ድለ

2023.10.12 Youth 4 Climate 2023 giovane ambiente. 2023.10.12 Youth 4 Climate 2023 giovane ambiente. 

ሊቃውንቲ ብዛዕባ ርትዓውነት ኣህጉራዊ ኣኼባ ንምክያድ ኣብ ቫቲካን ተራኾቦም

መርበባዊ ርክባት ኣብያተ ትምህርትን ባንክ ምዕባለ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ካብ ዕለት 21-23 ግንቦት ኣትሒዞም ኣብ ቫቲካን ንዓበይቲ ተመራመርቲ ስነፍልጠትን ኸምኡ ውን መንእሰያት ብዛዕባ ገለ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳያት ንምምይያጥ ኣህጉራዊ ዋዕላ ርትዓውነት የካይዱ ኣለዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ተወከልቲ ዓበይቲ መናብርተ ጥበብን ዓበይቲ ሊቃውንትን ባህላውያን ውሩያት ኣካላትን ከምኡውን ጸለውቲ መንእሰያትን ምስ ብዙሓት ተመራመርቲ ስነፍልጠት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንሰለስተ መዓልቲ ኣህጉራዊ ዋዕላ ንምክያድ ተጋቢኦም ይርከቡ ኣለዉ።

እዚ ኣጋጣሚ እዚ በቲ ጳጳሳዊ ማሕበር መርበባዊ ርክባት ኣብያተ ትምህቲን ከምኡውን ብመርበብ መናብርተ ጥበብ ርትዓውነትን (Universidad del Sentido) ባንክ ምዕባለ ላቲን ኣመሪካ (CAF) ኢዩ ተወዲቡ ።

እዚ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተደገፈን ብማሕበር ኣህጉራዊ መርበባዊ ርክባት ኣብያተ ትምህትቲ ዚምራሕን ኣብ ቫቲካን ዝተደኮነ ምንበረ ጥበብ ከም ተክኖሎጅን ኣከባብን ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ዝኣመሰሉ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ዓለምለኻዊ ቕልውላዋት ኣተኩሮ ብምሃብ ኣገዳሲ ጕዳያት ንምፍታሕ ተባሂሉ እዩ ዝተመስረተ።

እዚ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ርትዓውነት ብምትሕብባር መርበባዊ ርክባት ኣብያተ ትምህርትን ባንክ ምዕባለ ላቲን ኣመሪካን ዝተደገፈ ኮይኑ እንተላይ ነቲ ኣብ ግንቦት 2022 ናይ መጀመርታ ቤት ትምህርቲ ይሴባሕ እግዚአብሔር ከም ዝጅመር ዝገበረ ኢዩ ።

በዚ ተበግሶ እዚ ኻብ እተፈላለያ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ዝመጹ 50 መንእሰያት ተወከልቲ ብዛዕባ ኣከባብያውን ማሕበራውን ጕዳያት ንምምይያጥ ተኣኪቦም ኣለዉ ።

ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ግንቦት 2023 መርበባዊ ርክባት ኣብያተ ትምህርትን ባንክ ምዕባለ ላቲን ኣመሪካን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዓዋዲት መልእኽቶም “ስቡህ ኣንተ” ንዘቕረብዎ ሓሳብ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ብምሉኡ እቲ ብትምህርታዊ ምንቅስቓስ ዝማዕበለ ስነፍልጠታዊ ሜላታትን ኣብ ማሕበረሰቦም ንዝርከቡ መንእሰያት ዘሕለፍዎ ተመክሮታትን ቀጻሊ ዕቤት ንምድንፋዕን ንምዝርጋሕን ዝዓለመ ኢዩ።"

ውጽኢት ናይዚ ኣቐዲሙ እተገብረ ምዕባለ ኣብቲ ሰለስተ መዓልቲ ዝወስድ ኣኼባ ክግለጽ ኢዩ።

እቲ ናይ መወዳእታ መርሓ ግብር ናይዚ ዋዕላ ሎሚ ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ 23 ግንቦት ኣብቲ እቶም ተሳተፍቲ ነቲ ዝበጽሕዎ ርኽበታትን ሓሳባትን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘቕርቡሉ ኣዳራሽ ጥንታዊ ሲኖዶስ ክራኸቡ ኢዮም።

24 May 2024, 12:50