ድለ

2024.04.04 ስኒት እምነት፡ ኣብ ውሽጢ ኢዮቤል ኣብ ተስፋ ዝግበር ባህላዊ ጉዕዞ 2024.04.04 ስኒት እምነት፡ ኣብ ውሽጢ ኢዮቤል ኣብ ተስፋ ዝግበር ባህላዊ ጉዕዞ 

ስኒት እምነት፡ ኣብ ውሽጢ ኢዮቤል ኣብ ተስፋ ዝግበር ባህላዊ ጉዕዞ

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ምእመናን ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ንምቕባልን ንምጽንባልን ኣብ ዝዳለዉሉ እዋን ዘሰንዮ ብርክት ዝበሉ ባህላዊ ተበግሶታት የቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ዓ.ም. ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነቲ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ናይ ምድላውን ናይ ምብዓልን ሓላፍነት ብሕድሪ ከም ዝሃቡ ክዝከር እንከሎ፡ በዚ መሰረት ድማ እቲ ናይ ስብከተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እተዳለወ መርሓ ግብሪ ብናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ትኩእ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊሲከላ ዕለት 4 ሚያዝያ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ኣብቲ ቅዱስነቶም ዝጸሓፍዎ መልኽቲ፥ "ዓመት ኢዮቤል ወትሩ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ዓብዪ መንፈሳውን ዓቐለስያውን ማሕበራውን ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻመ እዩ" እንክብሉ ዘስመሩሉ ቅዉም ሓሳብ ገሊጾም፡ ካብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ንዝመጹ ነጋድያን ሓንጓፍይ ዝብል ሕቑፊ ቤተ ክርስቲያን ክስምዖም ዚገብር ፍሉይ ውህበት ጸጋን ብርሃንን ተስፋን እዩ” ኢሎም።

ምድላውን ጽምብልን

ሊቀ ጳጳሳኣት ፊዚከላ ቀጺሎም - እቲ ፍሉይ ግዜ ብሓቂ ሓድሽ ዘመን መንፈሳዊ ምሕዳስን ተስፋን ከም ዘበግስ ገሊጾም፡ ነዚ መሰረት ዝገበረ ምድላዋት ይቕጽል ኣሎ ቢሎም፥ ዕለት 9 ግንቦት ኣብ በዓል ዕርገት ናይ ዓመተ ኢዮቤል “ነጋድያን ተስፋ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐርብ መለለዪ ብወግዒ ክቐርብ ምዃኑ ገሊጾም፥ "ተመኩሮ ተስፋ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ትጽቢት ሰናይን ድሌት ምልኣትን ሱር ዝሰደደ" ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም፡ እዚ ድማ ር.ሊ.ጳ.  ፍራንቸስኮ ከም ዘመላኽትዎ፡ ካብ ስነ-ጽሑፍ ክሳብ ስነ-ፍልጠትን ስነ-ጥበብን ኣብ ብዙሕ ዓውድታት መጽናዕቲ ሰፊኑ ዝርከብ እዩ። ስለዚ፡ ኩሉ ንዓመተ ኢዮቤል ዝግበር ዘሎ ምድላዋት ኢዮቤል፡ ኣብ ስርሒት ቀረብን ኣገልግሎትን ናይ ምሃብ ኣወዳድባ ጥራይ ዝተሓጸረ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምሕብሓብ ዓሚቝ መንፈሳዊ ትርጉሙ ኣብ ምስራጽ እውን ዘተኮረ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ነዚ “ናይ ጸጋ ህሞት ንጉስነት ናይተን ፍሉያት ኣብያተ ክርስቲያናት ትርጉም ዘለዎ ህሞት” ንምግባር ነዚ ተመክሮ እዚ ናብቲ ብተፈጥሮኡ ንዅሉ ሰብ ዝዝርጋሕን ቅድሚ እምነት ዝነበረ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምክፋል ናይ ሓቂ መጋበርያ ዝኸውንን ባህሊ ንምስፋሕ ኢዩ” ኢሎም።

