ድለ

CORRECTION-UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-WAR CORRECTION-UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-WAR  (AFP or licensors)

ሓድሽ ሰነድ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ 'ዜስካሕክሕ ምጥሓስ' ክብሪ ወድ-ሰብ

ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት “ክብር ዘኣልቦ ጽንፍ” (Dignitas infinita) ዘርእስቱ ሓድሽ ሰነድ ኣውጺኡ፣ እዚ ንኽዛዘም ሓሙሽተ ዓመት ዝወሰደ ሰነድ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት እተገብረ ሥልጣነ ኣስተምህሮት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተመርኰሰ ኢዩ ። እዚ ኸኣ ካብ ውግእ ክሳዕ ድኽነት፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ዓመጻ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ግፍዒ፣ ካብ ምንጻል ጥንሲ ኣትሒዙ ኽሳዕ መተካእታ ወሊድ፣ ካብ ሥነ-ሓሳብ ጾታ ኽሳዕ ኤለክትሮኒካዊ ዓመጻ ዝዝቲ ሰነድ ውን ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገር ቫቲካን

እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ምዕራፋት ናይዚ ሰነድ ነታ ብዛዕባ "ገለ ኸበድቲ ምጥሓስ ሰብኣዊ ኽብረት" እትዝቲ ራብዐይቲ ምዕራፍ መሰረት ይኾንዋ።

እቲ ንመበል 75 ዓመት ናይ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ብምዝካር "እቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ሰብኣዊ ኽብረት ኣብ ክርስትያናዊ ትምህቲ ሥነ-ሰብ ኣገዳሲ ምዃኑ" ዜረጋግጽ ክብር ዘአልቦ ጽንፍ” (Dignitas infinita) ዘርእስቱ ሓድሽ ኣዋጅ ቅድስቲ መንበር ኢዩ ። (መእተዊ)

ናይዚ ፍረ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ዕዮ ዝዀነ ሰነድ ቐንዲ ሕዳሴ ካብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ግብረገብነት ሥነ-ሕይወታዊ (bioethical) ጽሑፋት እተተሓሓዘ ሓያሎ ቐንዲ ኣርእስትታት ሥልጣነ ኣስተምህሮት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሃዘ ኢዩ። ኣብቲ ዝቐረበ 'መወዳእታ ዘይብሉ' ዝርዝር ኣርእስትታት ምንጻል ጥንሲ፡ ብፍታው ዝግበር ስቓይ ኣልቦ ነፍሰ ቅትለት ከምኡ ውን መተካእታ ወሊድ፣ ቀጺሉ ውን ውግእን፡ ድኽነትን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን እዚ ኹሉ ምጥሓስ ሰብኣዊ ኽብሪ ተባሂሉ ተዘርዚሩ ኣሎ።

ስለዚ እዚ ሓድሽ ሰነድ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ መጀመርታን መወዳእታን ህይወት ደቅሰባት ጥራይ ዜተኵሩን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ኽብሪ ዚወርድ ሓያሎ ኻልእ መጥቃዕቲ ዝርስዕዎን ሰባትን ብኣንጻሩ ግና እቶም ህይወት ካብ ጥንሲ ኽሳዕ እቲ ተፈጥሮኣዊ መደምደምታኡ ኺከላኸሉሉ ከም ዘለዎ እናዘከሩ ንድኻታትን ንስደተኛታትን ኣብ ምጥባቕ ጥራይ ዜተኵሩ ሰባት ንዘሎ ፍልልይ ንምስናፍ ኣበርክቶ ዚገብር ሰነድ ኢዩ ።

መሰረታዊ ኣቕዋማት

እተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ምዕራፋት እቲ ኣዋጅ መሰረታዊ ስርዓታትን ኣቕቃማትን እየን ዝተንትና ።

"ብመሰረት መለኮታዊ ግልጸት፣ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ እተፈጥረን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተበጀዎን ሰብኣዊ ኽብረት" ብቘራጽነት ትድግፎን ተረጋግጾን እያ (1)።

