ድለ

2018.09.05 ግራት ሥርናይ 2018.09.05 ግራት ሥርናይ 

ብጥምየት ናይ ዝጥቅዑ ሕዝቢ ዓለም ቁጽሪ ይውስኽ ከም ዘሎ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ገሊጹ፣

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ መግብን ሕርሻ ሓልዮ ውድብ ኣብ ናይ 2017 ዓ ም ጸብጻብ ከምዘመልክቶ 821 ሚልዮን ሕዝቢ ብጥምየት ከምኡ ውን ልዕሊ 150 ሚልዮን ዝግመቱ ሕጻናት ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ከቢድ ስቃይ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

ሙሴ ዮሓንስ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ መግለጺኡ ክምዝብሎ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጥምየት ብዝለዓለ ደረጃ ይሰፍሕ ምህላዉን፣ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ን 821 ሚልዮን ሕዝቢ፣ እዚ ኸኣ ኣብ 2017 1 ሕጻን ካብ 9 ብጥምየት ከምእተጠቕዔ የመላኽት፣ ኣብዚ ኣብ ዕዉት  ዝኾነ ምዕባለ ኣብ እንስጉመሉ ዘሎና እዋን ኣብ  2030 ናብ ዝተሓተ ደረጃ ኵወርድ ምዃኑ እዩ ዝሕብር።

ብዝሓለፈ ሰሉስ ናይ ዓለም ለኸ ናይ መግቢ ውሕስነት፣ ዝተመጣጠነ መግብን ሓልዮ ውድብ ኣብ ዝሃብዎ፣ ኣብ 2018 ዓ ም ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ መግብን ሕርሽን ሓልዮ፣  እዚ ዘሎ ገስጋስ ወይ ምዕባለ እኹል ኣይኮነን፣ እዚ ናይ ዓጸበውነት’ዚ ብዕጽፊ ናህሩ ይወስክ ከም ዘሎ፣ በዚ ዘሎ ድማ ብዙሓት ሕጻናት በዚ ግዳይ ማህሚኖም ምህላውምን፣ ሚኣቲ ሚልዮን ዝኾነ ህዝቢ ድማ ኣብ ከቢድ ሓደጋ የንጸላልዉ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ኣስዒቦም ናይ መግብን ሕርሽን ሓልዮ ውድብ  ኣብ ዝሃቦ  መግለጺ ዓመታዊ ጸብጻብ፣ ኣብ ደቡብ ኣሜርካ ከምኡ ውን ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሓት ኣብ ኣስጋኢ  ሃለዋት ከምዝርከቡ ብተወሳኺ ክገልጽ እንከሎ፣ ኣብ ኤሽያ 515 ሚልዮን፣ ኣብ ኣፍሪቃ 256.5 ሚልዮን፣ ኣብ ላቲን ኤሜርን ካሪቢያንን 39 ሚልዮን ሕዝቢ ኣብ ጥምየት ከም ዘሎ የመላኽት።

እዚ ከኣ ብናይ ዘሎ ናይ ኩነታት ኣየር ጽልዎን ናይ ዝናምን ናይዘይ ሕርሻዊ ወቅትን ናይ ከባቢ ኣየር ምቅይያርን እዚ ኩሉ ደርቅን፣ ዕልቅልቅን፣ ናይ’ዚ ዘሎ ናይ ቁጠባ ምንቁልቃል ሳዕቤን ሙዃኑ ይንገር።

ምቅይያር ናይ ከባቢ ኣየርን ኣብ ልዕሊ ናይ ዝፈርዩ ዓበይቲ ኣዝርእቲ፣ ብልቱግ፣ ሩዝ፣ ከማኡ ውን ዕፉን፣ ብናይ ልዑል ረስኒ፣ ብናይቲ ረስኒ ዘይምጽዋር፣ ብዘሎ ናይ ልዑል ናይ ረስኒ ምውሳኽን፣ ምዝርጋሕን፣ ናብ ኩሉ ክላባዕ ኺኢሉ ከም ዘሎ ይንገር።

ናይ መግብን ሕርሻን ሓልዮ ውድብ፣ ምምህማን ሕጻናትን፣ ትሕቲ 5 ዓመት ዕድመ ዝግመቱ 15.8 ሚልዮን ሕጻናት ስቃይ ማለት 22 ሚእታዊ፣  ኣብ 2017 ዓ ም  ከኣ ካብዚኦም ዝነኣሱ ዕድመ ዘለዎም ብዓጸበውነት ክሳቐዩ፣  እዚ ክነጻጸር እንከሎ 165 ሚልዮን፣ 25 ሚእታዊ ኣብ 2012 ክከውን እንከሎ። ብሓፈሻኡ ኣብ ኣፍሪቃን ኤሽያን  39 ሚእታውን 55 ሚኣታዊ ዝግመቱ ህጻናት ኣብ ስቃይ ከም ዝርከቡ ይሕበር።

ኣብ ሓደ እዋን ናይ ዚ ግዜ ከኣ 38 ሚልዮን ሕጻናት ትሕቲ 5 ዓመት ልዕሊ ክብደቶም ሚዛን ከምዘለዎም ይሕብር። 50.5 ሚልዮን ሕጻናት ማለት 7.5 ሚእታዊት ትሕቲ 5 ዓመት ሕጻናት  ከኣ ብትሑት ናይ ሚዛን ክብደትን ቁሞት ተጸልዮም ምህላዎም ከኣ ይንገር።

እዚ ተርእዮ እዚ ምስ ኤሼያ ክነጻጸር እከሎ፣ 1 ካብ 10 ክኸውን እንከሎ፣ ምስ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ክነጻጸር እንከሎ 1  ካብ 100 ምዃኑ እዩ።

ናይ ጥዕና ደቀኣንስትዮ ሓልዮ፣ ብተወሳኺ ኣብ መግለጺኡ ከምዘስፈሮ፣ እቲ ዘሕፍር 32.8 ሚእታዊት ወይ ከኣ 1 ካብ 3 ደቀንስትዮ ኣብ ምፍራይ ዕድመ ዝርከባ ብሓፍሻ በዚ ናይ ዋሕዲ ደም ሕማም ተጸልየን ምህላወን ይሕበር። ብዘይ እዚ ዞባ እዚ ብዋሕዲ ደም ናይ ዝሓማ ኣብ ምፍራይ ዕድመ ንዝርከባ ደቀንስትዮ፣ ኣብ ኣፍሪቃን ኤሺያን ሰለስተ ዕጽፊ ናይ ሴሜን ኤሜሪካ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ ኣፍሪቃን ኤሽያን 1.5 ብዝለዓለ ዕጽፊ፣ ካብ ሰሜን ኣመርካ ብተመጋብነት ጡብ ኣደ ዝዓብዩ ከምዘለዉን፣ ኣብ ሰሜን ኣመርካ 26 ሚእታዊት ዝኮኑ ጥራሕ ትሕቲ 6 ወርሒ ዕድመ ሕጻናት ብተመጋብነት ጡብ ኣደ ዝዓብዩ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይገልጽ። ብሚዛን ግዝፊ ሰብነት ዝተጠቕዑ 672 ሚልዮን ወይ ውን 1 ካብ 8 በጺሖም ከም ዘሎ እቲ ጸባጻብ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ መግብን ሕርሻን ብተወሳኺ የመልክት።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

18 September 2018, 19:14