ድለ

ሮማ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስፖርትን መንፈሳውነትን ከተአንግድ እያ ሮማ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስፖርትን መንፈሳውነትን ከተአንግድ እያ  (ANSA)

ሮማ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስፖርትን መንፈሳውነትን ከተአንግድ እያ

ኣስታት 200 ዝግመቱ ተጋባእያን ቅድሚ ውድድር ኦሎምፒክ ፓሪስ ብቫቲካንን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ብናይ ፈረንሳ ልኡከ መግንስትን ዝተዳለወ፥ “ህይወትና ኣብ መስመር ምእታው” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝምራሕ ኣህጉራዊ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዕለት 16 - 18 ግንቦት ኣብ ሮማ ክካየድ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መቓን 2024 ዓ.ም. ኦሎምፒክ ፓሪስ፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መንግስቲ ፈረንሳ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ዘዳለውዎ ኣህጉራዊ ዓውደ ጉባኤ፥ “ስፖርትን መንፈሳውነትን” ኣብ ዝብል ማዕቅፍ ካብ ዕለት 16 - 18 ግንቦት ክካየድ ከም ዝኾነን ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል ድማ “ህይወትና ኣብ መስመር ምእታው” ዝብል ኮይኑ፡ ካብ ዝተፈላለየ ዓይነት ኦሎምፖክ ስፖርት ዝተዋጽኡ፥ ተወከልቲ ኣህጉራውያን ኣካላት ስፖርት፡ ኣካየድቲ ክለባት ስፖርት፡ ተማሃሮ መናብርተ ጥበብ “ስፖርትን ስነ ምምህርናን ስነ ሰብእን ፍልስፍናን ቲዮሎግያን” ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጉዳያት ስፖርትን ዝርከብዎም 200 ተጋባእያን ዛዕባ መንፈሳዊ ትርጉም ስፖርት ብሓባር ከስተንትኑ ምዃኖም የመላኽት።

መንፈሳዊ ሸነኽ ስፖርት

ብርግጽ ስፖርት ወትሩ ምስ መንፈሳዊ ሸነኽ ህይወት ምትእስሳር ከም ዘለዎ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዘብርሁ ነቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ብዘስምዕዎ መደረ ዘበግሱ ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኾሰ ቶለንቲኖ መንዶንሳ ብዛዕባ እቲ መደብ ኣመልኪቶም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተንም ህንጻ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፥

“ንታሪኽ ስፖርት ምስ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ጎኒ ጎኒ እንተርኢናዮ፡ ስፖርት ንህይወት ክርስትያን መነቓቕሕን ምሳሌን ዝኾነሉ፡ ወይ ክርስትና ንባዕሉ ንስፖርት ብሰብኣዊ ራእዩ ዘሀብተመሉ ብዙሕ ህሞታት ነይሩ እዩ” እንክብሉ ኣብቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 6 ግንቦት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘመላኸቱን ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፈረንሳ ልኡከ መንግስቲ እውን ከም ዝሓበሩን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያንን ስፖርትን

ስለዚ ተሳተፍቲ ሎሚ ስፖርት ስለምንታይ ኣዝዩ ተፈታዊ ምዃኑ ክርድኡ፣ ሓደጋታት ከለልዩ፣ ዝያዳ ሕውነታዊ፣ ተጻዋርነትን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዘለዎ ተዛማድነት ክግምግሙን ስለዚ ድማ ኣምላኽ ኣብ ውድድር ስፖርት ብኸመይ ከም ዝግለጽ ክፈልጡን ነዚ ንኸስተውዕሉን ዝሃንጽ ዓውደ ጉባኤ ከም ዝኾነን፡ እቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ “ስፖርት ንቤተ ክርስቲያን እንታይ ይብላ?” ከምኡ’ውን “ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ስፖርት እንታይ ክትብል ኣለዋ?” ንዝብል ሕቶ መልሲ ዝህብን እዩ እንክብሉ ነቲ “ስፖርትን መንፈሳውነትን” ዝብል ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኣርእስቲ መሰረት ገይሮም ካርዲናል መንዶንሳ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ የብርሁ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝዝተየሎም ኣርእስታት

ቀዳመይቲ መዓልቲ (ዕለት 16 ግንቦት) ኣብ መንጎ "ቤተክርስትያንን ስፖርትን" ዘሎ ርክብ ዝምልከት ኮይኑ፡ ምስክርነት ላዕለዎት ስፖርይታትን ገለ ጭቡጥ ጉስነታዊ ተመክሮታትን ብምክፋል ስፖርት ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል፡ ወንጌል ድማ ኣብ ኣገልግሎት ስፖርት ዘቐምጥ እዩ። ካልኣይ መዓልቲ (17 ግንቦት) ኣብ ርክብ "ሰብን ስፖርትን" ዘተኮረ ኮይኑ፡ ልዑል ብቕዓት ዘለዎም ካብ መናብርተ ጥበብ ኢጣልያን ፈረንሳን ዝተዋጽኡ ስፖርት ብመንጽር ስነ-ምምሃርና፡ ፍልስፍናዊ፡ ስነ-ሰብእን ቲዮሎጊያውን መደረ ከስምዑን ክዛተዩ እዮም። ሳልሳይ መዓልቲ (ዕለት 18 ግንቦት) ስፖርት ዘለዎ ማሕበራዊ ኣገዳስነት ንምርኣይ ሓድነት ዘለዎ ስፖርታዊ ውድድራት (ናይ ኣሕዋት መዘናግዒ) ብምግባር ዝያዳ ግብራዊ ስፍሓት ክህልዋ ከም ዝኾነ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መገልጺ የመላኽት።

07 May 2024, 16:47