ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ድምጺ ኣልቦ ኣውያት ኣሕዋትን ኣሓትን ሃይቲ ንኹላትና ብድሆ እዩ! ካርዲናል ፓሮሊን፡ ድምጺ ኣልቦ ኣውያት ኣሕዋትን ኣሓትን ሃይቲ ንኹላትና ብድሆ እዩ! 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ድምጺ ኣልቦ ኣውያት ኣሕዋትን ኣሓትን ሃይቲ ንኹላትና ብድሆ እዩ!

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ብተቕዋም ካቶሊካውያን መራሕቲ፡ ዛዕባ ህልው ኩነታት ሃይታ ንኽዝትይ ኣብ ዝተዳለወ ዓውደ ርክብ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብቲ ኣብ ሃይቲ ዘሎ ቅውላው ዘንብሮ ጸልማት ጩራ ብርሃን ንምምጻእ ብህድኣት ኣስተንትኖ ክግበረሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲንል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ቺለ ዝመደበሩ ማእከል ስልጠናን ህንጸትን ስነ ኣመራርሓን ምሕደራን ተቕዋም ካቶሊካውያን መራሕቲ ዛዕባ ኣብ ከቢድ ስቓይ እትርከቡ ሃይቲ ንኽመክር ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ መዓታዊ ኩነታት ሃይቲ "ኣቓልቦ ኩሉ ሰብ ዝሓትት እዩ" ከም ዝበሉን ብጹዕነቶም ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልኽቲ ሰላምታ ንተጋባእያን ኣቕሪቦም፣ "ቀዳምነታት ንናይ ዞባ ዝክረ ነገርን ለውጥን" ኣብ ዝብል ናይቲ ዓውደ ኣኼባ መርሕ ቃል ኣተኲሮም፤ እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ነቲ ተኣፋፊ ኣገዳስነት ጉዳይ ሃይቲ ንምርዳእ ዝሕግዝ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ብተወሳኺ ሳዕቤናት ናይዚ ሕጂ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው፡ ከም ምፍራስ ስርዓተ ጥዕና ዘስዓቦ ተስፋ ምቑራጽ፡ ሕጽረት መግብን ዓመጽን ከም ዝዘከሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታትን ናይ ገበን ጉጅለታትን፥ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን ዕጸ ፋርስን ዝኣመሰሉ ገበናዊ ንጥፈታቶም የሐይሉ ከም ዘለዉን እዚ ድማ ካብ 11 ሚልዮን ነበርቲ ሃይቲ ኣስታት 5 ሚልዮን ኣብ ህጹጽ ኩነታት ሰብኣዊ ክወድቕ ከም ዝገበሮም ሰብኣዊ ቅልውላው ክብ ይብል ምህላዉን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ብፍላይ ድማ ህጻናት ኸቢድ ሕጽረት መግቢ  የጋጥሞም ኣሎ እንክብሉ ከም ዝዘከሩ ኣፍሊጡ።

ምውሳኽ ተመዛበልቲ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሃይቲያውያን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ካብ ሃገሮም ወጻኢ ይመዛበሉ ከም ዘለዉን ስደት ዜጋታት እታ ሃገር ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላዉን ኣብተን መዳረግቲ ሃገራት ዝውስኽ ወጥሪአ ዘኪሮም። ብደረጃ መንግስታዊ ተቕዋም ዘሎ ቅልውላው ጠቒሶም፡ በዚ መንጽር ድማ ምምስራት ርእሰ ብሔራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ብማሕበረሰብ ዓለም እወታዊ ተቕባል ክረክብ ከም ዘለዎ ገሊጾም።

እታ ሃገር ናብ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ንምምራሕ ዝዓለመ መንገድታት ንምድጋፍ ዘድሊ ጻዕሪ ዕሽሽ ከይበሃል ተላብዮም። እዚ ድማ መስርሕ ዳግመ ህንጸት ንምክያድ ዘድሊ ስልጣንን ተቓዋማትን ዘቕርብ ምዃኑ ኣብሪሆም። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ነቲ ምስግጋር ብናታ መንገዲ ከተሰንዮ ትጽዋዕ እያ፣ ኣብነት ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብኢዶምን ልቦምን ንኣገልግሎት ካልኦት ሂወቶም ዝህቡ፣ ኣብ ጽንዓት ክብርታት ወንጌል ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለዉ . ነቲ ኣዝዩ ዝድለ ለውጢ ዘቕርቡ ውሳኔታትን ስጉምትታትን ሰብኣዊ ንምግባር ከገልግሉ ከምዝኽእሉ ድማ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድምጺ ተስፋ ዘይሰኣነ ህዝቢ

 “እቲ ድምጺ ኣልቦ ኣውያት ኣሕዋትን ኣሓትን ሓይቲ ንዅላትና ብድሆ እዩ፥” ኣብዚ ኣውያት እዚ "ድምጺ ተስፋ ዘይሰኣነን ፍሉይ ኩነታትን ታሪኻዊ ኩነታትን ብዘየገድስ ኣብ መዓሙቕ ወዲ ሰብ ሱር ዝሰደደ ክውንነት ዝዛረበና ህዝቢ" ነለልዮ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ጸልማት ናይቲ ቅልውላው ጩራ ብርሃን ከፍስስ ዝኽእልን ዝሓሸን ዝያዳ ፍትሓውን ቅኑዕን ምዕሩይን ዓለም ንምህናጽ ዝተጠቕሱ መንገድታት ንምምላስ ዝጠቅም ጭቡጥ እማመታት መሰረት ክኸውን ዝኽእልን ርጉእ ነጸብራቕ ንቕድሚት ንምስጓም ዝግበር ምትብባዕ የድሊ ክመ ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መደረ ሰለስተ ኣርእስተ ብሔር ላቲን ኣመሪካ

ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ካብ ዝተርኽቡን መደረ ካብ ዘስምዑን ናይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ መራሕቲ፥ ናይ ኮስታ ሪካ ርእሰ ብሔር ሚግኤል ኣንጀል ሮድሪገዝ፡ ናይ ቺለ ርእሰ ብሔር ኤድዋርዶ ፍሬይ ሩይዝ ካብ ቺለ፤ ናይ መክሲኮ ርእሰ ብሔር ፌሊፐ ካልዴሮን ካብቶ መደረ ዘስምዑ ዝጥቀሱ፥ ሮድሪገዝ፡ "ንዝደኸዩ ኣሕዋትና" ምሕጋዝ ናይ ኩሎም ኣህዛቢ ላቲን ኣመሪካ ተወፋይነት ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመረሉን። ናይ ቺለ ርእሰ ብሔር ፍረይ ሩይዝ፥ "ኣብ ዞባና ንዘሎ ህዝቢ ብኸምዚ መንገዲ ተደርብዩ ክንገድፎ ኣይክአልን ንኽንተሓጋገዝ ንቀዳደም" ከም ዝበለን ናይ መክሲኮ ርእሰ ብሔር ካልዴሮን፥ "ልዕልና ሕግን ሕጋውነትን ክምስረትን መሰረታዊ ናጽነታት ክሕሎን፡ ብዘይ እዚ ህይወት፡ ክብርን ምዕባለን ክህሉ ኣይክእልን" እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመረሉ ኣፍሊጡ።

09 May 2024, 17:00