ድለ

2024.05.22 Croce della gioia che sarà alla prossima Giornata mondiale dei bambini 2024.05.22 Croce della gioia che sarà alla prossima Giornata mondiale dei bambini 

ፓላዲኖ ኣርማ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ህጻናት 'መስቀል ሓጐስ' ኣቕሪቡ

ውሩይ ስነ-ጥበባዊ ሚሞ ፓላዲኖ ነቲ ኣብ ግንቦት 25-26 ኣብ ከተማ ሮማ ዝካየድ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ህጻናት ክርስትያናዊ ዛንታታት ብምውህሃድ 4 ሜተሮ ዝቝመቱ "መስቀል ሓጐስ" ዝተሰምየ ናይ ቅብኣ ስእሊ ኣቕሪቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሓደ ኻብቶም ቀንዲ ተጣበቕቲ ምንቅስቓስ ዕቃበ ጥንታዊ ሞያ ሥነ ቅብኣት ዝዀነ ሚሞ ፓላዲኖ ነቲ ናይ መጀመርታ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ህጻንት ንምንጽብራቕ 4 ሜተር ዝቝመቱ መስቀል ስኢሉ።

እዚ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት እዚ "መስቀል ሓጐስ" ተባሂሉ ዚፍለጥ ኰይኑ ንክርስትያናዊ ባህልን ዛንታታትን ብዚውክል ምስልታት እተሰለመ ናይ ቅብኣ ስእሊ እዩ።

ብዛዕባ መስቀል

ፓላዲኖ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርታ መስቀል ሓጐስ" ክስእል ምኽኣለይ ዓብዪ ኽብሪ እዩ" በለ። እዚ ስእሊ እዚ ብፍላይ ንቘልዑ ከም ዝኸውን ከአ ወሲኹ ኣመልከተ ከመይሲ "ናይ ሓቂ ኸዋኽብቲ ናይዚ ፍጻመ እዚ ህጻናት ክንዲ ዝኾኑ" ከምኡ ውን ንገሊኡ መዳያት ክርስትያናዊ ባህሊ ምስ ዛንታታት ንምውህሃድ ዝገበሮ ውሳነ ሓደ ካብቲ "ናይ ምሕሳብ ክእለ ናይ ህጻናትን ናትናን ንምልዕዓል እተነድፈ" ምዃኑ ውን ገለጸ።

ፓላዲኖ ነዚ ስእሊ እዚ ንኽውድእ ሓደ ወርሒ ወሰደሉ፣ እቲ ሃብታም ታሪኽ ክርስትና ከምኡ ውን ናይ ህጻንት ክእለት ናይ ምምሃዝ  ምስቲ ኣብ ኵሉ ቦታ ዝርከቡ ህጻንት ገርህነትን ክእለትን ንምኽባርን ንምትብባዕን ዘውጽእዎ ሸቶ ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ ኢዩ።

ምሕዋስን ምዝማድን

ፓላዲኖ ካብ ንሓድሕዱ ኣዝዩ እተፈልየ ሜላታት ዚፍትን ናይ ፍልጠት ሃንቀውታ ዘለዎ ስነ-ጥበባዊ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ዝተጠቕመሉ ሜላ ኣብ ብምሉኡ እቲ ዕዮኡ ዝተፈልየ እኳ እንተዀነ፣ እቲ ኽልተ እተፈላለየ ኣርእስትታት ግን እተፈላለየ ኣገባብ ናይቲ ስነ-ጥበባዊ ስርሓቱ ዘንጸባርቕ ኢዩ።

እዚ ቅብኣ መስቀል ኣብ ናይ ስፖርት ሜዳ ኦሎምፒክ ምስ ተራእየ ሰንበት ዕለት 26 ግንቦት ናብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ህጻንትን ቈልዑን ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክመጽእ ኢዩ።

ምክፋልን ምምዝጋብን

ነዚ ፍጻመታት እዚ ኣብ ዕለታት 25ን 26ን ግንቦት ክዝግብዎ ንዝደልዩ ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓንን እንተ ወሓደ 24 ሰዓት ኣቐዲሞም በቲ ኣብ press.vatican.va/accreditamenti ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣቢሎም ኣተኵሮ ክወሃቦም ዝሓተትዎ ሕቶ ከቕርቡ ኣለዎም ።

ናብቲ ኣጋጣሚ ንምምዝጋብ ገና ግዜ ኣሎ ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ኣድልዩ ድማ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓብርሬታ ይመልከቱ ፦ giornatamondialedeibambini.org worldchildrenday.org

24 May 2024, 12:47