ድለ

ሰብ ኩን፡ 30 ተሸለምቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብ ኣኼባ ሰብኣዊ ሕውነት ክሳተፉ እዮም ሰብ ኩን፡ 30 ተሸለምቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብ ኣኼባ ሰብኣዊ ሕውነት ክሳተፉ እዮም 

ሰብ ኩን፡ 30 ተሸለምቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብ ኣኼባ ሰብኣዊ ሕውነት ክሳተፉ እዮም

በቢ ዓመት ብማሕበር ኩላትና ኣሕዋት ዝዳሎ ካልኣይ ዓለምለኻዊ ኣኼባ ሰብኣዊ ሕውነት BeHuman - ሰብ ኩን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ካብ ዕለት 10 - 11 ግንቦት ኣብ ሮማን ሃገረ ቫቲካንን ዝካየድ ከም ዝኾነን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣስታት 30 ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ ኣብ ናይ "ክቢ ጠረጴዛ ሰላም" ክሳተፉን ኣብዚ ዘይርጉጽነትን ፍርሕን ዝረኣየሉ እዋን ሕውነታዊ ሓባራዊ ህይወት ዝምልከት "ናይ ውሳኔ ሰነድ ሰብኣውነት" ክዝርግሑ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካልኣይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ሰብኣዊ ሕውነት BeHuman - ሰብ ኩን ብዝብል እርእስቲ ተመሪሑ ክካየድ ምዃኑ ዕለት 7 ግንቦት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተሓበረን፡ እቲ ካብ ዕለት 10 - 11 ግንቦት ዝካየድ ኣኼባ ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ ክኢላታት ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ጉዳያት እዋናዊ ዓለምና ሕውነታዊ ዘተ ከካይዱን ከም ዝኾኑን እቲ ዓውደ ጉባኤ 11 ዝተፈላለየ ኣርእስቲ መርሕ ዝገበረ ናይ ክቢ ጠረጴዛታት ዘተ ዘጠቓልል እዩ።

"ክቢ ጠረጴዛ ብዛዕባ ሰላም"

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዓርቢ ዕለት 10 ግንቦት ንግሆ ዝካየድ "መኣዲ ሰላም" ብዘስምዕዎ መደረ ክኸፍቱ ከም ዝኾኑን ደቂ ኣንስትዮ፣ ደቂ ተባዕትዮን ተሰለምቲ ናይ ሰላም ኖበልን ትካላትን ከምኡ እውን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እውን ክሳተፋ እየን።

ድሕርዚ እቶም ኣብዚ ዓውደ ኣኼባ ዝሳተፉ ኩሎም ቀዳም ዕለት 11 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ድሕሪኡ ኸኣ ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታሬላ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኲሪናል ክራኸቡ ከም ዝኾኑ ኣብቲ ዜና ቫቲካን ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ህጻናት፡ መጻኢ ወለዶ" ዝብል ናይ ክቢ ጠረጰዛ ዘተ ክሳተፉ እዮም

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ “ህጻናትን መጻእን ወለዶን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ኣብ ዝካየድ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ ክሳተፉን እዚ መደብ እዚ እውን ነቲ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ዕለት 25 – 26 ግንቦት ዝካየድ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሕጻናት መሰናድኦ ክኸውን እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ካብ ዕለት 10 – 11 ግንቦት ዝካየድ ካልኣይ ዋዕላ ሰብኣዊ ሕውነት፥ ዛዕባ ምትሕብባር፣ ዘላቕነትን ንግድን፣ ሕርሻ፣ ትምህርቲ፣ ስፖርት፣ ጥዕና፣ ስራሕ፣ ምምሕዳር፣ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓንን ዘተ ዘካይድ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ክቢ ጠረጴዛ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም መዳርያን፡ ምሁር ስነ-ቑጠባ ጀፍሪ ሳክስ፡ ዋና ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢጣልያ ሉቺያኖ ስፓለቲ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፊያት ኦሊቨር ፍራንሶይስን ምናባዊ ኢኮኖሚ ባንኪ ቪክቶር ኣመርን ዝጥቀሱ ኮይኖም እቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ብኩሱት ምስማዐ ርእየት ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ማሕበር ኩላትና ኣሕዋት ምክትታል ዝከኣል ኮይኑ  ኣቐዲምካ ምምዝጋብ ግን ከም ዘድሊ ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተነግረ ኣፍሊጡ።

እቲ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣኼባ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ስነጥበባውያን ጆቫኒ ኣለቪ፡ ሮበርቶ ቬኪዮኒን ኣመሪካዊ ካንትሪ ጋርት ብሩክስን ብዘቕርብዎ ምርኢት ክዛዘም እዩ።

ካርዲናል ጋምቤቲ፡ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር ንምጓዓዝ ምፍላጥ

ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናትን ሓደ ካብ ኣዳለውቲ እቲ ኣኼባን ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ጋምቤቲ “ኣብዛ ትፈርስን ብቁጠባዊ ርእሰማላውነት ዝተለለየትን እደ ጥበብ መጋበርያ ዘይኮነስ ከም ሸቶ ተገይርሉ ኣብ ዝሕሰበሉ ዓለም ብዛዕባ ሰብኣዊ ሰብ ምስትንታን ዝብል ኣስተውዕሎ ክንመልስ ኣሎና። ንዅሉ ዅነታት ዘይንጸል መገዲ ዘጠቓልል ምስትንታን ከምኡውን፡ ሓቢርና ንኽንመላለስ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን መጠን ገዛእ ርእስና ኣፍልጦ ምሃብ" ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

09 May 2024, 16:43