ድለ

ካመሩን፥ ንምፍታሕ ቅልውላው ሃገር ዝሃቀነ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ጉባኤ ካመሩን፥ ንምፍታሕ ቅልውላው ሃገር ዝሃቀነ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ጉባኤ 

ካመሩን፥ ንምፍታሕ ቅልውላው ሃገር ዝሃቀነ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ጉባኤ

ኣብ ካመሩን ኣብ መንጐ መንግስትን ናይ ሰሜናዊ ምዕራብን ከምኡ እውን ናይ ደቡባዊ ምዕራብ ሉኣላውነት ንምርግጋጽ ዝቓለሱ ሓይልታት ናይ ሓባር ዘተ ክካየድን ናይ ካመሩን ናይ ክርስቲያን ሃይማኖትን ምስልምና መንፈሳዊ መራሕቲ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዓውደ ዘተ ካብ ዕለት 29 ክሳብ ዕለት 30 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ክረጋገጽ ተላብዮም ናይ ዘተ ጉባኤ ኣብ ምንቕቓሕ ይርከቡ።

ኣብ ካመሩን ኣብ መንጐ መንግስትን ናይ ሰሜናዊ ምዕራብን ከምኡ እውን ናይ ደቡባዊ ምዕራብ ሉኣላውነት ንምርግጋጽ ዝቓለሱ ሓይልታት ናይ ሓባር ዘተ ክካየድን ናይ ካመሩን ናይ ክርስቲያን ሃይማኖትን ምስልምና መንፈሳዊ መራሕቲ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዓውደ ዘተ ካብ ዕለት 29 ክሳብ ዕለት 30 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ክረጋገጽ ተላብዮም ናይ ዘተ ጉባኤ ኣብ ምንቕቓሕ ይርከቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ኣብ ካመሩን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራንብ ደቡባዊ ምዕራብን ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው መዕለቢ ክረክብ ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብያተ እስላምን መንፈሳዊ መራሕቲ ኣብ ቡኤያ ካብ ዕለት 29 ክሳብ ዕለት 30 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ዓውደ ዘተ ክካየድ የነቓቕሑ ኣለዉ።

ናይቲ ተኸሲቲ ዘሎ ቅልውላው ቀንዲ ምኽንያት ናይ ቋንቋ ሕቶ እዩ

ኣብ መንጐ ናይ መንግስቲ ወትሃደራትን ናይ ናጽነት ግንባር ዕጡቓት ሓይሊ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዕለታዊ ተመክሮ ዝዀነላ ዘላ ሃገረ ካመሩን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ እታ ሃገር ናይቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት እንኰ መፍትሒ ዘተ ምዃኑ ተኣሚኖም ኣብ መንጐ ተጻባእቲ ሓይልታትን መንግስትን፡ ማዕረ ማዕረ እቲ ኣብላጺ ከባብን ህዝብን ዝጥቀመሉ ቋንቋ ፈረንሳይና ቋንቋ ኢንግሊዝ እውን ምጥቃም ክህሉ ዝብል ሕቶ መሰረት ዝተበገሰ ግጭት እናበኣሰ ሃውሪ ማእሰርትን መቕተልትን መግረፍትን ኣእምሮኣውን ኣካላውን ዓመጽ ናይ ወሲብ ዓመጽ እውን ከይተረፈ ክሰፍሕ ይገብር ምህላዉ እንክንገር ብውሕዱ 150 ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን 180 ሺሕ ከምእተመዛበሉን ካብቶም ዝተመዛበሉ እቶም 26 ሺሕ ናብ ሃገረ ናይጀሪያ ከምዝገዓዙ ይንገር።

ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዘነቓቕሕዎ ዘለዉ ዓውደ ዘተ

ኣብ ካመሩን ናይ ዱኣላ ሰበኻ ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ክርስቲያን ቱሚን ናይ ካመሩን ፕረስቢተርያን ቤተ ክርስቲያን መጋቤ ባቢላ ጆርጅ ፎቻንግን ናይ ካመሩን ኣብ ባመንዳ ማከላዊ መስጊድ ዒማም ቱኩር ሞሓመድን ናይ ባኣያ መስጊድ ዓቢይ ዒማም ኣልሃድጂ ሞሓመድ ኣቡባካርን ዝሓለፈ ሰሙን ተራኺቦም እቲ ኣብ መንጐ መንግስትን ናይ ነጻነት ግንባራትን ተባሪዑ ዘሎ ምስሕሓብ ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ዘተ ክካየድ ብሓባር ዓውደ ዘተ ንኸነቓቅሑ ከምእተሰማምዑን ክሽምግሉን እውን ከምዝሓተቱን ላ ክሮኣ ኣፍሪካ እተሰምየ ህልው ሉነታት ኣፍሪካን ጉዳይ ሃይማኖታትን ዝግደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፡ እቶም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብ ካመሩን፥ ኣጽዋር ውግእን ዓመጽን ደው ብምባል ግልጽን ማንም ዘይንጽል ብምልኣት እቲ ምኽንያት ምስሕሓብ ኰይኑ ዘሎ ሕቶ ብሰላማዊ መገዲ ብቑዕን ነባርን መፍትሒ ከረክብ ዘኽእል ውግእ ዘይኰነ ናይ ሓባር ዘተ ምዃኑ ተኣሚኑ ኩሉ ናብ ሰላም ከተኩር መታን ዓወደ ዘተ ነነቓቕሕ ከምዝበሉ ላ ክሮዋ ኣፍሪካ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ካመሩን፥ ንምፍታሕ ቅልውላው ሃገር ዝሃቀነ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ጉባኤ
04 August 2018, 15:33