ድለ

ቅድስቲ መንበር፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዚፍጸም ገበን ብርቱዕ ስጉምቲ ይጠልብ ቅድስቲ መንበር፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዚፍጸም ገበን ብርቱዕ ስጉምቲ ይጠልብ 

ቅድስቲ መንበር፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዚፍጸም ገበን ብርቱዕ ስጉምቲ ይጠልብ

ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳስ ጋብረለ ካቻ፡ ኣገዳስነት ሰብኣዊ ኽብርን ምክልኻልን ብምጕላሕ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዝፍጸም ገበናት ንምቅላስ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኣህጉራዊ ስጕምትታት ክውሰድ ከም ዘለዎ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መበል 78 ኣኼባ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዝቢ ሊቀ ጳጳስ ጋብረለ ካቻ፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዚፍጸም ገበን ብርቱዕ ስጉምቲ የድሊ እንክብሉ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ሽማግለ ኣህጉራዊ ሕጊ (ILC) ንምኽልካል እዞም ገበናት ብሓቂ ኣህጉራዊ ግዴታዊ ስርዓተ ሕጊ ምዃኑ ብግቡእ ገሊጽዎ እዩ” ኢሎም።

ንምክልኻልን ንምቕጻዕን ዓለም ለኸ ምትሕብባር

ብተወሳኺ እውን "ነቲ ኣብዚ መዳይ እዚ ዘሎ ሕጊ ዘዳሉ ብብዙሕ ወገን ዝቕየድ ኵላዊ ሕጋዊ ቀያዲ መሳርሒ" ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ እዚ መሳርሒ እዚ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝፍጸም ገበን ንምክልኻልን ንምቕጻዕን ኣህጉራዊ ምትሕብባር ከም ዘደንፍዕ ድማ ገሊጾም፥ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ክብሪ ኻልኦት ኣብ ኵሉ ዅነታት ክኽበር ኣለዎ" ብምባል ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፥ ሰብኣዊ ክብሪ መሰረት ኵሉ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዝፍጸም ገበናት ኣብ ምፍታሕ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። ።

ስሉጥነት እቲ ሕጊ ምሕያል

ቀጺሎም ናብቲ ናይቲ ሕጊ ንድፊ እናሓሰቡ እቲ ሕጊ ንምሕያል ምምሕያሻት ከም ዘድልዮ ድማ ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ "ድርብ ዕላማ ናይዚ ሓድሽ መጋበርያ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ንምክልኻልን ምቕጻዕን ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብቲ መቕድም ምክልኻል ኣድላዪ ምዃኑ ንጹር ኣፍልጦ ኽወሃበሉ ድማ ሓቲቶም። "ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዝፍጸም ገበን ምክልኻል ልሙድ ስለ ዝዀነ ትርጕም ናይዚ ተግባራት እዚ ኣብ ባህሊ ኣህጉራዊ ሕጊ ሱር ክሰድድ ኣለዎ። ስለዚ ነዚ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዝፍጸም ገበናት ክገልጾ ኸሎ እቲ ጽሑፍ ካብቲ ልሙድ ስርዓታት ክርሕቕ የብሉን" ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ካቻ መደረኦም፥ ሉዓላዊ ረብሓታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዝፍጸም ገበን ከም መመኽነይታ ከቕርብ ከም ዘይክእል ኣጒሊሖም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 April 2024, 17:11