እዚ ኸኣ  "ካብቲ ኵሉ ባህላዊ ለውጥታት ወጻኢ ምስቲ ሰብኣዊ ባህርይ" ዚመሳሰል "መዳርግቲ ዘይብሉ ክብሪ" እዩ።(6) እዚ ህያብ እዚ "ውህበት" ስለ ዝዀነ "ኣብ ዘይተወልደ ሕጻን፣ ኣብቲ ሃለዋቱ ዝሰሓተ ሰብ ወይ ውን ኣብቲ ኣብ ድኻምነትን ጭንቅን ዘሎ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ " ውን ከይተረፈ ዚርከብ ኢዩ።(9)

"ቤተ-ክርስትያን ኵነታት መነባብሮኦም ወይ ባህርያቶም ብዘየገድስ ማዕርነት ኽብሪ ዅሎም ደቂ-ሰባት ትእውጅ ኢያ" (17) ነዚ ድማ ብመሰረት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ - ሰብኣይን ሰበይትን ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥሩ ክንዲ ዝኾኑ ኢዩ።

ክርስቶስ ስጋ ዝለበሰ ብምዃኑ "ንኽብሪ ስጋን ነፍስን ኣረጋጊጽዎ" ኢዩ (19)፣ ብትንሳኤኡ ኸኣ ክብሪ ሰብ "ልዕሊ ዅሉ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ሕብረት ክህልዎ እተጸውዐ" ምዃኑ ገሊጹልና። (20)

ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ

እዚ ሰነድ እቶም ነቲ "ውልቃዊ ኽብሪ" ዝብል መግለጺ ካብቲ "ሰብኣዊ ኽብሪ" ዝመርጹ ሰባት ዘለዎም ግጉይ ርድኢት የጕልሕ፣ ከመይሲ ንሰብ ብውልቃውነቱ ከም ሓደ 'ክምሕሳብ ኣእምሮ ዘለዎ ኣካል' ከም ምኩኑ ጥራይ ስለ ዝርድእዎ ኢዩ። (24)

እዚ ሥነ ሓሳብ እዚ ብመሰረት እቲ ንሳቶም ዚብልዎ "እቲ ዘይተወልደ ሕጻን ውልቃዊ ኽብሪ ኣይህልዎን፣ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ውን ኣብ ካልኦት ጽግዕተይና ዝኾነን ከምኡ ውን ኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘለዎ ሰብ እዚ ክብሪ እዚ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ቤተ-ክርስትያን ክብረት ነፍሲ ወከፍ ወድ-ሰብ ኣብ ኵሉ ዅነታት ጸኒዑ ከም ዝርከብ እያ እትገልጽ"(24)።

ኣብ ርእሲ እዚ ውን እዚ ሰነድ ከምዚ ብምባል የጕልሕ - "ሰብኣዊ ኽብሪ ዝብል ኣምር ሓሓሊፉ ነቲ ሓድሽ መሰላት ብሃውሪ ምብዛሑ መመኽነይታ ንምቕራብ ብዘይኣግባብ ኢዮም ዘዘውትርዎ ። ... ንነፍሲ ወከፍ ናይ ውልቀ-ሰብ ምርጫ ወይ ድሌት ናይ ምግላጽን ናይ ምፍላጥን ክእለት ውሕስነት ክወሃቦ ከም ዘለዎ ኢዩ ዝእምት።" (25)

ዝርዝር ምጕዳል ፍትሒ

ድሕርዚ እቲ ኣዋጅ ዝርዝር ናይ "ገለ ገለ ከበድቲ ምጥሓስ ሰብኣዊ ኽብሪ" የቕርብ።

እዚ ኸኣ "ከም ቅትለት፡ ጃምላዊ ቕትለት፣ ምንጻል ጥንሲ፣ ስቓይ ኣልቦ ነፍሰ ቅትለት፣ ከምኡውን ደይመደይ ኢልካ ዚግበር ርእሰ-ቕትለት ዝኣመሰለ ኣብ ህይወት ዚፍጸም ኵሉ ገበናት " ምስ ሰብኣዊ ክብሪ ዚጻረር ምዃኑ ኣፍልጦ ኺወሃበሉ ኣለዎ " የግዳስ "ኵሉ እቲ ኸም ምቝራጽ ኣካላትን፡ ኣእምሮኣዊ ዓመጽን፡ ዘየድሊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣመጻን ዝኣመሰለ ኩሉ ምልኣተ ክብሪ ወድ-ሰብ ምጥሓስ ከም ምዃኑ" ዜጠቓልል እዩ።

