ድለ

ካናዳ መበል 53 ቋንቋ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኮይኑ ካናዳ መበል 53 ቋንቋ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኮይኑ  (Vatican Media)

ካናዳ መበል 53 ቋንቋ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኮይኑ

ፈነዋ ራድዮ ቫቲካን – ዜና ቫቲካን ካናዳ ከም መበል 53 ቋንቋ ክመ ዝወሰኸን ናይ ር.ሊ.ጳ. ጻሜታትን ዜና ቅድስቲ መንበርን፡ ቫቲካንን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ዝምልከት ሓበሬታ ዝሽፍን ከም ዝኸውንን ነቶም ኣብ ህንዲ ዝርከቡ ናይ ቋንቋ ካናዳ ተጠቀምቲ ዝኾኑ 35 ሚሊዮን ወንጌል ብቋንቋ ኣደ ክበጽሖም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቋንቋ ካናዳ መበል 53 ቋንቋ ራድዮ ቫቲካን ኮይኑ መደባቱ ድማ ካብ ዕለት 2 ሚያዝያ ከም ዝጀመረን በዚ ኣብ ህንዲ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብዝዛረብዎ ቋንቋ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዜና ቫቲካን ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ. ቫቲካንን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ዘድሊ ሓበሬታ ክቐርብ ከም ዝኾነን እዚ ተበግሶ እዚ ኣብ መንጎ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓ ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ህንዲ ግዝኣት ካርናታካ ናይ ባንግሎር ርእሰ ሰበኻን ካብ ዝተገብረ ምትሕብባር ዝነቐለ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ርእሰ ሰበኻ ባንጋሎረ ሊቀ ጳጳሳት ፒተር ማቻዶ፡ “ዜና ቫቲካን ብቋንቋ ካናዳ ምጅማሩ ሓጎስ ይስምዓኒ” እንክብሉ ርእይቶኦም ሂቦም። “ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቫቲካንን ኩላዊት ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ዝምልከት ዜናታት ነታ ኣብ ካርናታካ እትርከብ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ሓበሬታ ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም። ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ሲኖዶሳውነትን ቤተ ክርስቲያን ናብ ወሰናስን ኣብ ምምጻእ ብቐጻሊ ትኹረት ብምሃብ ዘካይድዎ ኵላዊት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ድራኸን አመስግኖም ከዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ምእመናን ብቋንቆኦም ዜና ቫቲካን ብምንባብን ስዒቡ እውን ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ብድምጽን ብምስማዐ ርእየትን ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ክከታተሉ ከም ዝኾኑን፡ ናይ ባንግሎር ሃገረ ስብከት ማእከል መራኸቢ ብዙሓን ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ህዝቢ ከም ዘቕርባ ርግጸይና እየ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

“ቋንቋ ካናዳ ሓድሽ ናይ ዜና ቫቲካን መበል 53 ቋንቋ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ህንዲ ካብ ዝዝረቡ ጥንታውያን ቋንቋታት ሓደ እዩ” እንክብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝክታተል ላዕለዋይ ቤት ጽህፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ሓቢሮም፥ እዚ 35 ሚልዮን ህንዳውያን ዝዛረብዎ ቋንቋ ህያው እዩ። እዚ ዝተበገሰ ሓድሽ መደብ ፈነወ ንናይቲ ቋንቋ ተጠቃሚ ህዝቢ ባህሊ ምእንጋድን ምኽባርን ሓቅነቱ ዘረጋግጽን እዩ። ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ኣብ ኣገልግሎት ብሓባር ናይ ምጉዓዝን ተግባር ኢዩ። ብዙሕ ጻዕሪ እውን ዝሓትት እዩ፡ እንተዀነ ግን ከምቲ ምስላ ካናዳ ዝብሎ 'ጻዕሪ ወትሩ ረብሓ ኣለዎ' ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥"ቃል ር.ሊ.ጳ. ብቋንቋ ኣደ ንሚልዮናት ህንዳውያን ምቕራብ ኣብቶም ዝጸንሑ 52 ቫቲካን ረዲዮን – ዜና ቫቲካንን ዝጥቀመሎም ቋንቋ ካናዳ ክውሰኽ ነቲ ንጳጳስ ሮማን ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ምግልጋል ዝብል ጸዋዕታና ዘጽንዕ እዩ፥ ኣብዚ ብጸገማትን ዘይርጉጽነትን ውግኣትን ዓመጽን ዝልለ ታሪኻዊ ህሞት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሱታፌን ምክፋልን ምስክርነት ብምሃብ ነቲ ኣብ መንጎ ሮማን ዓለምን ዘሎ ርክብ ብምድልዳል ዘጸናንዕ እዩ” ከም ዝበሉ ሓቢሩ።

"ስፍሓት ቤተ-ክርስትያን ብሓቂ ዘደንቕ ኢዩ። 93 ዓመት ይገብር ር.ሊ.ጳ. ፒየስ መበል 12 ንጉልየልሞ ማርኮኒ ኣብ ዓለም ተስፋ ንምምጻእ ረድዮ ቫቲካን ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ከም ዝሃብዎን እዚ ሎሚ ብ53 ቋንቋታት ዝመሓላለፍ ራዲዮ ቫቲካንን - ዜና ቫቲካን ኣብ 1990ታት ማዕበላት ረድዮ ር.ሊ.ጳ. ናብ ቬትናም ከም ዝበጸሐን ክዝከር እንከሎ ሎሚ ሓድሽን እተራቀን እደ ጥበባዊ ምህዞታት ብምጥቓም (ሓጺር ማዕበልን ሳተላይትን ኢንተርነትን) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብታ ዝቘሰለት ዓለም ንምብጻሕ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዚኸፍት ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉን ቋንቋ ካናዳ ኻልእ ኣብነት ሓይልን ሓድነትን ስለ ዝዀነ ነዚ መገድታት እዚ ብሓላፍነትን ብሓድነትን ክንቅጽል ኢና እንደሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

02 April 2024, 15:05