ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይኹንታ ዝሃብሉ ናይ ቅድስናን ብጽእናን ኣዋጅ ሰነድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይኹንታ ዝሃብሉ ናይ ቅድስናን ብጽእናን ኣዋጅ ሰነድ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይኹንታ ዝሃብሉ ናይ ቅድስናን ብጽእናን ኣዋጅ ሰነድ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ማሕበር ውፉያን ንመንፈስ ቅዱስ መስራቲት ብጽእቲ እናቴ ኤለና ጒወራ ኣዋጅ ቅድስትናን ከምኡ እውን ኣብ 1963 ዓ.ም. ኣብ ሓድሕዳዊ ኲናት ስፐይን ናይ እምነት ሰማእታት ዝኾኑ ሓደ ካህንን ዓለማዊ ምእመንን እዋጅ ብጽዕና ይዂንታ ከም ዝሃብሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀዳም ዕለት 6 ሚያዝያ ንግሆ ናይ ቅድስና ጉዳያት ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማርቸሎ ሰሜራሮ ዘቕረብሎም ሰነድ ኣዋጅ ቅድስናን ብጽዕናን ኣገልጋሊት እግዚኣብሔርን ይኹንታ ከም ዝሃብሉን እታ ቀዳመይቲ ኢጣሊያዊት ዘይተኣደነ ብድሆታት እናሰገረት ጸዋዕታኣ ክትነብር ዝተጋደለት መስራቲት ማሕበር ውፉያን ንመንፈስ ቅዱስ ብጽእቲ ኤለና ጒወራን ክልተ ኣብ ስፐይን ኣብ እዋን ሓድሕድ ኲናት ሰማእታት እምነት ዝኾኑ ሓደ ካህንን ሓደ ዓለማዊ ምእመንን ብጽዕና ክወጀሎምን ሓንቲ እውን ብትሕትና ንኻልኦት ኣብ ምግልጋል ገዛእ ርእሳ ዘወፈየት ኢጣሊያዊት ፈላሲት ተረዛ ላንፍራንኮ ገድለ ሰማእትነታ መሰረት ኣገልጋሊት እግዚብሔር ተባሂሉ ንኽትጽዋዕ ዝሓትት ካብ ካርዲናል ሰመራሮ ንዝቐረበሎም ሰነድ ይኹንታ ከም ዝሃብሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣዋጅ ቅድስና ብጽእቲ ኤለና ጒወራ

ቅድስና ዝእወጀላ ብጽእቲ እናቴ ኤሌና ጉየራ (1835 – 1914 ዓ.ም.) ኢጣሊያዊት ኣብ ዞባ ቶስካና ዝተወልደት ኣብ መጀመርታ ዕስራታት ዕድሚኣ ኣብ ማሕበረሰብ መሰረት ንዝገበረ ተመኩሮታት ተገዳስነት ዘርኣየት። “ንናይ ማርያም ንኡስ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ" ተባሂሉ ናይ ዝጽዋዕ ዝነበረ ናይ ዓለማውያን ደቂ ኣንስትዮ መንፈሳዊ ማሕበር ብምግልግል ደሓር ድማ ቀጺላ፥ "መንፈሳዊ ዕርክነት" ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ማሕበር ዓለማውያን ደቂ ኣንስትዮ ንመንእሰያት መንፍሳዊ ኣገልግሎት ኣብ ምቕራብ ኣብ ዘገልግል ዝነበረ ማሕበር እውን ተጸንቢራ ዘገልገለት ምስ ወላዲኣ ኣብ ሮማ ኣብ ዝገበረቶ ንግደት ምስ ር.ሊ.Pa. ፒዮስ ታሽዓይ ድሕሪ ምራኻባ እቲ ርክብ ድማ ጸዋዕታ ገዳማዊ ህይወት ክስምዓ ከም ዝገበራን ይኹን እምበር እዚ ምርጫ እዚ ስድራኣ ዘይተቐብልዎ እንተነበሩ ተስፋ ከይቆረጸት ኣብ 1882 ዓ.ም. ኣብ ባህላውን ሃይማኖታውን ሕንጸት መንእሰያት ዘተኮረ ውፉይን ደናግል ንመንፈስ ቅዱስ ማሕበር ዝመሰረተት እያ። እዛ ኣብ 1914 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልደት ጓል ቤተ ክርስቲያን ኣብ 1959 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ብጽዕና ከም ዝኣወጁላ ዜና ቫቲካን ማሕደር ገድለ ህይወታ ጠቒሱ የዘኻኽር።

ሰማእታት ስጳይና

ክልተ ካልኦት ብጽዕና ዝእወጀሎም ድማ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ስጳይና ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉ ናይ ሰበኻ ካህን ኣባ ጋይታኖ ክላውሰላስ ባልቨ ዝተባህለ ኣብ 1863 ዓ.ም. ዝተወልደ ዕለት 14 ነሓሰ 1963 ዓ.ም. ብወተሃደራት ተታሒዙ ዕለት 15 ነሓሰ ዝተቐትለን ከምኡ እውን ዓለማዊ ምእመን ኣቦ ስድራ ኣብ ከባቢ ባርቸሎና ኣብ 1895 ዓ.ም. ዝተወልደ ኣንቶንዮ ቶርት ራይክሳክስ ካብ ዕለት 3 ታሕሳስ ናብ ዕለት 4 ታሕሳስ ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ኣብ ጥቓ መካነ መቓብር ሞንትካዳ ብወተሃደራት ዝተቐትለ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ማህደር ገድለ ታሪኽ ናይዞም ክልተ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ጠቒሱ የመላኽት።

ካብ ፑሊያ ናብ ሮማ

ካልእ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣገልጋሊት ተባሂላ ክትጽዋዕ ዝሓትት ሰነድ ይኹንታ ዝሃብሉ ሰነድ ገድለ ሰማእትነት እናቴ ተረዛ ላንፍራንኮ ዝምልከት ኮይኑ፡ እዛ ኣብ መበል 69 ዓመት ዕድመኣ ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልደት ኣባል ማሕበር ናይቲ ብናቴ ብጽእት ኤሊዛ ማርቲነዝ ናይ ዝተመስረተ ንናይ ሰበኻታት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ምትሕብባርን ኣብ ህንጸት ደቂ ኣንስትዮን ዘገልግል ማሕበር ደናግል ኣባል ብምዃን ኣብ ኣገልግሎት እንከላ ኣብ 1987 ዓ.ም.  እናቴ ኤሊሳ ማርቲነዝ ብጥዕና ምኽንያት ካብቲ ናይ ዝመስረተኦ ማሕበር ደናግል ዝነበራ ሓላፍነት ጠቕላሊት ሓለቓ ድሕሪ ምልቃቓ ተረዛ ላንፍራንኮ ጠቕላሊት ሓለቓ ንኽትከውን ምስ ተሓተተት ናይ እትምረጽ ጠቕላሊት ሓለቓ ተራዳኢት ክኸውን እመርጽ ዝበለት ምዃናን ንቕዱስ ዮሴፍ እውን ፍልዩ ተወፋይነት ከም ዝነበራ ዜና ቫቲካን ማህደር ታሪኽ ህይወታ ጠቒሱ የመላኽት።

15 April 2024, 14:38