ኣብ መወዳእታ ኸኣ "ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ክብሪ ዚፍጸም ገበናት፣ ማለት ኣብ ትሕቲ ሰብኣዊ ክብሪ ዚፍጸም ገበናት ከምኡ ውን ብዘይ ፍቓድ ዚግበር ማእሰርቲ፡ ምጥራዝ፡ ባርነት፡ ምንዝርና፡ ምሻጥ ኣንስትን ቈልዑን፡ ውልቀ-ሰባት ከም ናጻን ሓላፍነት ዚስምዖምን ሰባት ዘይኰነስ ንመኽሰብ ከም መሳርሒ ጥራይ ጌርካ ዚርኣዩሉ ሕሱር ኵነታት ስራሕ" የጠቓልል።

ኣስዒቡ ውን ፍርዲ ሞት "ኵነታት ብዘየገድስ ነቲ ደረት ኣልቦ ዝኾነ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስለ ዘዳኽም" ኣብዚ ሓድሽ ሰነድ ተጠቒሱ ይርከብ።(34)

ድኽነትን ውግእን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባትን

እታ ቐዳመይቲ ኣርእስቲ ኣብዛ ሰነድ እተጠቕሰት ድኽነት እያ፣ እዚ ኸኣ "ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዝዓበየ ዘይፍትሓዊ ተግባራት" እዩ። (36)

ኣብ ርእሲ እዚ ውን ውግእ "ንሰብኣዊ ኽብሪ ዝኽሕድን ካልእ ዘሕዝን ፍጻመን" ከምኡውን ወትሩ "ስዕረት ሰብኣውነት" ምዃኑን (38) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ "ሎሚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት 'ቅኑዕ ውግእ' ክህሉ ከም ዝኽእል ንምግላጽ እተወስደ ርትዓዊ መለክዒታት ውን ከይተረፈ ንምጥቃም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ።" (39)

ኣስዒቡ ድማ እቲ ኣዋጅ ብዛዕባ እቲ "ንስደተይናታት ዘጋጥሞም ስድራቤት ንምምስራት ዘይምኽኣሎም፣ ድራር ዕለቶም ንምምእራር ስራሕ ዘይብሎም ምዃኖም ወይ ገዛእ ርእሶም ንምምጋብ ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ" (40) ምዃኑ እውን ዝገልጽ ኢዩ።

ድሕርዚ እቲ ሰነድ ብዛዕባ እቲ "ዜሕዝን ጸለውታ" ዘለዎ "ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት " እዩ ዜተኵር ፣ እዚ ኸኣ "ሕማቕ ንጥፈታት ማለት ነቶም ስልጡናት ኢና ዚብሉ ሕብረተሰባትና ዜሕፍር ተግባር ምኹኑ " ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ ። እዚ ኣዋጅ እዚ "መዝመዝትን ዓማዊልን" ንሕልናኦም ኣርዚኖም ክምርምሩ ይዕድሞም። (41)

ብተመሳሳሊ ምስ ከም እኒ "ንግዲ ኣካላት ወድሰብን ሕዋሳትን፡ ጾታዊ ምዝመዛ ኣወዳትን ኣዋልድን ከም ምንዝርናን፡ ንግዲ ሓሽሽን ኣጽዋርን፡ ግብረ-ሽበራ ከምኡውን ኣህጉራዊ እተወደበ ገበን" (42) ዝኣመሰለ ተርእዮታት ክቅለስ ኣለዎ። (42)
እዚ ሰነድ እዚ ብዛዕባ እቲ "ኣብ ኣልባብ እቶም በዚ ሕማም እዚ ዝሳቐዩ ዓሚቝ በሰላ ዘለዎም" ዘሕድሮ ጾታዊ ማህሰይቲ እውን ጠቒሱ ይርከብ - እዚ ኸኣ "ኣብ ምሉእ ህይወቶም ክቕጽል ዝኽእልን ንስሓ እውን ከሕውዮ ዘይክእል ስቓይ" (43)ምዃኑ ይትንትን ። ድሕርዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዚወርድ ኣድልዎን ዓመጻን ይዝቲ። ገለ ኻብቲ "ንኣደ ዀነ ንውሉድ ዚጸሉ ኣገዲድካ ዚግበር ምንጻል ጥንሲ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ንስስዐ ደቂ ተባዕትዮ ንምዕጋብን" ከምኡ ውን "ድርብ መውስቦን" (45) ተዘርዚሩ ኣሎ። ቅትለት ደቂ-ኣንስትዮ እውን ኣብዚ ሰነድ እዚ ተኾኒኑ ይርከብ። (46)