ናይ ባህሊ ሽማግለ

ስለዚ ኸኣ ኢዩ ካብቲ ውጥን እተገብረሉ ግዜ ኣትሒዙ ንክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ናይ ጕስነት ምልኣት ናይታ ቤተ - ክርስትያን ንኽምከሩ ዝዕድም፡ እንተዀነ ግን ካብ ጸሎት ንላዕሊ ከምኡውን ንብምሉኡ ህላወ ደቅሰብ ዘጠቓልል ተመክሮ ኢዮቤል ዕምቈት ንምሃብ ዝሓሸ መገድታት ንምርካብ ናይ ባህሊ ሽማግለ ዝቖመ” ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ናይ እምነት ተመኩሮ ንምሃብ ግን ከኣ ዘተን ሓባራዊ ክብርታትን ንምዕባይ ዝዓለመ ዝተዳለወ ነዊሕ ናይ ተበግሶታት መደብ ብዝርዝር ኣብሪሆም፡ ካብዚኦም ሓደ "ኣብ ጉዕዞ" ዝብል መደብ ጠቒሶም፡ እዚ ኸኣ ንጕዕዞ እምነትን ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ኣከባብያዊ ውክልና የመልክት።

ናይ ኢዮቤል ባህሊ ዝምልከት ብምርኢታት ስነ-ጥበብ፡ ምርኢት ፊልምን እውን ኣቢሉ ክቐርብ ምዃኑ ይሕብሩ።

ሙዚቃ፡ ፊልምታት፡ ስነ-ጥበብ

እቲ ምርኢታት ድማ ኣብ ትሕቲ "ስኒት ተስፋ" ዝብል መለለዪ ዝካየዱ ተኸታታሊ ፍጻመታትን ጽባቐን ምትብባዕን ንምሃብ ዝዓለመ "ክፉት ሰማይ" ብዝብል መርህ ቃል ዝቐርብ ካልእ ምርኢት እውን ዘጠቓልል ከም ዝኾነን ንነጋድያን ምእመናን ኣብ ናይ ኢዮቤል ጉዕዞኦም ከሰንዩ ዝተመርጹ ናይ ፊልምታት መደብ ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይ ጳጳሳዊ ስነ ፍልጠትን ማሕበራዊ ስነ ፍልጠትን ተቕዋም ምኽትል ዋና ሓላፊ ክኢላ ፊልምን ራዲዮን ተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን የኔታ ዳርዮ ኤዶዋርዶ ቪጋኖ ብሰፊሕ መብርሂ ከም ዝሃቡን፥ የኔታ ቪጋኖ ነቲ ብጥንቃቐ ዝተመርጸ መልክኣ - ፊልም ካብታ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ 1945 ዓ.ም. ብቪቶርዮ ደ ሲካ ዳግማይ ዝተቐርጸት “ኣፍደገ ናብ ሰማይ” ክሳብ ዊም ዌንደርስ ኣብ 2023 ዓ.ም. “ፍጹም መዓልታት” ዘርእስታ ፊልም ዘጠቓልል ምዃኑ ብስእላዊ መገልጺ ኣቕሪቦም፡ እዚ ድማ ሓቀይና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ናፍቖት ነቲ ሓደ ኣምላኽ፡ ነቲ ኣብ መዓሙቕ ልቦም ተሓቢኡ ዘሎ ህልወተ ኣምላኽ” ዝገልጽ ኣሰር ንምብርባር ዝኣመተ ካብ ዝቐርቡ ዝተፈላለየ ዝተመርጹ ፊልምታት ዝጥቀስ እዩ ከም ዝበሉን ክኢላ ስነ-ጥበብን ኣካያዲ ምርኢታትን ፍራንክ ኣሌስዮ ጀረቲ እውን ብወገኖም፥ ስርሓት ሳልቫዶር ዳሊን ማርክ ሻጋልን ዝበሃሉ ክልቲኦም ብናይ ገዛእ ርእሶም ተመኩሮ እምነት ኣዝዮም ዝተጸልዉን ስርሓቶም ብሃይማኖታዊ መወከሲታትን ዝተሰነየን ስነ-ጥበባውያን ምዃኖም ገሊጾም፥ ኣብታ ዘልኣለማዊት ከተማ ተባሂላ እትጽዋዕ ሮማ ንምርኢት ክቐርብ እዩ፣ ምስ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ምርኢታት ሓዊሱ ንሩስያውያን ምልክታት ዝተወፈየ ምርኢታት እውን ክህሉ ምዃኑ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምስ ሓበሩ፥ ሊቀ-ጳጳሳት ፊሲከላ ኣብ መደምደምታ፥ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ነባሪ ሓይሊ ተስፋ ከም ዘሎ መረጋገጺ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም፥ “እቲ ዓመተ ኢዮቤል - ዓመተ ጸጋ፡ ነቲ ብህጹጽ እንደልዮ ምሕዳስን ዳግመ ውልደትን ከም መቕድም ናይ ተስፋን ምትእምማንን ሃዋሁ ንምምላስ ብዙሕ ኣበርክቶ ዝገብር ኢዩ" ኢሎም።

05 April 2024, 17:22