ድለ

ክርስትያንን ቡድሃውያንን 'ስለ ሰላም ክብሉ' ብሓባር ክጓዓዙ ኣለዎም! ክርስትያንን ቡድሃውያንን 'ስለ ሰላም ክብሉ' ብሓባር ክጓዓዙ ኣለዎም! 

ክርስትያንን ቡድሃውያንን 'ስለ ሰላም ክብሉ' ብሓባር ክጓዓዙ ኣለዎም!

ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምኽንያት በዓለ ‘ቬሳክ - ዳግመ ውልደት ኣብርሆትን’ ንቡድሃውያን ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልኽቲ፥ ክርስቲያንን ቡድሃውያንን ምንቲ ሰላም ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ክስጉሙን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ሰናይ ዘተ ኣብ ዓለም ሰላም ክህሉ ዝድርኽ ምዃኑ የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኣዩሶ ብምኽንያት በዓል ቬሳክ ናብ ቡድሃውያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላምታ መልእኽቲ፥ ክርስትያንን ቡድሃውያንን ኣብ ምዕባይ ሰላምን ዕርቅን ጽንዓትን ዘለዎም ናይ ሓባር ሓላፍነት ከም ዘስመሩሉን፥

“ክርስትያንን ቡድሃውያንን፡ ብዕርቅን ጽንዓትን ንሰላም ብሓባር ምስራሕ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ኣብቲ ናይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝተዘርገሐ፡ ህየንተ ካርዲናል ኣዩሶ ትምህርቲ ክልቲኡ ትውፊታት ኣብ ምፍዋስ ቁስሊ ሰብኣውነትን ምድርን ሓባራዊ ጻዕሪ ከምዘድሊ ዘጉልሕ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥

ብደረጃ ዓለም ቀጻሊ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭታት

ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ "ደጊም ውግእ ኣይሃሉ፡ ደጊም ውግእ ኣይፍጸም" ዝበልዎ ግዜ ዘይስዕሮ ምሕጽንታ  ዝጠቐሱ ካርዲናል ኣዩሶ ኣስዒቦም፥ ነቲ ወሳኒ ጉዳይ ሰላም ብዕምቆት ክስትንተንን ዳግማይ ኣቓልቦ ክወሃቦ ዝጽውዕ ህጹጽ መዘኻኸሪ ኮይኑ ከም ዘገልግል ገሊጾም፡ ኣብ መንገዲ ዕብየት ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ኣብ ምብዳህ ዘለና ተራ ዘተሓሳብ እውን እዩ” ቢሎም ሰላም ምስዓብ ብወገን ኩሉ “ጽኑዕ ጻዕሪ” ከም ዝሓትት ካርዲናል ኣዩሶ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፡ “ንዕርቅን ጽንዓትን ኣብ ሞዕያይ ተወፋይነት ከነሐይል” ይግባእ። ነባሪ ሰላም ንምድላይ ዝግበር ጻዕሪ ከመይ ጌሩ ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ግርጭታት ከይተፈትሐ ሓቀይና ዕርቂ ክፍጠር ከምዘይክእል ኣፍልጦ ምሃብ ከምዘድሊ ዝገልጽ ርእይቶ ብምሃብ፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ባህላውን መዳያት ፍትሕን ማዕርነትን ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት የመላኽቱ።

ይቕሬታን ዕርቅን

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ነፍሰ ሄር ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ደስሞንድ ቱቱ በደልን ቁስሊ ፍልያ ዓሌት ንምብዳህ ኣብ ዝቃለስሉ ዝነበረ እዋን፡ መስርሕ “ሓቅን ዕርቅን” ሃገሮም ዝመርሑ፥ “ይቕረ ምባልን ዕርቅን ነገራት ካብቲ ዘለውዎ ወጻኢ ከም ዝኾኑ ዘምስል ኣይኰነን። ንጌጋ ዓይንኻ ምዕማትን ኣይኮነን። ሓቀይና ዕርቂ ነቲ ዘስካሕክሕ፡ ነቲ ግፍዒ፡ ነቲ ቃንዛ፡ ነቲ ውርደት፡ ዘቃልዕ እዩ።”

በዚ ድማ ነፍሰ ሄር ሊቀ ጳጳሳት ቱቱ ዝሃብዎ ትምህርቲ በብወገናን ትውፊትናን እነኽብሮ ክብርታት ዕርቅን ጽንዓትን ዝምስክር እዩ፣” ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ “ይቕሬታ ምስ ዝድለ፡ ዝተበታተነ ዝምድናታት ምስ ዝፍወስ፡ ስኒት ይምለስ . . . ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን ካብ ጸገምን ስንባደን ሓይሎም ድማ ክወጹ ይኽእሉ።

እዚ “ንቑስሊ ዝፍውስን ምትእስሳር ዝፈጥርን ሓያል ምትሕብባር ንብሩህ መጻኢ ተስፋ ዝህብን ንውልቀሰባት “ንብድሆታት ህይወት ብጽንዓትን ብተስፋን ክገጥምዎ” ሓይሊ ዝህብን እዩ ኢሎም።

ናይ ሓባር ክብርታት

ካርዲናል ኣዩሶ ኣብ መልእኽቶም፥ ክልቲኦም ትውፊታት ብዛዕባ እንታይነት ጽልእን ይቕረታን ዘለዎም ዓሚቝ ርድኢት ብኸመይ ከም ዘስፍሑ ብዝያዳ ኣስተንቲኖም። ቡዳ "ኣብዛ ዓለም ጽልኢ ብጽልኢ ፈጺሙ ኣይሃድእን እዩ፡ ብፍቕሪ - ሕያውነት ጥራይ እዩ ዝሃድእ" ክብል ከሎ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ንክርስትያን "ነቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ዝተበገሰ ናይ ዕርቂ ኣገልግሎት ክቕበሉ" ከም ዝምዕዶም ኣስተብሂሎም፥ ቡድሃውያን ንቬሳክ ኣብ ዝዝክሩሉ ዘለዉ እዋን፡ እታ ኣኽቢርካ እትርአ ጥበብ ማሃ ጎሳንዳ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ካምቦድያ እተፈጸመ ዜስካሕክሕ ጃምላዊ ቕትለትን ብዛዕባ ንግደት ሰላም ዳማ ያትራን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ "ሕዳሴን ዕርቅን ሓድሽ ህይወት ከም ዚህበናን ንዅላትና ኻብ ፍርሒ ሓራ ኸም ዜውጽኣናን የረጋግጸልና” (ኩላትና ኣሕዋት ፍቕዲ 78)፡ ቢሎም፡ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ጸላእቲ ዝነበሩ “ንመጻኢ ብናይ ገዛእ ርእሶም ጣዕሳን ሽግርን መደባቶምን ከይደበኑ፡ ሕሉፍ ክቕበል ዝኽእል ናይ ንስሓ ዝኽሪ ከመይ ጌሮም ከም ዘማዕብሉ ክመሃሩ” የተባብዑ፡ ኩላትና “ነዞም ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ትውፊትና ዝርከቡ ክብርታት ዳግማይ ክንረኽቦምን ኣኽቢርና ክንርእዮን፡ ነቶም ዘቃልሑ መንፈሳውያን ኣካላት ብዝበለጸ ክንፈልጦምን ምእንቲ ሰላም ክንብል ብሓባር ክንመላለስን ተጸዊዕና ኣለና እንክብሉ መልእኽቶም ይዛዝሙ።

07 May 2024, 16:49