ድለ

ቅድስቲ መንበር፡ ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ዝግበር ጻዕሪ ዝድግፍ እምበር ጽቕጢ ክኸውን የብሉን! ቅድስቲ መንበር፡ ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ዝግበር ጻዕሪ ዝድግፍ እምበር ጽቕጢ ክኸውን የብሉን!  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር፡ ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ዝግበር ጻዕሪ ዝድግፍ እምበር ጽቕጢ ክኸውን የብሉን!

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳስ ጋብሪኤል ካቻ ኣብ ምዕቃብ ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ዝምልከት ክፉት ክትዕ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ኣፍሪቃ ናይ ገዛእ ርእሳ ድሕነት ኣብ ምርግጋጽ ግደኣ ንምሕያል ዝሕግዙ ክልተ መገድታት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሓድሽ ማዕበል መግዛእትን ቀጻሊ ምዝመዛን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ማሕበረሰብ ዓለም ክብሪ ህዝቢ ኣፍሪቃ ንምድንፋዕን ንምሕላውን ክዓዪ ቃል ክኣቱ ኣለዎ” ነዚ ዝበሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ ከም ዝኾኑን ነዚ መርገጺ እዚ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ ኣብ ምዕቃብ ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን "ምሕያል ተራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምፍታሕ ዓለማዊ ጸጥታን ልምዓትን ብድሆታት" ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ክፉት ክትዕ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

በረኸትን ብድሆታትን

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ጸጋታት፡ ሃብታም ባህላዊ ቅርስታት ዝተዓደለት ምዃና ኣብ ዘጉልሕሉ እዋን፡ "ብህብረ ብድሆታት ትሳቐ" ከምዘላን፡ ግጭታት፡ ግብረሽበራ፡ ጽልዋ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር፡ ከምኡ'ውን ቀጻሊ ቍጠባዊ ዕቤት ንምርግጋጽን ድኽነትን ንምጥፋእ እተካይዶ ቃልሲ ዘርዚሮም፥

"እዞም ብድሆታት እዚኦም፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ከም ዘስዓቡን ኣብ ልምዓት ንዝግበር ምዕባለ ዕንቅፋት ኮይኖምን'ዮም፡ ንብዙሓት ድማ ሰፊሕ ስቓይ ኣስዒቡ እዩ የስዕብ እውን ኣሎ"

ቢሎም፡ በዚ መንጽር እዚ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ቀጺሎም፥ ተራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምፍታሕ ጸጥታውን ልምዓታውን ብድሆታተን ንምሕያል ኣበርክቶ ክህልወን ዝድግፍ ክልተ ወሰንቲ መርትዖታት ከም ዘቕረቡን፥

ክልተ ወሰንቲ ባእታታት

ቀዳማይ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ንገለ ካብቶም ኣብታ ኣህጉር ዘለዉ ኣዝዮም ተኣፋፊ ብድሆታት ንምፍታሕ ዘመዝገብኦ ዓቢ ምዕባለን ከምኡ እውን ንብቕዓተን እውን ብምንኣድ፡ ብሓባር ክሰርሓ ከም ኣለወን ከም ዝበሉን፥

ካልኣይ፡ ብፍላይ ገለ ሃገራት ገና ንህዝቢ ኣፍሪቃን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት እታ ኣህጉርን ይምዝምዛ ከምዘለዋን እዚ ድማ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ክውንነት" ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡

“ሓድሽ ማዕበል መግዛእትን ቀጻሊ ምዝመዛን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ማሕበረሰብ ዓለም ክብሪ ህዝቢ ኣፍሪቃ ንምድንፋዕን ንምሕላውን ክዓዪ ቃል ክኣቱ ኣለዎ”

ከም ዝበሉ ዝሃበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንምድጋፍ እምበር ጸቕጢ ዝኾነ ካልእ ዕላማ ዘይብሉ ጻዕሪ

"ኣብዚ እዋን'ዚ ንባህርያዊ ሰብኣዊ ክብሪ ኩሉ ዘየኽብር፡ ንሓባራዊ ረብሓ ዘዳኽምን ድኽነት ንምጥፋእ ዝግበር ጻዕርታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ሓድሽ ማዕበል መግዛእቲ ይርአ ኣሎ" እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብኣጽንዖት ገሊጾም፥ ስለዚ፥

"ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክቡራት መጋበርያታት ናይ ገዛእ ርእሶም ዕጫ/ጽሕፍቶ ክኾኑ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓባር ስጒምቲ ክወስድ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ”

ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፥

ጻዕርታት "ኣብ ክንዲ ንምጽዓን ንምድጋፍ" ከምኡ'ውን "ንኣፍሪቃ ንዘይነጻጸል ምሉእ - ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘውሕሱ መምርሕታት ክትክተል ናጽነት ምሃብ" ዝብል ኣምር ዘማእከለ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ከም እተላበዉ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንዝርከቡ ሰበ - ስልጣን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

"እታ ናይ ዓለም ፍሽኽታን ተስፋን ዝዀነት ኣፍሪቃ ዝግብኣ ግምት ክወሃባን ብዛዕባ እዚ ብተደጋጋሚ ኺዝረብ ኣብ መንጎ ኣህጉራት ግቡእ ቦታእ ክትረክብን ክትክበርን ኣለዋ! ዝበልዎ ሓሳብ ብምዝካር፥

ኣብ ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝግብኣ ክብርን ቦታን ክወሃባ ኣለዎ!

እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

25 May 2024, 17:13