ድለ

ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣብ ሕንጸት ሃገር ክተግሁ ጻውዒት የቕርቡ ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣብ ሕንጸት ሃገር ክተግሁ ጻውዒት የቕርቡ 

ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣብ ሕንጸት ሃገር ክተግሁ ጻውዒት የቕርቡ

ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤለ ሳኮ ቀዳማዊ፡ ናብ ናይ ሃገሮም ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ኣብ ዒራቕ ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ኣብ ዒራቕ ዘዘንብይ ዘሎ ምግምማዕ ሃገር ከውገድ ብቕዓት ዘለዎን እቲ ኣብታ ሃገር ዝረአይ ኤኮኖሚያው ቅልውላው መፍትሒ ከቕርብ ዝኽእል ብርቱዕን ብቑዕን ሱሙር ናይ ፖለቲካ ውድባት መንግስቲ ምቛም ከምዘድሊ ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤለ ሳኮ ቀዳማዊ፡ ናብ ናይ ሃገሮም ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ኣብ ዒራቕ ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ኣብ ዒራቕ ዘዘንብይ ዘሎ ምግምማዕ ሃገር ከውገድ ብቕዓት ዘለዎን እቲ ኣብታ ሃገር ዝረአይ ኤኮኖሚያው ቅልውላው መፍትሒ ከቕርብ ዝኽእል ብርቱዕን ብቑዕን ሱሙር ናይ ፖለቲካ ውድባት መንግስቲ ምቛም ከምዘድሊ ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዒራቕ ድሕሪ ሳዳም ሑሴን ዝተረጋገጸ ምንም ዓይነት ስርዓት ደሞክራሲይ የሎን፡ ብዙሕ ጊዜ ቃል ተኣትዩን ዝተፈተነን እውን እንተዀነ፡ ካብ 2003 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝተፈላለየ መንግስታት ተበራርዮም እያቶም፡ ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ዕለት 12 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ ምርጫ መላእ ሃገር ኣብ ጽንኩር ኵነት ትርከብ፡ ፖለቲካዊ ተቕዋም ለሚሱ ይርከብ፡ ከምዚ ብምዃኑ ከኣ ሕዝቢ ኣብ መንግስቲ እማነ ዘይብሉ ኰይኑ ይርከብ፡ ሎሚ ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሔ መንግስቲ ናይ ኢራን ርየት ፖለቲካ ሰዓቢ ባዳር ናይ እተሰምየ ናይ ፖለቲካ ውድብ መራሒ ሓዲ ኣል ኣሚሪ እዮም፡ ይኹን ደኣ እምበር ክሳብ ሕጂ ኢራቕ ሕዝባዊ ባይቶ ኣየቖመትን።

ሕጹጽ ኣገዳስነት ጥሙር መንግስቲ

ኣብ ዒራቕ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣዚዩ ዝተሓሳስብ እዩ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ነታ ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብብርቱዕ ዘሻቕላ ከምዝዀነ ኣብ መልእኽቶም ዝገለጹ ብፁዕ ካርዲና ሳኮ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ወናንን ወሳንን ሕግን ብዓሌት ዝቖመ ግንባር ዕጡቓት ሓይሊ ንምውጋድ ዝተፈላለያ ናይ ፖለቲካ ውድባት ዝሓቁፍ ስሙር መንግስቲ ምቛምን ናይታ ሃገር ሓይሊ ምክልኻል እውን ኣብ ሓለዋ ጸጥታን ደሕንነትን በርቲዑ ክነጥፍ ዘኽእሎ ኵነት ክፍጠረሉ ይግባእ ኢሎም።

ዓመጽ ስእነት ስራሕን ምግባረ ብልሽውናን

ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ እቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ዓሰርተ ሓረጋት ዝቖመ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ዒራቕ ባዕዳዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ መንግስቲ ሳዳም ኣሊኻ ዒራቕ ናብ ደሞክራሲ መንግስቲ ምብጻሕ ብዝብል ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተመርሐ ወተሃደራዊ ስርሒት ፍሹም ምዃኑ ዝረአይ ዘሎ ሓቂ እዩ፡ ዓመጽን ስእነት ስራሕን ምግባረ ብልሽውናን ምውጋእ ናብ ጐዳና ሰላም ምምጻእ ማለት ምዃኑ ተንቲኖም፡ ናይ ሕዝቢ ሕቶ ምላሽ ክረክብን፡ ናይ ኢንዳስትርን ሕርሻን መስህብ ፖሊቲካ ደስኪሉ ኣሎ፡ እቲ ዘሎ ናይ ነዳዲ ኤኮኖሚ እዩ፡ ነዳዲ ይሽየጥ እቲ ዝኣትው ሃብቲ ገንዘብ ከኣ ይስረቕ፡ ስለዚህ ናይታ ሃገርን ናይቲ 30 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ መጻኢ እንታይ እዩ ዝኸውን ዝብል ሕቶ የቕርቡ።

ናይ ዜግነት  መሰረተ ሕጊ ንናይ ኵሉ ዓይነት ሕዳሴ ባይታ እዩ

ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ፡ ናይ ዜግነት መሰረተ ሕጊ ናይ ኩሉ ሕዳሴ ሃገር መሰረት ብምዃኑ፡ ውሑዳት ሰባት ውልቃዊ ረብሓኦም ምኽንያታዊ ንኸምስሉ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘለዓዕልዎ ምስሕሓብ ንምውጋድ ቅዋም ሃገር ምሕዳስ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም፡ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ክኣትው የብሉን ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሃገራዊ ማዕርነት ክብርን ክሕለውን ኣብ ሕንጸት ሃገርን ህዝብን  ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡ ዘተ ምትብባዕ የድሊ፡ ኣብዚ መዳይ ዝቦኸረ ፖለቲካ እዩ፡ እቲ ንሃገርን ህዝብን ዝሓስብ ፖለቲካ እዩ ጐዲሉ ዘሎ፡ ንኢራቕ ሰላምን ምርግጋእን ጻውዒት ኣቕሪቦም መልእኽቶም ኣጠቓሊሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣብ ሕንጸት ሃገር ክተግሁ ጻውዒት የቕርቡ
02 August 2018, 16:56