ድለ

ቅድስቲ መንበር፡ 'ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ምዕጋት’ ዝብል ውሳኔ ዘይእመን እዩ ቅድስቲ መንበር፡ 'ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ምዕጋት’ ዝብል ውሳኔ ዘይእመን እዩ  (©Kadmy - stock.adobe.com)

ቅድስቲ መንበር፡ 'ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ምዕጋት’ ዝብል ውሳኔ ዘይእመን እዩ

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንሽማግለ ጉዳያት ምርጋፍ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ኑዩክለሳዊ ኣጽዋር ምዕጋት ዝብል ስነ-መጐት መታለሊ ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ሰብ ሰርሖ ምስትውዓል ንምቁጽጻር ቀያዲ ኣህጉራዊ ውዕል ክጸድቕ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ዓለም እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጻኢታትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭታትን ቅድስቲ መንበር ነቲ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንሰላም ዘይተኣማምን ምዃኑ ብምግላጽ፥ “ግጭት ኣብ ክንዲ ዝከላኸል ኣጽዋር ክህሉን ንኣጠቓቕምኡ የተባብዕን ምህርቲ ኣጽዋር ክዓብይን እዩ ዝገብር . . . ዘይምትእምማን ይፈጥርን ጸጋታት የዘናብልን” እንክብሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሬለ ካቻ ኣብቲ ሽማግለ ጉዳያት ምፍታሕ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ግብረ ገባዊ ግዴታ

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ዕለት 1 ሚያዝያ ሽማግለ ምፍታሕ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝካየዶ ዋዕላ ተረኺቦም፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምብዛሕ ኣጽዋር ምእካብ - ምኽዛን ከምኡውን ምጥቃም ኣጽዋር ንምጕዳል ኣጽዋር "ስነ-ምግባራዊ ግዴታ" ከም ዝገብሮ ኣብሪሆም፡ እዚ ኸኣ "ኵሎም ኣባላት ዓበይቲ ስድራቤታት ሃገራት ካብ ሚዛናዊ ፍርሂ ናብ ሚዛናዊ ምትእምማን ክግዕዙ" ዝሓትት ኢዩ፡ እዚ ብሓቂ ነባሪ ሰላም ክርከብ ዘኽእል እንኮ መሰረት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

“እቲ ናይ ምድንጋር ስነ-መጐት መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዘይምኽኑይ፡ ማለት ቀጻሊ ምውናን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ምኽንያታዊ ንምግባር ይጥቀመሉ፡ “ዝኾነ ይኹን ኣጠቓቕማኡ ሳዕቤን ሰብኣውን ከባብያውን ዕንወት ከም ዝኸውንን፡ እዚ ሳዕቤን እዚ ተዋጋእትን ዘይተዋጋእትን እውን ዘይፈልይ እዩ።

ስለዚ ኩለን ሃገራት ኣብ ውዕል ምኽልካል ኑክሌራዊ ኣጽዋር (TPNW) ክጽንበራ ዝጽውዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ለበዋ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ በዚ ድማ “ኣሉታዊ ጽንሰ-ሓሳብ ድሕነት ብእወንታዊ ጽንሰ-ሓሳብ ንምትካእ ኣበርክቶ ክገብሩ” ከም ዝሓተቱን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኣብ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝእግድ ኩለ መዳያዊ ስርዓት ዘጠቓልል ውዕል 2017 ዓ.ም. ብ122 ሃገራት ቅቡል ከም ዝኾነ የዘኻኽር።

ኣድላይነት ሕጋዊ መቓን ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ

ሊቀ ጳጳስ ካቻ ኣብ መግለጺኦም ንኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ (AI) ብዝምልከት ስርዓታውን ስርሒታውን መቓን ምምዕባል ብህጹጽ ከምዘድሊ እውን ጠቒሶም። ምስዚ ብዝምልከት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝምልከት ኣህጉራዊ ትካል ንምፍጣር ዘቕረበቶ ሓሳብ ደጊሞም ብምርግጋጽ ጎኒ ጎኒ ድማ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሃገራት ነቲ ምክልኻል ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝብል ውሳኔ ኣብነት ዝገበረ ኣብ ምምዕባልን ኣጠቓቕማን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝቆጻጸር ቀያዲ ኣህጉራዊ ውዕል ንምጽዳቕ ብሓባር ክሰርሕ ኣተሓሳሲቦም፡ ከምዚ ዝበለ ስርዓት ምሕደራ፡ “ዝቕልቀሉ ዘለዉ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለታት ንፍሉይ ረብሓታት ዘይኮነስ፡ ብሓፈሻ ንደቂ ሰባት ከም ዘገልግሉ ንምርግጋጽ ክሕግዝ ይኽእል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሰላም ብብረት ዝህነጽ ኣይኮነን

ኣብ መደምደምታ ሊቀ ጳጳስ ካቻ፡ ነቲ ዘየቋርጽ “ጸዋዕታ ኣጽዋር ክዕበስ” ዝብል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጻውዒት ኣሐዲሶም፡ ቀስ ብቐስ ግን ከኣ ምሉእ ብምሉእ ምፍታሕ ኣጽዋር ብጽኑዕ መንገዲ “ሰላም ብረት ዘይኮነስ፡ ብትዕግስቲ ስምምዓትን ዘተን ምትሕብባርን እዩ ዝህነጽ። ንፍልልያት ኣብ ምፍታሕ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዝበቅዕ እንኮ መገዲ ድማ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

04 April 2024, 17:13