ድለ

ሶርያ፡ ናይ ኣል ዓሳድ ሓይሊ ምክልኻል ከተማ ዳራዓ ተቖጻጺሩ ሶርያ፡ ናይ ኣል ዓሳድ ሓይሊ ምክልኻል ከተማ ዳራዓ ተቖጻጺሩ 

ሶርያ፡ ናይ ኣል ዓሳድ ሓይሊ ምክልኻል ከተማ ዳራዓ ተቖጻጺሩ

ናይ ሶሪያ ናይ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻል ነታ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ናይ ኣሳድ ተቓወምቲ ዕጡቓት ሓይሊ ቍጽጽር ዝነረት ከተማ ዳራዓ ከምዝሓረሩ ይንገር።

ናይ ሶሪያ ናይ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻል ነታ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ናይ ኣሳድ ተቓወምቲ ዕጡቓት ሓይሊ ቍጽጽር ዝነረት ከተማ ዳራዓ ከምዝሓረሩ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ደቡባዊ ምስራቕ ከባቢ ሶሪያ እትርከብን ምስ ዮርዳኖስን ሊባኖስን እስራኤልን እተዳብው ከተማ ዳራዓ ኣብ 2011 ዓ.ም. ጸረ መንግስቲ ኣል ዓሳድ ዝሓቀነ ሕዝባዊ ናይዕቢ ዝተበገሰላ ካብቲ እዋን ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኢድ ዕጡቓት ሓይሊ ተቓወምቲ ኣል ኣሳድ ከዝጸነሔት ሓይሊ ምክልኻ መግስቲ ዓሳድ ዳግም ከምዝተቖጻጸራን ነታ ከተማ ምቁጽጻር ብወትሃደራዊ ስነ ስርሒትን ዓቢይ ውጽኢትን ከምኡ እውን ናይ ሕዝባዊ ናዕቢ ትእምርቲ ብምንባራ ከኣ ካብ ኢድ ተቓወምቲ ዕጡቓ ሓይሊ ምምንዛዕ ማለት ንደገፍቲ ኣል ዓሳድን ሓይሊ ምክልኻል መንግስቶምን ዓቢይ ናይ ተስፋ ትእምሪ ምዃኑን ኣብቲ ሶሪያን ዮርዳኖስን ኣብ ዘዳብው ከባቢ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ሃዋሁ ናብ ምርግጋእ ዘሰጋግር ሓድሽ ኩነት ክኸውን ከምዝኸኣል ኣብ ኢጣሊያ ፊረንሰ ከተማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ስነ ርክባዊ ሜላ መምህር ፕሮፈሰር ሉቻኖ ቦዞ ምስ ቫቲካን ረድዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ኣዚያ ዝዓነተወት ከተማ

እታ ንሶርያ ብሸነኽ ደቡብ ምስ ዮርዳኖስ እተዳብው ከተማ ዳራዓ ኣብ 2018 ዓ.ም. ጸረ መንግስቲ ኣል ኣሳድ ዝገልጽ  15 መንእሰያት ኣብ መናድቓ ናይታ ከተማ ቅብእን ኣሳእልን ዘንበሩላን እዚ ነቲ ኣብ ሶሪያ ጸረ ኣል ዓሳድ ዝቖመ ሕዝባዊ ናዕቢ ዘነቓቕሔት ተባሂላ እትግለጽ ክሳብ 2012 ዓም. ብዑጡቓት ሓይሊ ጸረ ኣል ዓሳድን ደገፍቲ ኣል ዓሳድን ንኽልተ ተገሚዓ ዝነበረትን ንዝሓለፉ 7 ዕመታት ኣብ ኢድ ጸረ ኣል ዓሳድ ዕጡቓት ሓይሊ ከምዝጸንሔት እዩ ዝፍለጥ።

መጠነ ሰፊሕ ግብረ መጥቃዕቲ ሓይሊ ምክልኻል መንግስቲ ዓሳድ

ሓይሊ ምክልኻም መንግስቲ ኣል ዓሳድ ካብ ዕለት 19 ሰነ 2018 ዓ.ም. ዝተበገሰ ነታ ከተማ ካብ ኢድ ጸረ ኣል ዓሳድ ዕጡቓት ሓይሊ ንምምንዛዕ ዘበገስዎ መጠነ ሰፊሕ ግብረ መጥቃዕቲ ነታ ከተማ ድሕሪ ከቢቦም ምሓዞም፡ ምስቶም ኣብ ማእከል ከተማ ዝተሓጽሩ ዕጡቓት ሓይሊ ድሕሪ ዝተኻየደ ስምምዕ ጸረ ኣል ዓሳድ ዕጡቓት ሓይሊ ኣጽዋሮም ኣራጊፎም ምርኰ ምስ ሓተቱን ኣብታ ማእከል ከተማ ናይ ሶሪያ ወግዓዊ ሰንደቕ ዕላማ ምስ ተተኽለ ብወግዒ እታ ከተማ ናጻ ከምዝወጸት ተነጊሩ።

ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ውግእ ሓድ ሕድ

ኣብ ሶርያ ካብ 2011 ዓ.ም. ሕድ ሓዳዊ ግርጭት ካብ ዝተበገሰሉ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ 600 ሺሕ ሕዝቢ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጓነፎን መላእ ሃገረ ሶርያ ናብ ዑና ቀይሩ መልክዕ ሶርያን ህዝባን ኣዕቢሩን ልዕሊ 13 ሚሊዮን ሕዝባ ንምዝብልናን ከርተትን ዳሪጉን መስተ ማይ ኩሉ ተበኪሉን ድኽነትን ጥምየት ስእነት ኣገልግሎት መውሃብን ሰፊሑ እቲ ዝተረፈ ሕዝባ ንዝተፈላለያን ማእለያ ንዘይብሉ ሰብኣዊ ሓደጋ ከምዘተቃልዔ ይንገር።

ሶርያ፡ ናይ ኣል ዓሳድ ሓይሊ ምክልኻል ከተማ ዳራዓ ተቖጻጺሩ
14 July 2018, 17:19