ድለ

2019.05.17 Conferenza robotica casina Pio IV 2019.05.17 Conferenza robotica casina Pio IV 

ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነፍልጠት ዓለምለኻዊ ዋዕላ ቀለስቲ ታሪኽ ከካይድ ኢዪ

ኣብ ዕለት 29 ግንቦት እቲ ኣብ ቫቲካን ዚርከብ ህንጻ ካሲኖ ፒዮስ ራብዓይ ኣህጉራውያን ተወከልቲ ስነ ፍልጠትን ተክኖሎጅን እምነትን ብዛዕባ ሓባራዊ ጥቕሚ ንምምይያጥ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ንለውጢ ዘካይዱ ከአንግድ ኢዩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ "ዝሓሸ መጻኢ ንምቕራጽ ዝሕግዝ ዋዕላ " ዘርእስቱ ናይ ልዋጢ ዓለም ዋዕላ ሕጂ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ኣኼባኡ ኢዩ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ዘካይድ ዘሎ ። ኣቦ መንበር ትካል ልዑል መጽናዕትን ምትሕብባርን ፕሮፌሰር ጋብሪኤለ ኣንድሬኦሊ ኢዩ ነዚ ኣጋጣሚ ኣበጊስዎ ።

ንሱ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ እንክሓስቦ ኣብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነፍልጠት ቫቲካን ክካየድን ኣብ ኣርእስትታት ስነፍልጠትን ስነ-መለኮትን ቴክኖሎግን ሞራልን ዘተ ከካየድ ኢዩ ዝመረጸ።

ምእንቲ ረብሓ ደቅሰብ ዝኾነ ስነ ፍልጠትን ተክኖሎጅን

ኣንድሬኦሊ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ - "እዚ ኣድማሳዊ ናይ ተስፋ መልእኽቲ እዚ ኣብቲ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ እነቕርቦ ጭቡጥ ነገራት ተመርኲሱ ናብ ኵሎም ሰባት ዝዝርጋሕ ዘሎ ካብ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ልዑል ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጅን ንጥቕሚ ሰባትን ዓለምን ብዝርዝር እተሓስበሉን እተወደበን መልእኽቲ ኢዩ።"

ወሲኹ ድማ "ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኽብረት ከም ዘለዎ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ በቲ ሎሚ ስነ ፍልጠትን ተክኖሎጅን እምነትን ክንገብሮ ዚፈቕደልና ነገራት ገይሩ ህይወቱ ኺመርሕ ከም ዘለዎ ዚገልጽ ዓሚቝ እምነት ስለ ዘሎ ፍልልይ ኪህሉ ኣይግባእን እዩ ፣ ኪፈላለ እውን ኣይክእልን እዩ " በለ ።

ዝሓሸ መጻኢ

እቲ ኪብጻሕ ዘይከኣል ዚመስል ዓወታት ኪብጻሕ ዚከኣል ጥራይ ዘይኰነስ ኪፍጸም እውን ይኽእል እዩ። ስነ-ፍልጠታውን ተክኖሎጅያውን ምዕባለታት ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዚቐርጽ ዚርአ ድማ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ለውጢ እዩ። ተክኖሎጅን ስነ-መለኮትን ስነ-ፍልጠትን እምነትን ሕመረት ናይቲ ኣብ ዓለም ዝግበር ዋዕላ ንለውጢ ኢዩ።

28 May 2024, 16:30