ምንጻል ጥንስን መተካእታ ወሊድን

ኣብዛ ሓዳስ ሰነድ ምንጻል ጥንሲ ብትሪ ኢዩ ተኾኒኑ ዘሎ - "ካብ ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ወድ-ሰብ  ኪፍጸም ዚኽእል ገበናት ምንጻል ጥንሲ ኣዝዩ ኸቢድን ዜሕዝንን ዚገብሮ ባህርያት ኣለዎ ። " ከም ሓቁ እኳ ደኣስ “ነቲ ጌና ዘይተወልደ ህይወት ምጥባቕ ማለት ንሰብኣዊ መሰል ነፍስ ወከፍን ኩሉን ወድሰብን ምጥባቕ” ማለት ምዃኑ ውን ይጠቕስ። (47)

እዚ ኣዋጅ ነቲ "ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ ቈልዓ ከም ሓደ ቁሳዊ ነገር " ዝቖጽር መተካእታ ወሊድ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ውን ይዛረብ ። እዚ ተግባር እዚ "ንኽብሪ እታ ሰበይትን ነቲ ሕጻንን ከቢድ ምጥሓስ ክብሪ ዜመልክት እዩ።  ውሉድ ወትሩ ህያብ ደኣ እምበር መሰረት ናይ ንግዲን ውዕላትን ኣይኰነን።" (48)

እቲ ዝርዝር ቀጺሉ ነቲ ኣብ ገሊኡ ሕግታት "ብኽብሪ ምሟት" ዝብል ትርጕም ዘለዎ ንዝግበር ስቓይ ኣልባ ነፍሰ ቅትለትን፡ ብሕክምናዊ ደገፍ ዝግበር ነፍሰ ቅትለትን ይጠቅስ። እቲ ሰነድ "ክብቲ ባህርያውን ተፈጥሮኣውን መንነቶም ስለ ዝኾነ፣ ስቓይ ንሕሙማት ክብረቶም ከም ዘጥፍኡ ኣይገብሮምን ኢዩ " (51) ክብል የጕልሕ ።

ድሕርዚ እቲ ኣዋጅ ኣገዳስነት ጥዕናዊ ኽንክን ከምኡ ውን ካብ "ጭካነ ዝመልኦ ሕክምናታት ወይ ግቡእ ዘይኰነ ሕክምናታት" ብዛዕባ ምርሓቕ ይገልጽ፣ እዚ ድማ "ህይወት መሰል ኢዩ፣ ሞት ግና አይኮነንን፣  ክትቅበሎ ዘለካ ደኣ እምበር ዝወሃበካ ኣይኰነን" (52) ዝብል መርገጺ ውን ይህብ።

ካልእ ከቢድ ምጥሓስ ሰብኣዊ ኽብሪ ከኣ ምግላል ናይቶም  እተፈላለየ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ኢዩ። (53)

ጾታዊ ሥነ-ሓሳብ

እዚ ሰነድ ነቲ ብዛዕባ ጾታዊ ሥነ ሓሳብ ዚገልጽ ክፋል የቕርብ፣ "ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሓደኣዊ ጾታ  ዚፍጸም ዘይፍትሓዊ ኣድልዎ ብፍላይ ከኣ ዝዀነ ይኹን ዓይነት መጥቃዕትን ዓመጻን ብጥንቃቐ ከውገድ ከም ዘለዎ" ብምጕላሕ እዩ ዚጅምር።

