅዱስ ልቢ ዘኢየሱስ እናቴ ካርላ ቨንዲቲ ብዙሓት ደቀንስትዮ ንዝተፈላለየ መጋበርያ ፍትወተ ስጋ ክዀና ብናይ ገበን ጉጅለታት ነቲ ሰብኣዊ ክብሪ ዝሓክኽ ተግባር ዝተቓልዓ ካብቲ ዝወደቓሉ ንምድሓንን ንምንባይን ዝዓዪ በቲ ማሕበረ ደናግል ዝመሓደር ዓይኒ ማይ እናቴ ክለሊያ እተሰምየ መእለዩ ጽጉማት ደቀንስትዮ መሳለጢ ንምርካብ ዘለዎን ናይ ደራስነት ሞያ የወፍያ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

መንእሰይ ወለዶ እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ውህበትን ውበትን ዓቂቡ መገዲ እከይን ክብሪ ዘሕስር ተግባርን ግጉይ ምርጫ ሕይወትን ኵሉ ኣይፋል ክብል ዝሓንጽን ዝምዕድን ዘይዋገይ ክቱር ግዳሴ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስኦ መጽሓፍ ዘርክቦ እቶት ነቲ ደቀንስትዮ ካብ ዝወደቓሉ ኣዋናዊ ጊልያነት ንምድሓን መሳለጢ ከምዝውዕል ምስ ቫቲካን ነውስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን።

ንዝዕመጻን ኣብ ጊልያነት ንዝወደቓ ኣሕዋት ሓገዝ

ደናግል ከምኡ ኣውን ልኡካነ ወንጌል ንመነባበሪ ዝረኽብዎ ሓገዝ ካብቲ በሳልን ጥበበይናን ዝዀነ ሓልዮት እግዚኣብሔር ዝምንጨው እዩ፡ እዚ ሓልዮት’ዚ ድማ ኵሎም ገዳማውያንን ደናግልን ልኡካነ ወንጌልን ካብ እግዚኣብሔር ዝተዓደልዎ ክእለትን ፍልጠትን ንሰናይ ተግባር ብምውፋር ብኽእለቶምን ትምህርቶምን ዝረኽብዎ እቶት ንናይ ማሕበሮምን ገዳሞምን ሓባራዊ ጥቕሚ የውዕሉ፡ ስለዚህ ይብላ እናቴ ካርላ ቨንዲቲ፡ ንሰን እውን እቲ ናይ ደራስነት ክእለተን ህያብ እግዚኣብሔር ነገልግሎት እተን ኣብ ዝተፈላለየ ሽግር ወዲቐን ንዝርከባ ደቀንስትዮ ብፍላይ ብዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጁለታት እናተሃድና ኣብ እዋናዊ ጊልያነት ወዲቐን ንዝርከባ ካብቲ ዝርከባሉ ክብሪ ሰብ ዝሓክኽ ተግባር ናጻ ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝውዕል ምዃኑ ገሊጸን።

ኣብ ጐደናታት ቃል ኣምላኽ ምዝራእ

እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዝተበገሰ ደቀንስትዮ ንዝተፈላለየ መጋበርያ ፍትወተ ስጋ ንኽዀና ብናይ ገበን ጉጅለታት ተሃዲነን ካብቲ ዝወደቓሉ ሰብኣዊ ክብሪ ዝሓክኽ ከቢድ ኢሰብኣዊ ተግባር ንምድሓንን ንምንባየን ዝዓዪ በቲ ማሕበረ ደናግል ዝመሓደር ዓይኒ ማይ እናቴ ክለሊያ እተሰምየ መእለዩ ጽጉማት ደቀንስትዮ ቅድሚ ምቛሙ ደናግል ኣባላት ናይቲ ማሕበር ናብተን ብዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጁለታት ንመጋበርያ ፍትወት ስጋ ዝተቓልዐ ኣሕዋት ብምኻድ ቃል ኣምላኽ ብምብጻሕ ካብቲ ዝወደቓሉ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንምድሓን ይዓያ ከምዝነበራ ኣዘኻኺረን ካብዚ ተመክሮ’ዚ ድማ ነተን ኣሕዋት ካብቲ ዝወደቓሉ ጊልያነት ተላቒቐን ገዛእ ርእሰን ኣልዒለን ሕይወተን ምምራሕ ክኽእላ ምግባር ዘለዎ ኣገዳስነት ፍሉጥ ምስኰነ ዝቖመ ምዃኑ ገሊጸን። ፍቕሪ ጥራሕ እዩ ዘድሕን፡ እግዚኣብሔር ድማ እዩ ፍቕሪ ስለዚህ ንኣኡ ኣብ ልብኻ ምስ እትቕበል ድሕነት ኣሎ፡ እቲ ማሕበር መእለዪ ደቀንስትዮ ድማ እዚ እዩ ዝምስክር እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

ብዙሓት ደቀንስትዮ ካብ እዋናዊ ጊልያነት ንምድሓን ክቱር ተገዳስነት
07 September 2018, 10:21