ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመነ ጵጵስናኦም ንድሕሪት ዘይምለስ ሕዳሰ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመነ ጵጵስናኦም ንድሕሪት ዘይምለስ ሕዳሰ  (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመነ ጵጵስናኦም ንድሕሪት ዘይምለስ ሕዳሰ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ “ንቤተክርስትያን ዘነቓቕሑ ሓሙሽተ ሕቶታት” ዘርኣስታ ብስነ ቫቲካን ሊቅ ጋዜጠይና ኢግናዚዮ ኢንግራው ዝተደርሰት መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንቤተ-ክርስትያን ዘነቓቕሓ ቐንዲ ጕዳያት የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነታ "እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ሕዳሴ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንታይ የጋጥሞ ይኸውን?" ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ጸሎትን ትዕግስትን ከም ዘድሊ ኣትሪሮም ብምሕባር መመያ ከኣ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፍጥነት "ብኸመይ ከም ዝቕጽልን ከምኡውን ተቕዋማዊ ከም ዝኸውን" ዘነጽር እዩ። ገሊኣቶም ሰባት እቲ ር.ሊ.ጳ. ዘተኣታተውዎ ለውጢ ወይ ሕዳሴ ክቕየር ተስፋ ይገብሩ፡ ግን ይብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ፥ እቲ ሕዳሴ "ብልክዕ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስጕምቲ ስለ ዝዀነ ንድሕሪት ክምለስ ኣይክእልን ኢዩ" ኢሎም።

እታ እተፈላለየ መዳያትን ሰፊሕን መድበላዊትን መጽሓፍ እተፈላለየ ዜናታትን ህሉው ፍጻመታትን ገለ ኻብዚ ኸኣ ብዛዕባ ስልጣናዊ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝምልከት ሰነዳት እውን እትድህስስ ምዃና እውን ይገልጹ።

ዓቕለስያ ወትሩ ተጓዓዚት ኣብ ሕዳሴ

ኢንግራው ኣብታ ናይታ መጽሓፉ መእተዊ ብዛዕባ “ዘይምለስ መስርሓት ሕዳሴ” ይዛረብ፣ እዚ ድማ ብዘድሊ “ብጓሳዊ / ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምላሽ” ከምኡ’ውን “ብስነ-ምግባራውን ግብረ ገባውን ምላሽ” ዝስነይ እዩ።

ነዚ ስምዒት እዚ ብምድጋም ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ “ቤተክርስትያን ወትሩ ኣብ ሕዳሴ/ጽገና እያ” ዝብል ላቲናዊ መግለጺ Ecclesia semper reformanda ዓሚቕ ሓቅነት ዘለዎ ኣበሃህላ ምዃኑ ኣጉሊሖም። እዚ ማለት “ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ናብ ግቡእ ቅርጻ ክትምለስ ኣለዋ” ዝብልን ኣብዚ መዳይ ክትጓዓዝ ዝድርኻ ጽገና እዩ፣ “ኣብ ሕቑፋ ሓጥኣን ዘጠቓለለት” ቤተ ክርስቲያን “ንጽህና የድልያ፣ ኣብ መንገዲ ንስሓ ትስጉም” ዝብል ኣብ ብርሃነ ኣህዛብ ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝቐርብ ትምህርቲ ብምዝካር ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያናዊ ህዳሴ መሰረታዊ ትርጉሙ የብርሁ።

ጸገማት ከም ዕድላት

ካርዲናል ፓሮሊን ቀጺሎም ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይታ መጽሓፍ ኣስተንቲኖም፣ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣብቲ ናይታ መጽሓፍ ኣርእስቲ ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ዝተጠቀነሉ ምንቕቓሕ ዝብል ግሲ ኣስተንቲኖም፣ እዚ ድማ “ንኣንባቢ በቲ ንሕና እንቐርቦ ንቕሓትን ጥንቃቐን ነቲ ጽሑፍ ክምርምሮ ዝዕድም ይመስል” እዚ እውን ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዝርከብ ጸብጻብ ህቦብላ ባሕሪ ዘዘኻኽር እዩ። ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ስግር ቀላይ ዝገበርዎ ጉዕዞ ብድሆታት ምስጋር ከምዘጠቓልል ዘርኢ እዩ፡ እዚ ድማ ከም ጸገምን ሓደጋን ጥራይ ዘይኮነስ ከም ዕድላት’ውን ክረአ ይኽእል፤ እዚኣቶም ድማ፡ “ኣካል ናይቲ ኣምላኽ ዘስተምህረና፡ ብሱላትን ክንስጉምን ዝገብረና ለባም ስነ-ምምሃር እዩ” ምስ በሉ ኣስዒቦም ካርዲናል ፓሮሊን ካልኦት ሓያሎ በታ ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ዝቐረቡ ሕቶታት ሕጽር ብዝበለ ኣገባብ ተንኪፎም፣ ተራ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ቤተ ክርስቲያን፣ ምልዓል ኣብያተ ክርስቲያናት ጴንጠቆስጠን ሲኖዶስስ ዲኖዳውነት ዝብሉ ኣርእስታት ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 April 2024, 15:13