እቲ ኣዋጅ ከም ዝገለጾ "ምስ ሰብኣዊ ኽብረት ዚጻረር" እኳ እንተ ዀነ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ግና "ብሰንኪ ጾታዊ ኣተሓሳስባኦም ጥራይ ሒደት ሰባት ይእሰሩን ይሳቐዩን ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ጽቡቕ ህይወት ንኽነብሩ ኣይክእሉን እዮም።" (55)

ኣስዒቡ ድማ ጾታዊ ሥነ ሓሳብ  "ነቲ ኵሉ ሰብ ማዕረ ከም ምዃኑ ዚገልጽ ሓሳብ ንዘሎ ፍልልያት ስለ ዚስርዞ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ " ዚብል ክልሰ ሓሳብ ናይ ጾታ ይነቕፍ (56)።

ቤተ-ክርስትያን ከምዚ ብምባል ትዝክር - "ብዅሉ ስፍሓቱ ማለት ብኣካላውን መንፈሳውን መዳይ ሰብኣዊ ህይወት ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት ኢዩ። እዚ ውህበት እዚ ብሞሳ ተቐባልነት ኪረክብን ንሰናይ ኬገልግልን ኣለዎ ። ከምቲ ጾታዊ ሥነ-ሓሳብ ዝኣዘዞ ብሕታዊ ርእሰ-ውሳነ ምግባር ... ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ደረጃ ኣምላኽ ንምድያብ ዝግበር ነቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝነበረ ፈተና ዘንጸባርቕ ኢዩ።" (57)

ጾታዊ ሥነ ሓሳብ "ነቲ ኣብ መንጎ ህያዋን ፍጡራት ዘሎ ዝዓበየ ፍልልይ ማለት ጾታዊ ፍልልይ ኪኽሕዶ እዩ ዝሕልን ዘሎ።" (58)።

ስለዚ " ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ክሕከኽ ዘይክእል ጾታዊ ፍልልይ ንምሕባእ ዚግበር ኵሉ ፈተነ  ኪነጽግ " ኢዩ ዝግባእ ። (59)

ጾታ ምቕያር "ነቲ ወድ-ሰብ ካብ ግዜ ጥንሲ ኣትሒዙ ዝረኸቦ ፍሉይ ክብሪ ኣብ ሓደጋ ስለ ዘእቱ" እውን ብኣሉታዊ መገዲ ኢዩ ዝፍረድ። ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን "ሓደ ድሮ ኣብ ግዜ ሕርሲ ዝርአ ብልዕቲ ዘይብሉ ዘይንቡር ነገራት ዘለዎ ወይ ጸኒሑ ዝማዕበለ ጸገማት ምስ ዝርከብ ሓደ ሰብ ነዚ ዘይንቡር ነገራት እዚ ንምፍታሕ ካብ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ሓገዝ ክረክብ ክመርጽ ይኽእል ኢዩ።" (60) ንዝብል ሓሳብ ንነጽግ ማለት ግን ኣይኰነን።

ኤለክትሮኒካዊ ዓመጻ

እቲ ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ናይ መወዳእታ ኣርእስቲ "ኤክትሮኒካዊ ዓመጻ" ኢዩ። ከም ብኢንተርነት ተጠቂምካ "ሓድሽ ዓይነት ዓመጻ ብማሕበራዊ መራኸቢ ይዝርጋሕ ኣሎ" ከምኡ ውን "ኣብ ኢንተርነት ጽዩፍ ስእልታት ንምዝርጋሕን ሰባት ንጾታዊ ዕላማታት ወይ ብጠላዕ ንምምዝማዝን መትረብ ኰይኑ ኣሎ።" (61)

እዚ ኣዋጅ "ካብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንላዕሊ ሰብኣዊ ኽብሪ ርዝነት ዘለዎ ኣብቲ ሓባራዊ ጥቕምን ማእከል ነፍሲ ወከፍ ሕጋዊ ስርዓትን ዘተኰረ ክኸውን" (64) ብምምሕጻን ኢዩ ዝዛዘም።

09 April 2024, 16:39